1. ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎምኣዛዝ ቤት ዝነበሮ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ንእኡ፥ ገንዘብካ ይብትነልካ አሎ፡ ኢሎም ኣጣቘስዎ

2. ጸዊዑ ኸኣ፥ እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘሎኹ እንታይ እዩ፧ ደጊም ኣዛዝ ቤት ክትኰነኒ ኣይኰነልካን እዩ እሞ፡ ጸብጻብ ምምጋብካ ሃበኒበሎ

3. እቲ ኣዛዚ ኸኣ ብልቡጐይታይ ካብዛ ሽመተይ ኪስዕረኒ እዩ፡ ከይባሩ ኣይክእልንከይልምን ድማ እሐፍር፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ

4. ጐይታይ ካብ ሽመተይ ምስ ሰዓረኒ፡ ኣብ ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉንስዝገብሮ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ።

5. ነቶም ሰብ ዕዳ ጐይታኡ ንነፍሲ ወከፎም ጸዊዑነቲ ቐዳማይ፥ ንጐይታይ እትፈድዮ ዕዳ ኽንደይ አሎኻ፧ በሎ።

6. ንሱ ኸኣ ሚእቲ ባት ዘይቲበሎ። ሽዑ ንሱ፥ እንካ፡ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበልቀልጢፍካ ተቐመጥ እሞ ሓምሳ ኢልካ ጽሐፍ፡ በሎ።

7. ድሕሪኡ ድማ ንሓደ ኻልእ፥ ንስካኸ ዕዳኻ ኽንደይ እዩ፧ በሎ። እቲውን፥ ሚእቲ ቆሮስ ስርናይ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ እንካ፡ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል እሞ ሰማንያ ኢልካ ጽሐፍ፡ በሎ።

8. ካብ ደቂ ብርሃንሲ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ወለዶኦም ይባላሐቱ እዮም እሞ፡ ነቲ ዓመጸኛ ኣዛዚ፡ ብልቦና ስለ ዝገበረጐይታኡ ነኣዶ

9. ኣነ ኸኣ፥ ምስ ተወድኣኩም ኣብ ናይ ዘለኣለም ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉኹምሲብገንዘብ ዓመጻ ንርእስኹም ኣዕሩኽ ግበሩእብለኩም አሎኹ።

10. ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ።

11. እምብኣርከ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ካብ ዘይትዀኑ፡ ንጥሪት ሓቂ ሕድሪ ዚህበኩም መን እዩ፧

12. ብናይ እማትኩም እሙናት ካብ ዘይትዀኑስናትኩም ዚህበኩም ደኣ መን እዩ፧

13. ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦንወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም

14. እቶም ገንዘብ ዚፈትዉ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከኣ እዚ ዅሉ እናሰምዑ የላግጹሉ ነበሩ።

15. በሎም ድማ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚርኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ንስካትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹምንልብኹም ግና ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ።

16. ሕግን ነብያትን ክሳዕ ዮሃንስ ነበሩ። ካብ ሽዑ ንነጀው መንግስቲ ኣምላኽ ትብሰር አላ፡ ኵሎም ድማ ይዳፍኡላ አለዉ።

17. ካብ ሕጊ ሓንቲ ነቑጣ ኻብ እትወድቕሲሰማይን ምድርን ኪሐልፍ ይቐልል

18. ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ ካብ ሰብኣያ ንተፈትሔት ዜእቱውን ይዝሙ።

19. ቀይሕ ክዳንን ክቡር ቦፍታን ዚኽደን፡ ኵሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ

20. ኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውንብቝስሊ ተወሪሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ

21. ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱ ነበሩ።

22. ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተመላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎእቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን

23. ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረአየ

24. ጸዊዑ ኸኣዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ አሎኹ እሞ ምሓረኒኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይንኣልኣዛር ስደደለይበሎ

25. ኣብርሃም ግና፥ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበዘክርሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀ

26. ምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ከይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ አሎ፡ በሎ።

27-28. ሽዑ ንሱ፥ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት አለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቃይ እዚኣ ከይመጹኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ አሎኹ፡ በሎ

29. ኣብርሃም ድማ፥ ሙሴን ነብያትን አለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑበሎ

30. ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰነንኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸዶምሲኪንስሑ እዮም፡ በሎ

31. ንሱ ድማ፥ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