1. ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ ንግዝኣት ቄሳር ጢቤርዮስጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ ይሁዳ ተሸይሙ ኸሎ፡ ሄሮዶስ ብዓል ርባዕ ሽመት ድማ ኣብ ገሊላፊልጶስ ሓዉ ብዓል ርባዕ ሽመትውን ኣብ ኢጡርያን ኣብ ሃገር ጥራኮኒቲስንሊሳንያስ ብዓል ርባዕ ሽመት ከኣ ኣብ ኣቢለኔ ተሸይሞም ከለዉ፡

2. ሊቃውንቲ ኻህናትውን ሃናን ቀያፋን ከለዉቃል ኣምላኽ ናብ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ በረኻ መጸ

3. ንሱ ድማ ጥምቀት ንስሓ ንሕድገት ሓጢኣት እናሰበኸ፡ ኣብ ኵሉ ወሰነ ወሰን ዮርዳኖስ ዞረ

4. ከምቲ ኣብ ቃል መጽሐፍ ነብዪ ኢሳይያስ እተጻሕፈ፡ ከምዚ ዚብል፥ ቃል ኣዋጅ ነጋሪ ኣብ በረኻ ዚእውጅጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ መገዱ ድማ ኣቕንዑ

5. ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ከረንን ኵርባን ዘበለ ድማ ትሕት ይበልቄናን ከኣ ይቕናዕድንጉርውን ሰጥ ዝበለ መገዲ ይኹን

6. ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ምድሓን ኣምላኽ ኪርኢ እዩ።

7. ነቶም ንሱ ኼጥምቖም ዝመጹ ሰባት ድማ ይብሎም ነበረ፥ ኣቱም ውላድ ተመን፡ ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ኽትመልቁኸ፡ መን ሐበረኩም

8. እምበኣርስኸ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ግበሩ። ካብዘን ኣእማን እዚኤን ንኣብርሃም ውሉድ ኬተንስኣሉ ንኣምላኽ ከም ዚከአሎኣብለኩም አሎኹ እሞ፡ ብርእስኹምኣብርሃም ኣቦ አሎና ምባል ኣይትጀምሩ።

9. ካብ ሕጂ ኸኣ ማሕጸ ኣብቲ ሱር ኣእዋም ተነቢሩ አሎ። ስለዚ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቑረጽ ናብ ሓዊ ኸኣ ይድርበ እዩ።

10. እቶም ህዝቢ ድማ፥ እንታይ እሞ ንግበርኢሎም ሐተትዎ

11. ንሱ ኸኣ፥ ክልተ ቐምሽ ዘለዎ ነቲ ዜብሉ ይምቀሎቀለብ ዘለዎ ድማ ከምኡ ይግበርኢሉ መለሰሎም

12. ተገውቲ ድማ ኪጥመቑ መጺኦምመምህር፡ እንታይ ንግበርበልዎ

13. ንሱ ኸኣ፥ ካብቲ እተኣዘዘልኩም ሓለፋ ኣይትውሰዱበሎም

14. ዓቀይቲውን፥ ንሕናኸ እንታይ ንግበር፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ንሓደ እኳ ኣይትግፍዑብሓሶትውን ኣይትኽሰሱደደመወዝኩም ከኣ ይእከልኩምበሎም

15. እቶም ህዝቢ ኺጽበዩ ኸለዉኵሎም ከኣ ብዛዕባ ዮሃንስክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ ኢሎም በብልቦም ኪሐስቡ ኸለዉ ድማ፡

16. ዮሃንስ መለሰ ንዅሎም በሎም፡ ኣነስ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘሎኹ፡ እቲ ኻባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕ ግና ይመጽእ አሎ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ።

17. መስኤኡ ኣብ ኢዱ ሒዙ ዓውዱ የጽሪ፡ ነቲ ስርናይ ኣብ ቆፎኡ ይእክቦ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼንድዶ እዩ።

18. ብብዙሕ ካልእ ምዕዶ እናመዓዶምውን፡ ነቶም ህዝቢ ኣበሰሮም

19. ንሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ድማ ብዛዕባ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉን ብዛዕባ እቲ ሄሮድስ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ኽፉእ ነገርን ምስ ገንሖ

20. ሄሮድስ ኣብ ልዕል እዚ ዅሉ ወሲኹንዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓጸዎ

21. ኰነ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ዅሉ ምስ ተጠምቀየሱስውን ተጠሚቑ ኺጽሊ ኸሎ፡ ሰማይ ተኸፍተ

22. መንፈስ ቅዱስ ከኣ በርኣያ ስጋ ኸም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደንስኻ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ፡ ዚብል ድምጺውን ካብ ሰማይ መጸ

23. የሱስ ባዕሉ ኺምህር ምስ ጀመረኣስታት ወዲ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ ነበረወዲ ዮሴፍ ከም ዝዀነ ኸኣ ይመስሎም ነበረ፡ ወዲ ኤሊ

24. ወዲ ማታትወዲ ሌዊወዲ መልኪወዲ ያናወዲ ዮሴፍ

25. ወዲ ማጣትዩስወዲ ኣሞጽ ወዲ ናሆምወዲ ኣስሊወዲ ናጌ

26. ወዲ መኣትወዲ ማታትዩስወዲ ሴሜይወዲ ዮሴፍወዲ ይሁዳ

27. ወዲ ዮናወዲ ሬሳወዲ ዘሩባቤልወዲ ሰላትኤልወዲ ኔሪ

28. ወዲ ሜልኪወዲ ኣዲወዲ ቆሳምወዲ ኤልማዳምወዲ ኤር

29. ወዲ ዮሴወዲ ኣልኣዛርወዲ ዮራምወዲ ማጣትወዲ ሌዊ

30. ወዲ ስምኦን ወዲ ይሁዳወዲ ዮሴፍወዲ ዮናንወዲ ኤልያቂም

31. ወዲ ሜልያወዲ ማይናንወዲ ማጣትወዲ ናታንወዲ ዳዊት

32. ወዲ እሴይወዲ እዮቤድወዲ ቦኤዝወዲ ሰልሞንወዲ ነኣሶን

33. ወዲ ኣሚናዳብወዲ ኣራምወዲ ኤስሮምወዲ ፋሬስወዲ ይሁዳ

34. ወዲ ያእቆብ፡ ወዲ ይስሃቅ፡ ወዲ ኣብርሃም፡ ወዲ ታራ፡ ወዲ ናሆር

35. ወዲ ሳሮክወዲ ራጉወዲ ፋሌቅወዲ ኣቤርወዲ ሳላ

36. ወዲ ቃይናንወዲ ኣርፋክሳድወዲ ሴምወዲ ኖህወዲ ላሜክ

37. ወዲ ማቱሳላወዲ ሄኖክወዲ ያሬድወዲ መላልኤልወዲ ቃይናን

38. ወዲ ሄኖስወዲ ሴትወዲ ኣዳምወዲ ኣምላኽ