1. ነቶም ዓሰርተው ክልተ ብሓባር ጸዊዑ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣጋንንቲ ሕማምውን ኬሕውዩ ሓይልን ስልጣንን ሀቦም

2. መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ንሕሙማት ኬሕውዩን ከኣ ለኣኾም

3. በሎም ድማ፡ ንመገዲ ገለ ኣይትማልኡበትሪ ዀነ፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገንዘብ ኰነ ወይ ክልተ ቐምሽ ኣይሃሉኹም።

4. ኣብታ ዝኣቶኩምዋ ቤት ድማ፡ ኣብኣ ኹኑካብኣውን መገድኹም ኪዱ

5. ኣብቲ ዘይቅበሉኹም ዘበለ ኸኣ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም፡ ንኣታቶም ንምስክር ኪኸውንተጐጓ እግርኹም ንገፉ

6. ወጺኦም ድማ ዓዲ ንዓዲ እናዞሩወንጌል ይሰብኩ ኣብ ኵሉውን የሕውዩ ነበሩ።

7. ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ነቲ ብኣኡ እተገብረ ነገር ሰሚዑ ተዋለወለሓያሎ ሰባትዮሃንስ ካብ ምዉታት ተንሲኡይብሉ ነበሩ እሞ፡

8. ገሊኦምኤልያስ ተራእዩገሊኦም ከኣ፥ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ እዩ፡ በሉ።

9. ሄሮድስ ከኣ፥ ንዮሃንስ ኣነ ርእሱ ኣሰይፈዮ ነይረ። እዚ ብዛዕባኡ ኸምዚ ዝበለ ነገር ዝሰምዕ ዘሎኹ ደኣ መን እዩ፧ በለ፡ ኪርእዮውን ይደሊ ነበረ።

10. ሃዋርያት ድማ ምስ ተመለሱዝገበርዎ ዘበለ ነገርዎንበይኖም ድማ፡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኣብ ጥቓ ቤተ-ሳይዳ እትብሀል ከተማ ምስኡ ወሰዶም

11. እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ሰሚዖም ሰዓብዎ። ንሱ ድማ ተቐበሎም፡ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኸኣ ነገሮምምሕዋይ ንዜድልዮምውን ኣሕወዮም

12. ምድሪ ኺመሲ ጀመረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ቀሪቦምኣብዚ ኣብ በረኻ ኢና ዘሎና እሞ፡ ኣዞም ህዝቢ ኣብ ዙርያና ናብ ዘሎ ዓድታትን ገዛታትን ከይዶም ኪሐድሩ ዚብላዕውን ኪረኽቡኣሳናብቶምበልዎ

13. ንስኻትኩም ዚብላዕ ሃብዎምበሎም። ንሳቶም ግና፡ ንሕና ኼድና፡ ነዚ ዅሉ ህዝብዚ መብልዕ ክንዕድግ እንተ ዘይኰይኑምሳና ዘሎስ ካብ ሐሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣይበዝሕን እዩ፡ በሉ

14. ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ይዀኑ ነበሩ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱበብሓምሳ እናሰራዕኩም ኣቐምጥዎምበሎም

15. ከምኡ ገበሩ ንዅሉምውን ኣቐመጥዎም

16. ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ ናብ ሰማይ ጠመተባሪኹ ቘረሰንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ኬቕርብሎም ሃቦም

17. ኵሎም በሊዖም ጸገቡዝተረፈ ቈረርስ ድማ ዓሰርተው ክልተ መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ

18. ኰነ ድማ፡ ንበይኑ ኺጽሊ ኸሎ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ነበሩ። ንሱውን፥ ሰብ መን እዩ ይብለኒ አሎ፧ ኢሉ ሐተቶም

19. ንሳቶም ከኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕገሊኦምኤልያስ እዩ፡ ይብሉ፡ ገሊኦምውን፡ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡዚብሉ አለዉ፡ ኢሎም መለሱሉ

