1. ንደቀ መዛሙርቱ በሎምመዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ። ነቲ ብሰሩ መዓንቀፊ ዚመጽእ ግና ወይለኡ

2. ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዜስሕትሲመጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ናብ ባሕሪ ኺድርበ ምሔሾ ነይሩ።

3. ንርእስኹም ተጠንቀቑሓውካ እንተ በደለካግንሐዮ፡ እንተ ተጣዕሰሕደገሉ

4. ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ እንተ በደለካተጥዒሰ እናበለ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ናባኻ እንተ ተመልሰሕደገሉ

5. ሃዋርያት ድማ ንጐይታእምነት ወስኸናበልዎ

6. ጐይታ ኸኣ፥ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ትህልወኩምሲነዚ ሳግላተመንቍስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸልምበልኩምዎ እሞ ምተኣዘዘኩም ነይሩ።

7. ካባኻትኩምከ ዚሐርስ ወይስ ዚጓሲ ባርያ ዘለዎ እሞ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወቀልጢፍካ ሕለፍክትድረር ተቐመጥዚብሎ መን አሎ፧

8. ክድረር ኣዳልወለይክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዓጢቕካ ኣገልግለኒድሕርቲ ንስኻውን ብላዕን ስተን፡ ደይኰነን ዚብሎ

9. ወይስ ነቲ ባርያ እቲኸ እቲ እተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ ይንእዶዶኣይመስለንን

10. ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩምንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርናበሉ

11. ኰነ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎብመንጎ ሰማርያን ገሊላን ሐለፈ

12-13. ናብ ሓንቲ ዓዲ ኺኣቱ ኸሎ፡ ዓሰርተ ለምጻማት ተጓነፍዎ። ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎምከኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም፥ ዎ የሱስ መምህርምሐረናበልዎ

14. ንሱ ርእይዎምኪዱርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩበሎምኰነ ኸኣኪኸዱ ኸለዉነጽሁ

15. ካባታቶም ሓደ ኸኣ ከም ዝሐወየ ምስ ረአየድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ተመለሰ

16. እናኣመስገኖ ኸኣ ኣብ እግሩ ብገጹ ተደፍኤንሱ ኸኣ ሳምራዊ እዩ።

17. የሱስ ግና፥ ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ አለዉ፡

18. ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እተመልሰዶ የልቦን፡ ኢሉ መለሰ።

19. ደሓር ከኣ፥ ተንስእ እሞ ኺድእምነትካ ኣሕወየትካበሎ

20-21. ፈሪሳውያንመንግስቲ ኣምላኽ ምኣዝ ትመጽእኢሎም ምስ ሓተትዎ ኸኣ፡ ንሱ፥ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም አላ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ፡ እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዚብላውን የልቦን፡ ኢሉ መለሰሎም

22. ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ በሎም፥ ካብ መዓልትታት ወዲ ሰብ ሓንቲ ኽትርእዩ እትምነዩለን መዓልትታት ከመጻ እየን፡ ኣይክትርእዩን ከኣ ኢኹም።

23-24. መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ኻልእ ወሰን ሰማይ ከም ዚበርቕን ከም ዜብርህን፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ በታ መዓልቲ ኪኸውን እዩ እሞእንሆ ኣብዚ ወይስ እንሆ ኣብቲ አሎ፡ ኪብልኹም እዮምኣይትኺዱ ኣይትስዓብዎምን

25. ቅድም ግና ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ በዚ ወለዶ እዚውን ኪነዓቕ ብግዲ እዩ።

26. ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ኪኸውን እዩ

27. ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትውን ነበሩ። ማይ ኣይሂ ድማ መጸ ንዅሎምውን ኣጥፍኤ

28. ብዘመን ሎጥ ድማ ከምኡ ዀነይበልዑን ይሰትዩን ይሸጡን ይሻየጡን ይተኽሉን ይሃንጹን ነበሩ።

29. በታ ሎጥ ካብ ሶዶም ዝወጸላ መዓልቲ ድማ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ወረደ፡ ንዅሉ ኸኣ ኣጥፍኤ

30. በታ ወዲ ሰብ ዚግለጸላ መዓልቲ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ

31. በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ደርቢ ዘሎኣቓሑኡ ኸኣ ኣብ ቤት ዘለዎ ኺወስዶ ኢሉ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎውን ንድሕሪት ኣይመለስ

32. ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ

33. ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና እዩ።

34. በታ ለይቲ እቲኣ ኽልተ ኣብ ሓንቲ ዓራት ኪድቅሱ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድእቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ።

35. ክልተ ኣንስቲ ብሓንሳእ ኪጥሕና እየን፡ እታ ሓንቲ ኽትውሰድእታ ኻልኣይቲ ኽትሕደግ እያ።

36. ክልተ ኣብ ወፍሪ ኺጸንሑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድእቲ ኻልኣይ ኪሕደግ እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

37. መሊሶም ከኣ፥ ጐይታይኣበይከ እዩ፧ በልዎ። ንሱውን፥ ኣብቲ ገምቢ ዘልዎ፡ ኣሞራታት ናብኡ ኺእከቡ እዮም፡ በሎም