1. ኰነ ድማ፡ በቲ ቕነ እቲ ዅሉ ዓለም ኪጸሐፍ፡ ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ

2. እዚኣ እታ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ ዝዀነት ቀዳመይቲ ጽሕፈት እያ።

3. ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ኪጸሐፍኵሉ ነናብ ዓዱ ኸደ

4-5. ዮሴፍ ድማ፡ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረካብ ገሊላ ኻብ ዓዲ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዘላ ማርያም ሕጽይቱ ናብ ቤት-ልሄም እትብሀል ዓዲ ዳዊት ናብ ይሁዳ ኪጸሐፍ ደየበ

6. ኰነ ድማኣብኡ፡ ኸለዉ ጊዜ ሕርሳ በጽሔ

7. በዅሪ ወዳ ወለደት ብዓለባውን ጠቕለለቶ፡ ኣብቲ ማሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ

8. ኣብታ ምድሪ እቲኣ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝሐደሩ ጓሶት ነበሩ

9. መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓኦም ደው በለ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሄብዙሕ ፍርሃት ከኣ ፈርሁ

10-11. እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ

12. ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽተረኽቡ ኢኹም፡ በሎም።

13-14. ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፥ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባትእናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ

15. ኰነ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ኻባታቶም ናብ ሰማይ ምስ ደየቡእቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፥ እዚ እግዚኣብሄር ዝገለጸልና ኽውን ነገር ክንርኢ ንዑናይናብ ቤት-ልሄም ንኺድተባሃሀሉ

16. ቀልጢፎም ከኣ ኸዱንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ሕጻን ከኣ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱን ረኸቡ

17. እዚ ምስ ረኣዩብዛዕባ እቲ ሕጻን እተነግረሎም ነገር ኣውረዩ

18. ዝሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ከኣ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ

19. ማርያም ግና ነዚ ነገርዚ ዅሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሐስቦን ነበረት።

20. እቶም ጓሶት ድማ ከምቲ እተባህለሎም፡ በቲ ዝሰምዕዎን ዝረአይዎን ኵሉ ንኣምላኽ እናኽበሩን እናወደሱን ተመልሱ

21. ኪገዝርዎ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ መልኣ ድማ፡ ከምቲ መልእኽ ኣብ ከርሲ ኸይተሃንጸ ኸሎ ዝሰመዮስሙ የሱስ ኢሎም ሰመይዎ

22-24. ከምቲ ሕጊ መሴመዓልትታት ምንጻሆም ምስ መልኣ፡ - ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄርማሕጸን ወላዲቱ ዝኸፈተ ዘበለ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይብሀል፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ - ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር እተባህለ ኸኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይስ ክልተ ጫጩት ርግቢ መስዋእቲ ምእንቲ ኺህቡ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኬቝምዎ ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ

25. እንሆ ድማ፡ ኣብ የሩሳሌም ስምኦን ዚብሃል ሰብኣይ ነበረእዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህምጽንናዕ እስራኤል ዚጽበ ነበረ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ነበሮ።

26. ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ከይረአዮሞት ከም ዘይርኢ ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጽሉ ነበረ

27. ብመንፈስ ከኣ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ነቲ የሱስ ሕጻንወለዱ ኸም ልማድ ሕጊ ኺገብሩሉ ምስ ኣእተውዎ

28. ንሱ ድማ ኣብ ኢዱ ሐቘፎንኣምላኽውን ኣመስገነ እሞ፥

29-32. ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃንንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ።

33. ዮሴፍን ኣዲኡን ከኣ በቲ ብዛዕባኡ እተባህለ ነገር ተገረሙ

34. ስምኦን ከኣ ባረኾምነዲኡ ማርያም ድማ፥ እንሆ፡ እዚ ንብዙሓት ኣብ እስራኤል ንምዳቖምን ምትንሳኦምን ንትእምርቲ ምጽራርውን ንቡር እዩ።

35. ንኣኺ ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ኺገሃድ፡ ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ፡ በላ።

36. ካብ ወገን ኣሴር ድማ ሃናጓል ፋኑኤልንሳ ኣዝያ ዝኣረገት ነብዪት ነበረት። - ካብ ድንግልናኣ ሒዛ ምስ ሰብኣያ ሾብዓተ ዓመት ገበረት

37. ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት እያ። - ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸትብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት።

38. ንሳውን ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ። ነቶም ምድሓን የሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም

39. ከምቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ኵሉ ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመልሱ

40. እቲ ሕጻን ዓበየብመንፈስ ድማ ደልደለጥበብ ከኣ መልኦጸጋ ኣምላኽውን ኣብኡ ነበረ።

41. እቶም ወለዱ ንበዓል ፋስጋ በብዓመት ናብ የሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ።

42. ንሱ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ፡ ከምቲ ስርዓት በዓል ናብ የሩሳሌም ደየቡ

43. እተን መዓልትታት ኣእኪሎም ኪምለሱ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ፡ እቲ ቘልዓ፡ ኣብ የሩሳሌም ተረፈዮሴፍን ኣዲኡን ግና እዚ ኣይፈለጡን

44. ምስ ሰብ መገዲ ዘሎ መሲልዎምመገዲ ሓንቲ መዓልቲ ኸዱኣብ ኣዝማዶምን ኣብ ዚፈልጥዎምን ከኣ ደለይዎ

45. ምስ ሰኣንዎ ኸኣ፡ ኪደልይዎ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ

46. ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሐተቶምን ረኸብዎ

47. ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ በቲ ምስትውዓሉን ምላሹን ተገረሙ

48. ምስ ረአይዎ ድማ ሰምበዱኣዲኡ ኸኣ፡ በል ወደይስለምንታይከ ኸምዚ ገበርካናእንሆኣቦኻን ኣነን እናጕሄና ንደልየካ ኔርና፡ በለቶ።

49. ንሱ ኸኣ፥ ንምንታይሞ እትደልዩኒኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ በሎም

50. ንሳቶም ግና ነዚ ዝበሎም ዘረባ ኣየስተውዓልዎን

51. ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸይእዘዞምውን ነበረ። ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።

52. የሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