20. ንሱ ኸኣ፥ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒበሎምጴጥሮስ ከኣ፥ እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ

21. ንሱ ድማ ገንሖምእዚ ንሓደ ኸይነግሩ ኸኣ ኣዘዞም እሞ፥

22. ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኺጸግብብዓበይትን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ኪነዓቕን ኪቕተልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ በሎም

23. ንዅሎም ከኣ፥ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽመስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዓበኒ

24. ምድሓን ነፍሱ ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ እሞ፡ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ግና፡ ንሱ ኼድሕና እዩ።

25. ሰብከ ንብዘላ ዓለም ረቢሑስ፡ ንነፍሱ እንተ ጐድኣ ወይስ እንተ ኣጥፍኣ፡ እንታይ ይጠቕሞ

26. ብኣይን ብቓለይን ዚሐፍር ዘበለ፡ ወዲ ሰብ ብግርማኡን ብግርማ ኣቦኡን ብግርማ ቅዱሳን መላእኽቱን ኪመጽእ ከሎ፡ ብእኡ ኺሐፍር እዩ።

27. ካብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሉም ዘለዉ ሰባት፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚርእይዋሞት ዘይጥዕሙ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።

28. ድሕሪ እዚ ዘረባዚ ኣብ ሰሙኑ ኣቢሉ ኸኣ ዀነንጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን ተማሊኡክጽሊ ናብ ከረን ደየበ

29. ኪጽሊ ኸሎትርኢት ገጹ ተለወጠክዳዉንቱውን ብርቅርቕ ዚብል ጻዕዳ ዀነ።

30. እንሆ ድማ፡ ክልተ ሰባት፡ ንሳቶም ከኣ ሙሴን ኤልያስንምስኡ ይዛራረቡ ነበሩ

31. ብግርማ ኸኣ ተገልጹ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ኪፍጸም ዘለዎ ምውጻኡ ድማ ይዛራረቡ ነበሩ።

32. ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዘለውን ግና ድቃስ ከቢድዎም ነበረ። ምስ ተባራበሩግርማኡን ክልተ ሰብ ድማ ምስኡ ደው ዝበሉን ረኣዩ

33. ኰነ ኸኣ፡ እቲኣቶም ካብኡ ኺፍለዩ ኸለዉ፡ ጴጥሮስ ንየሱስመምህር፡ ንኣና ኣብዚ ኽንነብር ጽቡቕ እዩሰለስተ ዳስ ክንሰርሕሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደውን ንኤልያስበሎዚብሎ ኣይፈልጥን ነበረ።

34. ንሱ እዚ ኪዛረብ ከሎ፡ ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ናብ ደበና ኺኣትዉ ኸለዉ ኸኣ፡ ፈርሁ

35. ካብቲ ደበና ድማ፥ እቲ ዝሐሬኽዎ ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎዚብል ድምጺ መጸ

36. እቲ ድምጺ ኺመጽእ ከሎ፡ ንየሱስ በይኑ ረከብዎንሳቶምውን ስቕ በሉሽዑ ቅነ ዝረአይዎ ነገር ንሓደ እኳ ኣይነገሩን

37. ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ካብ ከረን ምስ ወረደብዙሓት ህዝቢ ተቐበልዎ

38. እንሆ ኸኣ፡ ካብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ፥ ዎ መምህር፡ ሓደ ንሱ እዩ ውሉደይ እሞ፡ ነዚ ወደይ ክትርእየለይ እልምነካ አሎኹ፡ እናበለ ጨርሔ

39. እንሆመንፈስ ይሕዞብኡብኡ ይብህርርፈንጠራዕራዕውን የብሎ፡ እናዕፈሮእናቀጥቀጦ ብጻዕሪ ይሐድጎ

40. ንደቀ መዛሙርትኻ ኼቅጽእዎ ለሚነዮምሲምውጻኡ ስኢኖም፡ በለ።

41. የሱስ ከኣ፥ ኣታ ዘይእሙን ቄናን ወለዶክሳዕ መኣዝከ ምሳኻትኩም ክነብርን ክዕገሰኩምን እየ፧ ንወድኻ ናብዚ ኣምጻዮኢሉ መለሰሉ

