1. ብዘሎ ዘረባኡ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ምስ ወድኤ፡ ናብ ቅፍርናሆም ኣተወ

2. ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ዜኽብሮ ባርያኡ ሐሚሙ ንሞት ቀሪቡ ነበረ።

3. ወረ የሱስ ምስ ሰምዔመጺኡ ንባርያኡ ኼሕውየሉዓበይቲ ኣይሁድ ናብኡ ልኢኹ ለመኖ

4-5. ንሳቶም ድማ ናብ የሱስ መጺኦምንሱ ንህዝብና ይፈቱቤት ጸሎት ዝሰርሓልና ኸኣ ንሱ እዩ፡ እዚ ኽትገብረሉ ይግባእ እዩ፡ ኢሎም ኣጽኒዖም ለመንዎ

6. የሱስ ከኣ ምሳታቶም ከደ። ናብ ቤቱ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኣዕሩኽ ለኣኸ፡ ከምዚ ኢሉጐይታይ፡ ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ ኣነ ኣይብቑዕን እየ እሞ፡ ኣይትድከም

7. ስለዚ ድማ ንርእሰይ ናባኻ ንምምጻእ ብቕዕቲ ገይረ ኣይቈጸርክዋን። ግናኸ ሓንቲ ቓል ተዛረብወደይ ከኣ ይሐዊ እዩ።

8. ኣነ ድማ ኣብ ትሕቲ ብዓል ስልጣን ዝግዛእ፡ ኣብ ትሕተይውን ዓቀይቲ ዘለውኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎይኸይድነቲ ድማ ንዓ፡ ይመጽእንባርያይውን እዚ ግበርይገብር ከኣ።

9. የሱስ እዚ ምስ ሰምዔተገረመግልጽ ኢሉ ኸኣ ነቶም ዝሰዐብዎ ህዝቢ፥ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩንእብለኩም አሎኹ፡ በሎም

10. እቶም ልኡኻት ናብ ቤት ምስ ተመልሰ ድማ፡ እቲ ሐሚሙ ዝነበረ ባርያ ሐውዩ ረኸብዎ

11. ንጽቢሒቱ ድማ ዀነናይን ናብ እትብሀል ከተማ ኸደምስኡ ኸኣ ሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከዱ።

12. ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረቡእንሆምዉት ተጾይሩ ወጸ፡ ንሱ ነዲኡ ሓደ ወዳ ነበረንሳ ኸኣ መበለት እያ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ምስኣ ነበሩ።

13. ጐይታ ምስ ረኣያደንገጸላ እሞ፥ ኣይትብከዪበላ

14. ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ፡ እቶም ጸወርቲውን ደው በሉ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ጐበዝተንስእእብለካ አሎኹ፡ በሎ

15. እቲ ምዉት ተንስኡ ተቐመጠምዝራብውን ጀመረነዲኡ ድማ ሃባ

16. ንዅሎም ፍርሃት ሐዞም፥ ዓብዪ ነብዪ ተንሲኡልናኣምላኽ ንህዝቡ በጽሔእናበሉ ኸኣ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ

17. እዚ ወረዚ ድማ ብዛዕባኡ ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ጐደቦታታን ተሰምዔ

18. ንዮሃንስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ዅሉ እዚ ነገርዚ ነገርዎ

19. ዮሃንስ ከኣ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፥ እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፡ ኢሉ ናብ የሱስ ለኣኾም

20. እቶም ሰባት ኣብ የሱስ ምስ በጽሑ ኸኣ፥ ዮሃንስ መጥምቕ፥ እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ ኡሉ ናባኻ ልኢኹናበልዎ

21. ሽዑ በታ ሰዓት እቲኣ ኻብ ሕማምን ቃንዛን ካብ ርኹሳት መናፍስትን ንብዙሓት ኣሕወየንዙሓት ዕዉራትውን ምርኣይ ሃቦም

22. የሱስ ከኣ፥ ዕዉራት ይርእዩሓንካሳት ይኸዱለምጻማት ይነጽሑጸማማት ይሰምዑምዉታት ይትንስኡ አለዉንድኻታትውን ወንጌል ይስበኽ አሎ እሞ፡ ኪዱእዚ ዝርኤኹምዎን ዝሰማዕኩምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ

23. ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብጹእ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም።

24. እቶም ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፡ ንሱ ነቶም እኩባት ሰብ ብዛዕባ ዮሃንስ ኪብሎም ጀመረ፥ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩምብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆዶ

25. እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጻእኩምልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድነ ሰብኣይዶእንሆ ንኽዳውንቲ ኽብረት ዘጌጹን ዝሐንቀቑንሲ ኣብ ቤት ነገስታት አለዉ

26. እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጻእኩምነብዪዶእወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ዚዓቢ እብለኩም አሎኹ።

27. እቲ፥ እንሆመግድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ አሎኹ፡ ተብሂሉ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ።

28. ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዓቢ ነብዪ ሓደ እኳ የልቦን፡ እብለኩም አሎኹ። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ግና እቲ ዚንእስ ይዓብዮ

29. ኵሎም ህዝብን ተገውትን ሰሚዖምብጥምቀት ዮሃንስ ተጠሚቖም ንኣምላኽ ኣጽደቕዎ

30. ፈሪሳውያንን ፈለጥቲ ሕግን ግና ብእኡ ኣይተጠምቁን እሞ ነቲ ኣምላኽ ዝመኸረሎም ምኽሪ ነዓቕዎ

31. እምብኣርሲ ንሰብ እዚ ወለዶ እዚ ብምንታይ ክምስሎም እየ፧ ንመንሲ ይመስሉ

32. ነቶም ኣብ ዕዳጋ ዚቕመጡ እሞ ንሓድሕዶም ተጻዋዊዖምእምብልታ ነፋሕናልኩም ኣይሳዕሳዕኩምንኣልቀስናልኩም ኣይበኼኹምንዚብሉ ቘልዑ እዮም ዚመስሉ

33. ዮሃንስ መጥምቕ እማ መጸእንጌራ ኣይበልዕወይኒ ኣይሰቲጋነን አለዎትብሉ፥ አሎኹም።

34. ወዲ ሰብ መጸይበልዕይሰቲእንሆበላዕን ሰታይ ወይንንመፍቀር ተገውትን ሓጥኣንንትብሉ አሎኹም።

35. ጥበብ ግና ብዅሎም ደቃ ጸደቐት

36. ሓደ ኻብ ፈሪሳውያን ድማ ምስኡ ኺበልዕ ለመኖ። ናብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ አትዩ፡ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ

37. እንሆ፡ ኣብታ ዓዲ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ነበረት። ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ምቕማጡ ምስ ፈለጠትቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቃጥ ኣምጽኤት

38. ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ደው ኢላ እናበኸየት፡ በቲ ንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረትብጸጉሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕምቅዱይ ቅብኢውን ትለኽዮ ነበረት።

39. እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዚ ርእዩእዚ ነብዪ እንተ ዚኸውንሲእዛ ዝተንከየቶ ሰበይቲ ሓጢያተኛ እያ እሞ፡ መን ከመይ ዘመሰለትውን ምኳና ምፈለጣ ነይሩኢሉ ብልቡ ሐሰበ።

40. የሱስ ከኣ፥ ስምኦንዝብለካ አሎኒኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ በልመምህርበለ

41. ንሓደ መለቕሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ። ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ።

42. ዚፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፡ ንኽልቲኦም ሐደገሎምካባታቶምሲ ኣዝዩ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧

43. ስምኦን ከኣ፥ ንኣይሲ እቲ ብዙሕ እተሐደገሉ ይመስለኒኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፥ ቅኑዕ ፈርድካበሎ

44. ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንስምኦን በሎ፥ ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ አሎኻ፧ ናብ ቤትካ ኣቶኹ እሞ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንንእዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት ብጸጉሪ ርእሳውን ደረዘት

45. ንስኻ ኣይተሳለምካንንእዚኣ ግና ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኻብ ምስዓም ኣእጋረይ ኣይዓረፈትን

46. ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኼኻንንእዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸየት

47. ስለዚ፡ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት፡ ንእኣ ብዙሕ ሓጢኣት ተሐዲጉላእብለካ አሎኹ። እቲ ሒደት ዚሕደገሉ ኸኣ ሒደት እዩ ዜፍቅር

48. ንእኣ ድማ፥ ሓጢኣትኪ ተሐዲጉልኪበላ

49. እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ኸኣ ብልቦም፥ እዚ ሓጢኣት ድማ ዚሐድግሲ፡ መን እዩ፧ ኪብሉ ጀመሩ

50. ንሱ ግና ነታ ሰበይቲእምነትኪ ኣድሒናትኪብሰላም ኪዲበላ