1. እቶም እተኣከቡ ዅላቶም ተንሲኦም፡ ናብ ጲላጦስ ወሰድዎ

2. ንሳቶም ከኣ፥ እዚ፡ ንህዝብና ኼስሕቶምንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ ኸኣ ኪኽልክሎም፡ ርእሱ፥ ክርስቶስ ንጉስ እየ፡ ኢሉውን ኪዛረቦም ከሎ ረኺብናዮኢሎም ኪኸስዎ ጀመሩ

3. ጲላጦስ ከኣ፥ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሕተቶ። ንሱ ድማ፥ ንስኻ እኳ ትብል አሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ

4. ጲላጦስ ድማ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ነቶም ሰብን፥ ኣብዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩንበሎም

5. ንሳቶም ግና፥ ካብ ገሊላ ሒዙ ኽሳዕ ኣብዚ ኣብ ብዘላ ይሁዳ እናመሃረ ንህዝቢ የባዕድ አሎ፡ ኢሎም ወዓዩ

6. ጲላጦስ ከኣ ገሊላ ኺብሉ ምስ ሰምዔ፡ ገሊላዊ እንተ ዀይኑ ሐተተ

7. ካብ ግዝኣት ሄሮድስ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ድማ፡ ናብ ሄሮድስ ሰደዶ። ንሱውን በታ ቕነ እቲኣ ኣብ የሩሳሌም ነበረ።

8. ሄሮድስ ንየሱስ ምስ ረአዮ፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር ስለ ዝሰምዔ፡ ካብ ነዊሕ ጊዜ ሒዙ ኺርእዮ ይደሊ ነበረ፡ ንሱ ዚገብሮ ተኣምራትውን ኪርኢ ይጽበ ነበረ እሞ፡ ኣዝዩ ተሐጐሰ

9. ብናይ ብዙሕ ነገር ከኣ ሐተቶ፡ ንሱ ግና ሓንቲ እኳ ኣይመለሰሉን

10. ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ከኣ ደው ኢሎም ኣበርቲዖም ይኸስዎ ነበሩ።

11. ሄሮድስ ድማ ምስ ገላዉኡ ዀይኑ ኣቃለሎን ኣላገጸሉንብርቕርቕ ዚብል ክዳን ከዲኑ ኸኣ ናብ ጲላጦስ መሊሱ ሰደዶ

12. ቀደም ጲላጦስን ሄሮድስን ጽልኢ ነይሮምሲበታ መዓልቲ እቲኣ ተፋቐሩ

13. ጲላጦስ ግና ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንዓበይትን ንህዝብን ብሓባር ጸዊዑ

14. ነዚ ሰብኣይ እዚ፥ ንህዝቢ የስሕት አሎ፡ ኢልኩም ናባይ ኣምጺእኩምዎእንሆኣብ ቅድሜኹም መርሚረዮስ፡ በዚ እትኽስዎ ዘሎኹም ነገር ኣብዚ ሰብኣይ እዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን

15. ሄሮድስውን ከምኡ፡ ንሱ መሊሱ ናባና ሰዲድዎ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ናብ ሞት ዜብጽሕ ነገር ሓንቲ እኳ ኣይገበረን

16. ደጊም ቀጺዔ ኽፈትሖ እየ፡ በሎም።

17. በብበዓል ግና ሓደ እሱር ኪፈትሓሎም ልማድ ነበረ።

18. እቶም ህዝቢ ድማ ኵሎም፥ ነዚ ንየው በሎንበርባን ደኣ ፍትሓልናኢሎም ሐቢሮም ጨደሩ

19. በርባን ብምብዓድ ከተማን ብምቕታል ንፍስን ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ።

20. ጲላጦስ ድማ ንየሱስ ኪሰዶ ደልዩከም ብሓድሽ ተዛረቦም

21. ንሳቶም ግና፥ ስቐሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጨደሩ

22. ሳልሳይ ጊዜ ኸኣ፥ እንታይ ክፋእከ ገበረንሞት ዚኸውን ምኽንያት ኣይረኸብኩሉንቀጺዔ ግዳ ኽፈትሖበሎም

23. ንሳቶም ግና ኣዝዮም ዓው ኢሎም ኪሰቕሎ ኣጽኒዖም ለመንዎ እሞ ቃሎም ሰዓረ።

24. ጲላጦስ ድማ ልማኖኦም ኪዀነሎም ፈረደ

25. ነቲ ዝለመንዎ ብምብዓድን ብምቕታልን ተኣሲሩ ዝነበረ ፈትሓሎምንየሱስ ግና ንፍቓዶም ኣሕሊፉ ሃቦ

26. ሒዞምዎ ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ንስምኦን ቀሬናዊ ካብ በረኻ ኺኣቱ ኸሎ፡ ሐዝዎደድሕሪ የሱስ ኪጸውር ከኣ እቲ መስቀል ኣሰከምዎ

27. ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ይስዕቦ ነበረ፡ ኣንስቲውን ዋይዋይ ይብላሉን ይበኽያሉን ነበራ።

28-29. የሱስ ድማ ናባታተን ግልጽ ኢሉ፥ ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣካ እዝጊ ሃባ እታ መኻን ዘይወለደት ከርስን ዘየጥበዋ ኣጥባትንዚብሉለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ፡ ንርእስኽንን ንደቕኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከያለይ

30-31. ኣብ ጥሉል ኦም ከምዚ ኻብ ገበሩስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ደኣ ኸመይ ኪኸውን እዩ፡ ሽዑ ነኽራን ኣብ ልዕሌና ውደቑንዅርባታትውን ከውሉና ምባል ኪጅምሩ እዮም፡ በለን።

32. ንኽልተ ኻልኦት ገበርቲ ኽፉእውን ምስኡ ኺስቀሉ ኣምጽእዎም

33. ቀራንዮ ኣብ እትብሀል ስፍራ ምስ በጽሑኣብኣ ሰቐልዎ። ነቶም ገበርቲ ኽፉእ ከኣ ሓደ ብየማኑ ሓደውን ብጸጋሙ ሰቕልዎም።

34. የሱስ ድማ፥ ኣቦይ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም፡ በለ። ንኽዳውንቱ ኸኣ ዕጭ ኣውዲቖም ተማቐልዎ

35. እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ይርኢ ነበረ፡ እቶም ዓበይቲውን ምሳታቶም ኰይኖም፥ ንኻልኦት ኣድሒኑ፡ ንሱ ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ሕሩይ እንተ ዀይኑስ፡ ርእሱ የድሕን፡ እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ።

36-37. እቶም ጭፍራውን የላግጹሉ ነበሩ፡ ናብኡ ቐሪቦም ድማ፥ ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ እንተ ዄንካስ ርእስኻ ኣድሕንእናበሉ መጺጽ ኣምጽኡሉ

38. ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ፥ እዚ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ዚብል ጽሕፈት ነበረ።

39. ካብቶም እተሰቕሉ ገበርቲ ኽፉእውን ሓደ፥ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ንርእስኻን ንኣናን ኣድሕን፡ ኢሉ የላግጸሉ ነበረ።

40. እቲ ኻልኣዩ ግና፥ ኣታ ኣብዚ ኸምዚ ዝበለ ፍርዲ ኸሎኻስ፡ ኣምላኽዶ ኣይትፈርህን ኢኻ

41. ንሕናስ ብሓቂ ብግብርና ዚግብኣና ተፈዴና፡ እዚ ግና ሓንቲ ኽፍእቲ እኳ ኣይገበረን፡ ኢሉ ገንሖ።

42. ንየሱስ ከኣ፥ ጐይታይብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒበሎ

43. የሱስ ድማ፥ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውንብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ በሎ

44. ካብ ጊዜ ሳድሰይቲ ሰዓት ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ኣብ ኵላ ምድሪ ጸልማት ኰነ

45. ጸሓይ ጸልመተትመጋረጃ መቕደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ

46. የሱስ ብዓብዪ ድምጺ፥ ኣቦይ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ አሎኹ፡ ኢሉ ጨርሔእዚ ምስ በለነፍሱ ወጸት

47. እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና እቲ ዝዀነ ምስ ረአየ፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ ነይሩ፡ ኢሉ ንኣምላኽ ኣመስገኖ

48. እቶም ኪርእዩ እተኣከቡ ህዝቢ ድማ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩኣፍ ልቦም እናወቕዑ ተመልሱ

49. እቶም ዚፈልጥዎ ዅሎምን እተን ካብ ገሊላ ዝሰዐባኦ ኣንስትን ከኣ ብርሑቕ ደው ኢሎም ነዚ ይጥምቱ ነበሩ።

50-51. እንሆዮሴፍ ዝስሙ መኻሪ፡ ብዓል ኣርማትያስ ከተማ ኣይሁድሕያዋይን ጻድቕን ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ንመንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ይጽበያ ነበረ እምበር፡ ኣብቲ ምኽሮምን ግብሮምን ኣይተጸምበረን

52. ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ስጋ የሱስ ለመኖ

53. ኣውሪዱ ብበፍታ ገነዞሰብ ኣብ ዘይተቐብሮ ኣብ ውቕሮ መቓብር ከኣ ኣእተዎ

54. መዓልቲ ምድላውድሮ ሰንበት ነበረት።

55. እተን ካብ ገሊላ ምስኡ ዝመጻ ኣንስቲ ድማ ስዒበንመቓብሩን ስጋኡ ከኣ ኸመይ ከም እተነብረን ረኣያ

56. ተመሊሰን ከኣ ሽቱን ቅዱይ ቅብኣን ኣዳለዋ። ግናኸ ከምቲ ትእዛዝ ሕጊ ብሰንበት ዓረፋ