42. ንሱ ኺመጽእ ከሎ፡ እቲ ጋኔን ኣንፈጥፈጦ ጠንቀላዕላዕውን ኣበሎ። የሱስ ግና ነቲ ርኹስ መንፈስ ገኒሑ፡ ነቲ ቘልዓ ኣሕወዮ ነቦኡውን ሃቦ

43. ኵላቶም ድማ ብዕቤት ኣምላኽ ኣስተንከሩ። ኵላቶም በቲ የሱስ ዝገበሮ ዅሉ ኼስተንክሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ

44. ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪውሃብ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ነዚ ነገርዚ ኣብ ኣእዛንኩም ኣእትዉዎበሎም

45. ንሳቶም ግና ነዛ ዘረባ እዚኣ ኣየስተውዓልዋንከየስተብህልዋ ድማ ተሰዊራቶም ነበረት። በዛ ዘረባ እዚኣ ኸይሐትዎውን ፈርሁ

46. ካባታቶምሲ መኖም ከም ዚዓቢ ኸኣ ኣብ ማእከሎም ሓሳብ ኣተዎም

47. የሱስ ድማ ሓሳብ ልቦም ርእዩሕጻን ወሰደ፡ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣቢሉ፥

48. ነዚ ሕጻንዚ ብስመይ ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነዚ ዝለአኸኒ ይቅበሎ። እቲ ኣብ ማእከል ኵልኹም ዚንእስዓብዪ ዚኸውን ንሱ እዩ፡ በሎ።

49. ዮሃንስ ከኣ፥ መምህርሓደ ሰብኣይ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ ርኢናዮስ፡ ምሳና ስለ ዘይሰዓበከሊእናዮኢሉ መለሰሉ

50. የሱስ ከኣ፥ ዘይከራኸረኩም ዘበለ፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ እሞ፡ ኣይትኽልእዎበሎ

51. ኰነ ድማ፡ መዓልትታት ዕርገቱ ምስ ቀረባ፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መለሰ

52. ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደከይዶም ኬዳልዉሉ ድማ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ናይ ሰማርያ ኣተዉ

53. ንሳቶም ግና፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መሊሱ ስለ ዝነበረ፡ ኣይተቐበልዎን

54. እቶም ደቀ መዛሙርቱ ያእቆብን ዮሃንስን ከኣ ነዚ ምስ ረኣዩጐይታይከምቲ ኤልያስ ዝገበሮሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኼጥፍኦም ክንብልዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሉ

55-56. ምልስ ኢሉ፥ ወዲ ሰብ ነፍሳት ሰብ ኬድሕን እምበር፡ ኬጥፍእሲ ኣይመጸን እሞ፡ ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ እናበለ ገንሖም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸኣ ኸዱ

57. ኰነ ድማ፡ ኣብ መገዲ ኪኸዱ ኸለዉሓደጐይታይናብ እትኸዶ ዘበለ ዅሉ ኽስዕበካ እየ፡ በሎ

58. የሱስ ከኣ፥ ንወኻሩ ጕድጓድነዕዋፍ ሰማይውን መሕደሪ ኣለወን፡ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጽግዓላ ስፍራ የብሉንበሎ

59. ንሓደ ኻልእ ድማ፡ ስዓበኒበሎ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ።

60. የሱስ ድማ፥ ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበሩ ሕደጎም። ንስኻ ግና ኪድ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንገርበሎ

61. ሓደ ኻልእ ድማ፥ ጐይታይክስዕበካ እየ፡ ግናኸ ቅድም ካብ ስድራ ቤተይ ክሳናበት ፍቐደለይ፡ በሎ

62. የሱስ ግና፥ ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ፡ በሎ