1. ስለዚ ኣነ ጳውሎስ፡ ምእንታኹም ኣህዛብ ናይ የሱስ ክርስቶስ እሱር

2-3. ቀደም ኣሕጺረ ኸም ዝጸሐፍኩእቲ ምስጢር ከመይ ኣቢሉ ብራእይ ከም ዘፍለጠኒ ብዛዕባ እቲ ስሌኻትኩም እተዋህበኒ መጋቢነት ጸጋ ኣምላኽ ሰሚዕኩምዎ እንተ ዄንኩምሲ፡

4. ምስ ኣንበብኩምዎ፡ ነቲ ኣብ ምስጢር ክርስቶስ ዘሎኒ ፍልጠት ከተስተውዕልዎ ይዀነልኩም እዩ

5. ከምቲ እዚ ሕጂ ነቶም ቅዱሳኑ ሃዋርያቱን ነብያቱን ብመንፈስ እተገልጸሎም ኰይኑ፡ ኣብቶም ካልኦት ወለዶ ንደቂ ኣዳም ኣይተፈልጠን

6. ማለት፡ ኣህዛብሲ መዋርስቲሓደ ስጋብወንጌልውን ኣብ የሱስ ክርስቶስ መማቕልቲ ተስፋ ኸም ዝዀኑ

7. ኣነ፡ ከም ግብሪ ሓይሉከምቲ እተዋህበኒ ውህበት ጸጋ ኣምላኽኣገልጋሊ ወንጌል ኰንኩ

8. ንኣይ፡ ካብ ኵሎም ቅዱሳን ለጠቕ ንዝብልእቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ነህዛብ ክሰብኽ፡ እዚ ጸጋ እዚ ተዋህበኒ

9. እቲ ኣብቲ ዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር መጋቢነትውን ከመይ ምዃኑ ንዅሎም ከብርሃሎም ተዋህበኒ።

10. ኣምላኽ እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ ሕጂ በታ ማሕበር ገይሩ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሽመታትን ስልጣናትን ምእንቲ ኼፍልጦም

11. ከምቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዝገበሮ ናይ ዘለኣለም ምኽሩ

12. ሳላ ብክርስቶስ ምእማንና ንሕና ትብዓትን ብእሙንቶ ምእታው ብእኡ አሎና።

13. ስለዚክብረትኩም እዩ እሞ፡ በቲ ምእንታኹም ዝበጽሓኒ ጸበባይ ከይትስልክዩእልምነኩም አሎኹ።

14-15. ምእንትዚውን ናብቲ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ወለዶታት ካብኡ ዚስመ ኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ አሎኹ።

16. ብመንፈሱ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኺህበኩም እጽሊ አሎኹ።

17. ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺሐድር፡ ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን

18. ምስ ኵሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ክትክእሉ

19. እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዋ፡ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ፡ እጽሊ አሎኹ።

20. ግናኸ ከምቲ ኣባና ዚገብር ሓይሊካብቲ ንሕና እንልምኖን እንሐስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚከኣሎ

21. ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንዅሉ ውሉድ ወለዶታት ኣብታ ማሕበር ብክርስቶስ የሱስ ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን