1. ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ባሮት የሱስ ክርስቶስ ናብቶም ኣብ ፊልጲ ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዅላቶም ቅዱሳን፡ ምስ ኤጲስቆጶሳትን ዲያቆናትን፡
2. ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።
3-4. ብዝዘከርኩኹም ዘበለ ጊዜ ኣብ ኵሉ ጸሎተይ ምእንቲ ዅላኩም ብሓጐስ ጸሎት እናገበርኩ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ ኤመስግን አሎኹ።
5. ስለቲ ሕብረትኩም ንምስፋሕ ወንጌል ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ ሕጂ፡
6. እቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ ኸኣ፡ ንሱ ኽሳዕ እታ መዓልቲ የሱስ ክርስቶስ ከም ዚፍጽሞ፡ እዚ ተረዲኤዮ አሎኹ።
7. ብመቐውሔይ ኰነ ብናይ ወንጌል ምምጽራይን ምጽናዕን ኵላትኩም ብጸጋ መማቕልተይ ስለ ዝዀንኩም፡ ኣብ ልበይ ስለ ዘሎኹም፡ ምእንቲ ዅላትኩም እዚ ኽሐስብ ቅኑዕ እዩ።
8. ብለውሃት ክርስቶስ የሱስ ንዅላትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም፡ ኣምላኽ ምስክረይ እዩ።
9-11. ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠት ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን አሎኹ።
12. ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እቲ ዝበጽሓኒ መከራ ንምስፋሕ ወንጌል ኣዝዩ ኸም ዝጠቐመ፡ ክትፈልጡ እደሊ አሎኹ።
13. እቲ ማእሰርተይ ብክርስቶስ ምዃኑ ኣብ ብዘሎ ሰፈር ዘብዔኛታትን ኣብ ኵላቶም ካልኦትን ተገልጸ።
14. ዚበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ በቲ ማእሰርተይ ኣብ ጐይታ ጸኒዖም፡ ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንምንጋር ኣዝዮም ደፈሩ።
15. ገሊኦም ብቕንእን ባእስን፡ ገሊኦም ግና ብጽቡቕ ፍቓድ ንክርስቶስ ይሰብክዎ አለዉ።
16. እቶም ሓደ ወገን ንጥብቅነት ወንጌል ከም እተመደብኩ ፈሊጦም ብፍቕሪ ይሰብኩ፡
17. እቶም ሓደ ወገን ግና ኣብ ርእሲ ማእሰርተይ ጸበባ ኬምጹኡለይ ሐሲቦም፡ ብቕንዕና ዘኰነስ፡ ብሻራ ንክርስቶስ ይሰብክዎ አለዉ።
18. እንታይ ደኣ እዩ፧ እንተ ብምኽንያት እንተ ብሓቂ፡ ብዝዀነ ዀይኑስ ክርስቶስ ይስበኽ አሎ እሞ፡ በዚ እሕጐስ አሎኹ ኽሕጐስውን እየ።
19. እዚ ድማ ብጸሎትኩምን ብደገፍ መንፈስ የሱስ ክርስቶስን ንምድሓነይ ከም ዚኸውን፡ እፈልጥ አሎኹ።
20-21. ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ፡ ሙማተይውን ረብሓይ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሃረርታይን ተስፋይን ብገለ ኸይሐፍር፡ ከምቲ ዅሉ ሳዕ ሕጂውን ብትብዓት ደኣ፡ ብህይወት እንተ ዀይኑ ወይስ ብሞት፡ ክርስቶስ ብስጋይ ኪኸብር እዩ።
22. እቲ ብስጋ ምንባረይ፡ እዚ ፍረ ዕዮይ እንተ ዀይኑ፡ ኣየናይ ከም ዝሐሪ፡ ኣይፈልጥን እየ።
23. በዘን ክልተ እዚኣተን እጭነቕ አሎኹ፡ ንኣይ ኣዝዩ ዚሐይሽ እዩ እሞ፡ ክፋኖ ምስ ክርስቶስውን ክነብር ሃረርታ አሎኒ።
24. ግናኸ እቲ ብስጋ ምጽናሕ ምእንታኻትኩም ኣዝዩ ዜድሊ እዩ።
25-26. ከም ብሓድሽ ናባኻትኩም ብምምላሰይ እቲ ትምክሕትኩም ብክርስቶስ የሱስ ኣባይ ምእንቲ ኺዓዝዝ፡ እዚ ድማ ንናይ እምነትኩም ምዕባይን ሓጐስን ከም ዝጸንሕ ተረዲኤ፡ ምስ ኵላትኩም ከኣ ከም ዝነብር፡ እፈልጥ አሎኹ።
27-28. ካብቶም ተጻረርቲ ብሓደ ነገር እኳ ኸይሰምበድኩም፡ እዚ ንኣታቶም ንጥፍኣት፡ ንኣኻትኩም ግና ንምድሓን ምልክት እዩ፡ እዚ ኸኣ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ መጺኤ ኽርእየኩም እንተ ዀይነ ወይስ ከየሎኹ፡ ስለ እምነት ወንጌል ብሓንቲ ነፍሲ ምሳይ እናተጋደልኩም፡ ብሓደ መንፈስ ቀጥ ኢልኩም ከም እትቘሙ ምእንቲ ኽሰምዕ፡ ሓንትስ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ ጥራይ ይኹን።
29-30. እቲ ኣባይ ዝርኤኹምዎ ሕጂውን ኣባይ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ገድሊ፡ ከምኡ ዝበለ እናበጽሓኩም፡ ሳላ ክርስቶስ ምእንታኡ መከራ ድማ ክትጸግቡ እምበር፡ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራይ ኣይኰነን ጸጋ ተውሂብኩም ዘሎ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...