1. ድሕርዚ ጐይታ ድማ ካልኦት ሰብዓ ሰርዔበብኽልተ ገይሩ ኸኣ፡ ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም

2. በሎም ከኣ፥ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽለምንዎ

3. መገድኹም ኪዱእንሆ፡ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ።

4. ማሕፉዳን ለቘታን ኣሳእንን ኣይትማልኡ፡ ኣብ መገዲ ንሓደ እኳ ኸመዓልካ ኣይትበሉ።

5. ኣብ ዝኣቶኹምዋ ቤትቅድምነዛ ቤት ሰላም ይኹን፡ በሉ

6. ኣብኣ ወዲ ሰላም እንተሎ፡ ሰላምኩም ኣብኡ ኺሐድር እዩ፡ እንተ ዜልቦ ግና፡ ሰላምኩም ኪምለሰኩም እዩ።

7. ኣብታ ቤት ከኣ ንበሩንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኣባታቶም ካብ ዘሎ ብልዑን ስተዩን። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣይትሕለፉ

8. ኣብ ዝኣቶኩምዋ ኸተማውን እንተ ተቐበሉኹምዝቐረቡልኹም ብልዑ

9. ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩመንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ አላ፡ ከኣ በልዎም

10. ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ኸተማ እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፡ ናብ ኣደባባይ ወጺእኩም

11. እቲ ኻብ ከተማኹም ዝለገበና ተጐጓ እኳ ንነግፈልኩም አሎና። እታ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ግና፡ እዚ ፍለጡ በሉ።

12. በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንሶዶም ከም ዚቐልልእብለኩም አሎኹ።

13. ወይለኺ ኰራዚን፡ ወይለኺ ቤተ-ሳይዳ እዚ ኣባኻትክን እተገብረ ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ማቕ ተኸዲነን ኣብ ሓሙዅስቲ ተቐሚጠን ቀደም ምተነስሓ ነይረን

14. ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካብ ንኣኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ኪቐልል እዩ።

15. ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ንስኺኸ ኽሳዕ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳዕ ሲኦልከስ ከተንከራርዊ ኢኺ።

16. ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ፡ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ድማ ንኣይ ይንዕቕ፡ እቲ ንኣይ ዚንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለአኸኒ እዩ ዚንዕቆ።

17. እቶም ሰብዓ ልኡኻት ከኣ፥ ጐይታይኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና አለዉ፡ እናበሉ ብሓጐስ ተመልሱ

18. በሎምሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ

19. እንሆተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ጸላእን ክትረግጹ ስልጣን ሂበኩም አሎኹ፡ ዚጐድኣኩም ከኣ የልቦን

20. ግናኸ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ፡ ኣዚኹም ተሐጐሱ እምበር፡ መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩምበዚ ኣይትተሐጐሱ

21. በታ ጊዜ እቲኣ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሐጐሰበለውንኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርንነዚ ኻብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሓባእካዮንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮእወ ኣቦይ፡ ስምረትካ ኣብ ቅድሜኻ ኸምዚ ስለ ዝዀነኤመስግነካ አሎኹ።

22. ኵሉ ኻብ ኣቦይ ተዋህበኒንወዲ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ነቦ ኸኣ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ወድን ወዲ ከኣ ኪገልጸሉ ዝፈተወን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን።

23-24. ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንበይኖምነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ብዙሓት ነብያትን ነገስታትን ኪርእይዎ ደልዮምሲ ኣይረአይዎን፡ ነዚ ንስኻርኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ከኣ ኣይሰምዕዎን እሞ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ዚርእያ ኣዒንቲ ብጹኣን እየን፡ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም

25. እንሆ ኸኣ፡ ሓደ ፈላጥ ሕጊመምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበርኢሉ ኺፍትኖ ተንስኤ

26. ንሱ ከኣ፥ ኣብ ሕጊ እንታይ ጹሑፍ አሎ፧ ከመይሲ ተንብብበሎ

27. ንሱ ኸኣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ፡ ኢሉ መለሰሉ

28. ንሱ ኸኣ፥ ጽቡቕ መለስካ። ከምኡ ግበር እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ በሎ

29. ንሱ ግና ርእሱ ኼጽድቕ ደልዩንየሱስብጻየይከ መን እዩ፡ በሎ

30. የሱስ መሊሱ በለሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐገፈፍዎን ከትከትዎንዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ

31. ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ካህን በታ መገዲ እቲኣ ኺወርድ ከሎ፡ ርእይዎ ሐለፈ

32. ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ ብጽሔእናረኣዮ ሐለፈ

33. ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ፡ ምስ ረአዮ ኸኣ ደንገጸሉ

34. ናብኡ ቐሪቡ ኣቑሳሉ ሰፈፈሉ፡ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ አለዮ

35. ንጽብሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ፡ ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ሀቦ እሞ፥ ተኸናኸኖንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኸፈድየካ እየ፡ በሎ

36. ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ

37. ንሱ ድማ፥ እቲ ምሕረት ዝገበረሉበለየሱስ ከኣ፡ ኪድከ፡ ንስኻውን ከምኡ ግበርበሎ

38. ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ዀነ፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ አተወማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶ

39. ማርያም እትብሀል ሓብቲ ድማ ነበረታ። ንሳ ኸኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቃ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት።

40. ማርታ ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር፡ ነበረት፡ ደው ኢላ ከኣ፥ ጐይታይሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራበለቶ

41. የሱስ ድማ፥ ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን አሎኺ

42. እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ አላ፡ ኢሉ መለሰላ።