1. ጻድቃንን ጥበበኛታትን ምስናይ ተግባሮም ኣብ ኢድ ኣምላኽ ከም ዝኾኑ፡ ነዚ ዅሉ ምእንቲ ኽዕዘብንልበይ ኣቕናዕክዎሰብሲ ፍቕሪ ወይስ ጽልኢ ኣይፈልጥን፡ ኵሉ ኣብ ቅድሚኦም እዩ።

2. ኵሉ ንኹሎም ማዕረ ይበጽሖም፡ ንጻድቕን ንረሲእንንሕያዋይን ንንጹህን ንርኹስን፡ ነቲ ዚስውእን ዘይስውእን፡ ከምቲ ንሕያዋይ ከምኡ ንሓጥእ። ከምቲ ንዚምሕል ከምኡውን ማሕላ ንዚፈርህ ሓንቲ ብጽሒት እያ እትበጽሖም።

3. እዚ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ንዅላቶም ሓንቲ ብጽሒት ምብጻሕስ እኩይ እዩ። እምበአርሲ ልቢ ደቂ ሰብ እኩይ መሊኡ እዩ፡ ብህይወቶም ከለው ድማ፡ ዕብዳን ኣብ ልቦም አሎ፡ ድሕርዚውን ናብ ምውታት ይኸዱ።

4. ካብ ምውት ኣንበሳስ ህያው ከልቢ ይሐይሽ እዩ እሞ፡ ነቲ ምስ ኲሎም ህያዋን እተሐባበረ ተስፋ አለዎ።

5. ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምውታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡንመዘከርትኦም ተረሲዑ እዩ እሞ፡ ድሕርዚ ከቶ ረብሓ የብሎምን።

6. ፍቕሮምን ጽልኦምን ቅንኣቶምን ድሮ ጠፊኡ እዩ፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ዅሉ ኸኣ ንዘለኣለም ግደ የብሎምን።

7. ኣምላኽ ንግብርኻ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ ኪድ እንጌራኻ ባህ ኢሉካ ብላዕወይንኻውን ብሓጐስ ልቢ ስተ

8. ክዳውንትኻ ዅሉ ጊዜ ይጻዕዱንርእስኻ ድማ ዘይቲ ኣይተጉድለሉ

9. እዚ ብህይወትን በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ እትጽዕረሉ ጻዕርን ጊዴኻ እዩ እሞ፡ ብኹለን መዓልትታት ከንቱነትካ በተን ንሱ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝሀበካ ኹለን መዓልትታት ናይ ከንቱ ህይወትካ ምስታ እተፍቅራ ሰበይቲ ብሓጐስ ንበር

10. ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እተረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ

11. ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከኣ ጒያ ንፈጣናት፡ ውግእ ንጀጋኑእንጌራ ንጥበበኛታትሃብቲ ነእምሮኛታትሞገስ ንብልህታት ከም ዘይኮነሎም፡ ተመሊሰ ርኤኹ። ግናኸ ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም።

12. ሰብ ከኣ ነታ ጊዜኡ ኣይፈልጣን እዩ እሞ፡ ከምቶም ኣብ ክፉእ መርበብ እተገፉ ዓሳ፡ ከምተን ብመፈንጠራ እተፈንጠራ ኣዕዋፍ፡ ከምኡ ኸኣ ደቂ ሰብ ድንገት ምስ ዚወርዶምብኽፉእ ጊዜ ይፍንጠሩ

13. ኣነ ኸኣ ዓባይ ኮይና እተራእየትኒ ጥበብ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ርኤኹ

14. ሒደት ዝህዝባ ንእሽቶ ኸተማ ነበረት፡ ዓብዩ ንጉስ መጸ ኸበባ ድማ፡ ኣብ ዙርያኣውን ዓበይቲ ግምብታት ሰርሔ

15. ኣብኣ ኸኣ ጠበብኛ ዝዀነ ድኻ ሰብኣይ ተረኸበ፡ ንሱውን ነታ ኸተማ ብጥበቡ ኣድሐና፡ ግናኸ ነዚ ድኻ ሰብኣይ ሓደ ሰብ እኳ ኣይዘከሮን።

16. ሽዑ ኣነ፡ ካብ ሓይልስ ጥበብ ትሓይሽ ጥበብ ድኻ ግና ንዕቕቲ እያ፡ ቃላቱውን ኣይስማዕን እዩ፡ በልኩ

17. ካብ ጭድርታ እቲ ኣብ ማእከል ዓያሱ ዚገዝእስ ብህድኣት ዚስማዕ ቃል ጥበበኛታት ይበልጽ።

18. ካብ መሳርያ ውግእሲ ጥበብ ትበልጽ፡ ሓደ ሓጢኣተኛ ግና ብዙሕ ሰናይ የጥፍእ።