1-2. ንዮናስ ወዲ ኣሚታይተንስእ እሞ ናብ ነነዌ፣ ናብታ ዓባይ ከተማኪድእከዮም ናብ ቅድመይ ደዮቡ እዩ እሞ፣ ኣንጻሮም ኣውጅዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ።

3. ዮናስ ግና ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ናብ ተርሲስ ኪሀድም ኢሉ ተበገሰ፣ ናብ ያፋ ኸኣ ወረደ፣ ናብ ተርሲስ እትሐልፍ መርከብ ድማ ረኸበ። ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ርሒቑ፣ ምሳታቶም ናብ ተርሲስ ኪኸይድ ከኣ ዋጋ ኸፊሉ ናብ መርከብ ኣተወ።

4. እግዚኣብሄር ድማ ናብቲ ባሕሪ ህቦብላ ንፋስ ሰደደ፣ እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ፣ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኰነ።

5. እቶም ባሕረኛታት ድማ ፈርሁነፍሱ ወከፎምውን ነናብ ኣምላኹ ተማህለለ። ምእንቲ ኺፈዅሰሎም ከኣ፣ ነቲ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ኣቓሑ ናብ ባሕሪ ደርበይዎዮናስ ግና ናብቲ ታሕታይ ክግሊ እታ መርከብ ወሪዱ ተገምሲሱ፡ ከቢድ ድቃስውን ደቂሱ ነበረ።

6. እቲ ሓለቓ መርከብ ናብኡ ቐረበ እሞ፣ ኣታ ደቃሲ፣ እንታይ ትገብር አሎኹ፡ ተንስእ፣ ምናልባሽ እቲ ኣምላኽካ ከይንጠፍ እንተ ሐሰበናስ፣ ናብ ኣምላኽካ ተማህለልበሎ

7. ንሓድሕዶም ድማ፡ እዚ መከራ እዚ ብሰሪ መን ከም ዚረኽበና ዘሎ ኽንፈልጥሲንዑ ዕጭ ነውድቕተባሃሀሉዕጭ ኣውደቑ፡ እታ ዕጭውን ኣብ ዮናስ በጽሔት

8. ሽዑ ንሳቶም፣ ንገረና ዀታ፣ እዚ ረኺብና ዘሎ መከራስ ብሰሪ መን እዩ፡ ዕዮኻ እንታይ እዩ፡ ካበይከ መጻእካ፡ ኣየናይ እዩ ሃገርካ፡ ካብ ኣየናይ ህዝቢኸ ኢኻ፡ በልዎ

9. ንሱ ኸኣ፣ ኣነ እብራዊ እየ፣ ነቲ ባሕርን ንቑጽን ዝገበረ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን እፈርሆ እየ፣ በሎ

10. ሽዑ እቶም ሰባት ንሱ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ርሒቑ ኸም ዝሀደመ፡ ባዕሉ ስለ ዝነገሮም፡ ፈለጡዓብዪ ፍርሃትውን ፈርሁ እሞ፡ ስለምንታይ ደኣ እዚ ገበርካ፡ ከኣ በልዎ

11. እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዔ ይኸይድ ነበረ እሞ፣ ንሳቶም፣ ባሕሪ ኺሀድኣልናስ እንታይ ንግበርካበልዎ

12. ንሱ ድማ፣ እዚ ብርቱዕ ማኦበል ብሰረይ ከምዝበጽሓኩም፣ እፈልጥ አሎኹ እሞ፣ ወሲድኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ፣ እቲ ባሕሪ ኸኣ ኪሀድኣልኩም እዩ፣ በሎም

13. እቶም ሰባት ናብ ምድሪ ኺምለሱ ብምቕዛፍ ይጋደሉ ነበሩ፣ ግናኸ እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዖም ስለ ዝኸደ ኣይኰነሎምን

14. ሽዑ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንልምነካ አሎና፣ ምእንቲ ነፍሲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣይተጥፍኣና። ንስኻ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ዝፈቶኻዮ ጌርካ ኢኻ እሞ፣ ንጹህ ደም ኣብ ልዕሌና ኣይተንብርኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ

15. ንዮናስ ወሲዶም ድማ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፣ እቲ ባሕሪ ከኣ ካብ ምንዋጽ ሀድኤ

16. እቶም ሰባት ከኣ ንእግዚኣብሄር ኣዝዮም ፈርህዎ፡ መስዋእቲ ድማ ንእግዚእብሄር ሰውኡሉመብጽዓውን ተማባጽዑ