1. ስለዚ ኣነ ጳውሎስ፡ ምእንታኹም ኣህዛብ ናይ የሱስ ክርስቶስ እሱር፡
2-3. ቀደም ኣሕጺረ ኸም ዝጸሐፍኩ፡ እቲ ምስጢር ከመይ ኣቢሉ ብራእይ ከም ዘፍለጠኒ ብዛዕባ እቲ ስሌኻትኩም እተዋህበኒ መጋቢነት ጸጋ ኣምላኽ ሰሚዕኩምዎ እንተ ዄንኩምሲ፡
4. ምስ ኣንበብኩምዎ፡ ነቲ ኣብ ምስጢር ክርስቶስ ዘሎኒ ፍልጠት ከተስተውዕልዎ ይዀነልኩም እዩ።
5. ከምቲ እዚ ሕጂ ነቶም ቅዱሳኑ ሃዋርያቱን ነብያቱን ብመንፈስ እተገልጸሎም ኰይኑ፡ ኣብቶም ካልኦት ወለዶ ንደቂ ኣዳም ኣይተፈልጠን።
6. ማለት፡ ኣህዛብሲ መዋርስቲ፡ ሓደ ስጋ፡ ብወንጌልውን ኣብ የሱስ ክርስቶስ መማቕልቲ ተስፋ ኸም ዝዀኑ፡
7. ኣነ፡ ከም ግብሪ ሓይሉ፡ ከምቲ እተዋህበኒ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ፡ ኣገልጋሊ ወንጌል ኰንኩ።
8. ንኣይ፡ ካብ ኵሎም ቅዱሳን ለጠቕ ንዝብል፡ እቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ነህዛብ ክሰብኽ፡ እዚ ጸጋ እዚ ተዋህበኒ።
9. እቲ ኣብቲ ዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር መጋቢነትውን ከመይ ምዃኑ ንዅሎም ከብርሃሎም ተዋህበኒ።
10. ኣምላኽ እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ ሕጂ በታ ማሕበር ገይሩ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሽመታትን ስልጣናትን ምእንቲ ኼፍልጦም፡
11. ከምቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዝገበሮ ናይ ዘለኣለም ምኽሩ፡
12. ሳላ ብክርስቶስ ምእማንና ንሕና ትብዓትን ብእሙንቶ ምእታው ብእኡ አሎና።
13. ስለዚ፡ ክብረትኩም እዩ እሞ፡ በቲ ምእንታኹም ዝበጽሓኒ ጸበባይ ከይትስልክዩ፡ እልምነኩም አሎኹ።
14-15. ምእንትዚውን ናብቲ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ወለዶታት ካብኡ ዚስመ ኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ አሎኹ።
16. ብመንፈሱ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡ ከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኺህበኩም እጽሊ አሎኹ።
17. ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺሐድር፡ ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን፡
18. ምስ ኵሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ክትክእሉ፡
19. እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዋ፡ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ፡ እጽሊ አሎኹ።
20. ግናኸ ከምቲ ኣባና ዚገብር ሓይሊ፡ ካብቲ ንሕና እንልምኖን እንሐስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚከኣሎ፡
21. ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንዅሉ ውሉድ ወለዶታት ኣብታ ማሕበር ብክርስቶስ የሱስ ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...