1. እምብኣርሲ ገለ ምጽንናዕ ብክርስቶስወይስ ገለ ደበሳ ናይ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ ሕብረት መንፈስ፡ ወይስ ገለ ምሕረትን ድንጋጽን እንተሎ፡

2. ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩምብሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ

3. ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ።

4. ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት

5. እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም።

6. ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን

7. መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ።

8. ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ

9-11. ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ

12-13. ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ከየሎኹ ግዳ እቲ ዚበዝሕ እምበር፡ ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነከምቲ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩምብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ

14-16. ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩምከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ

17. ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን እንተ ተሰዋእኩ፡ ባህ ይብለኒ፡ ምስ ኵላትኩምውን እሕጐስ አሎኹ።

18. ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ባህ በሉ ምሳይውን ተሐጐሱ

19-20. ብናይ ህልዋትኩም ከምታ ነፍሰይ ሐሲቡ ብንጹህ ልቢ ዚሐሊ ሓደ እኳ የብለይን እሞ፡ ኣነ ብዛዕባኻትኩም ፈሊጠ ምእንቲ ባህ ኪብለኒቀልጢፈ ንጢሞቴዎስ ክልእከልኩምብጐይታና የሱስ ተስፋ እገብር አሎኹ።

21. ኵላቶም ነናይ ርእሶም እዮም ዚደልዩነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን

22. ግናኸ ውሉድ ነቦኡ ኸም ዜገልግል፡ ንሱውን ምሳይ ንወንጌል ብምግልጋሉ ፍቱን ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም።

23. እምብኣርሲ ኣባይ ከመይ ከም ዚኸውን ምስ ርኤኹቀልጢፈ ንእኡ ኸሰደልኩም ተስፋ እገብር አሎኹ።

24. ኣነ ባዕለይውን ቀልጢፈ ኸም ዝመጽእብጐይታ እእመን አሎኹ።

25-26. ንኤጳፍሮዲጦስሓወይን መዓይይተይን መተዓቕይተይን ልኡኽኩምኣነ ብዝደልዮ ኣገልጋልን ግና፡ ንዅላትኩም ስለ ዝናፈቐን ምሕማሙ ብምስማዕኩም ስለ ዝጐሃየን፡ ናባኻትኩም ክሰዶ ብግዲ ዀነኒ።

27. ሐሚሙስ ብሓቂ ንሞት ቀሪቡ ነይሩ፡ ግናኸ፡ ኣምላኽ ምሒርዎ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ምእንቲ ኸይውሰኸኒንኣይ ድማ እዩ እምበር፡ ንእኡ ጥራይ ኣይኰነን

28. ስለዚ፡ ምስ ርኤኹምዎ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፡ ኣነውን፡ እቲ ሓዘነይ ምእንቲ ኪቐልልቀልጢፈ ሰደድክዎ

29-30. ደጊም ንሱ እቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለኒ ምእንቲ ኺምልእነብሱ ቐቢጹ ምእንቲ ዕዮ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ኣኽብርዎም