1. ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ባሮት የሱስ ክርስቶስ ናብቶም ኣብ ፊልጲ ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዅላቶም ቅዱሳን፡ ምስ ኤጲስቆጶሳትን ዲያቆናትን

2. ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን

3-4. ብዝዘከርኩኹም ዘበለ ጊዜ ኣብ ኵሉ ጸሎተይ ምእንቲ ዅላኩም ብሓጐስ ጸሎት እናገበርኩኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ ኤመስግን አሎኹ።

5. ስለቲ ሕብረትኩም ንምስፋሕ ወንጌል ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ ሕጂ

6. እቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ ኸኣ፡ ንሱ ኽሳዕ እታ መዓልቲ የሱስ ክርስቶስ ከም ዚፍጽሞእዚ ተረዲኤዮ አሎኹ።

7. ብመቐውሔይ ኰነ ብናይ ወንጌል ምምጽራይን ምጽናዕን ኵላትኩም ብጸጋ መማቕልተይ ስለ ዝዀንኩም፡ ኣብ ልበይ ስለ ዘሎኹምምእንቲ ዅላትኩም እዚ ኽሐስብ ቅኑዕ እዩ

8. ብለውሃት ክርስቶስ የሱስ ንዅላትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩምኣምላኽ ምስክረይ እዩ።

9-11. ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩምክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠት ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን አሎኹ።

12. ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እቲ ዝበጽሓኒ መከራ ንምስፋሕ ወንጌል ኣዝዩ ኸም ዝጠቐመክትፈልጡ እደሊ አሎኹ።

13. እቲ ማእሰርተይ ብክርስቶስ ምዃኑ ኣብ ብዘሎ ሰፈር ዘብዔኛታትን ኣብ ኵላቶም ካልኦትን ተገልጸ

14. ዚበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ በቲ ማእሰርተይ ኣብ ጐይታ ጸኒዖምብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንምንጋር ኣዝዮም ደፈሩ

15. ገሊኦም ብቕንእን ባእስንገሊኦም ግና ብጽቡቕ ፍቓድ ንክርስቶስ ይሰብክዎ አለዉ።

16. እቶም ሓደ ወገን ንጥብቅነት ወንጌል ከም እተመደብኩ ፈሊጦም ብፍቕሪ ይሰብኩ፡

17. እቶም ሓደ ወገን ግና ኣብ ርእሲ ማእሰርተይ ጸበባ ኬምጹኡለይ ሐሲቦም፡ ብቕንዕና ዘኰነስብሻራ ንክርስቶስ ይሰብክዎ አለዉ።

18. እንታይ ደኣ እዩ፧ እንተ ብምኽንያት እንተ ብሓቂ፡ ብዝዀነ ዀይኑስ ክርስቶስ ይስበኽ አሎ እሞ፡ በዚ እሕጐስ አሎኹ ኽሕጐስውን እየ።

19. እዚ ድማ ብጸሎትኩምን ብደገፍ መንፈስ የሱስ ክርስቶስን ንምድሓነይ ከም ዚኸውንእፈልጥ አሎኹ።

20-21. ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ፡ ሙማተይውን ረብሓይ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሃረርታይን ተስፋይን ብገለ ኸይሐፍርከምቲ ዅሉ ሳዕ ሕጂውን ብትብዓት ደኣብህይወት እንተ ዀይኑ ወይስ ብሞትክርስቶስ ብስጋይ ኪኸብር እዩ።

22. እቲ ብስጋ ምንባረይ፡ እዚ ፍረ ዕዮይ እንተ ዀይኑ፡ ኣየናይ ከም ዝሐሪኣይፈልጥን እየ።

23. በዘን ክልተ እዚኣተን እጭነቕ አሎኹ፡ ንኣይ ኣዝዩ ዚሐይሽ እዩ እሞ፡ ክፋኖ ምስ ክርስቶስውን ክነብር ሃረርታ አሎኒ

24. ግናኸ እቲ ብስጋ ምጽናሕ ምእንታኻትኩም ኣዝዩ ዜድሊ እዩ።

25-26. ከም ብሓድሽ ናባኻትኩም ብምምላሰይ እቲ ትምክሕትኩም ብክርስቶስ የሱስ ኣባይ ምእንቲ ኺዓዝዝእዚ ድማ ንናይ እምነትኩም ምዕባይን ሓጐስን ከም ዝጸንሕ ተረዲኤ፡ ምስ ኵላትኩም ከኣ ከም ዝነብርእፈልጥ አሎኹ

27-28. ካብቶም ተጻረርቲ ብሓደ ነገር እኳ ኸይሰምበድኩም፡ እዚ ንኣታቶም ንጥፍኣት፡ ንኣኻትኩም ግና ንምድሓን ምልክት እዩ፡ እዚ ኸኣ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ መጺኤ ኽርእየኩም እንተ ዀይነ ወይስ ከየሎኹስለ እምነት ወንጌል ብሓንቲ ነፍሲ ምሳይ እናተጋደልኩምብሓደ መንፈስ ቀጥ ኢልኩም ከም እትቘሙ ምእንቲ ኽሰምዕሓንትስ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ ጥራይ ይኹን።

29-30. እቲ ኣባይ ዝርኤኹምዎ ሕጂውን ኣባይ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ገድሊ፡ ከምኡ ዝበለ እናበጽሓኩም፡ ሳላ ክርስቶስ ምእንታኡ መከራ ድማ ክትጸግቡ እምበር፡ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራይ ኣይኰነን ጸጋ ተውሂብኩም ዘሎ።