1. ናብ ቤት ኣምላኽ ክትከይድ ከሎኻ እግርኻ ሐሉ። እከይ ከም ዝገበሩ ኣይልጡን እዮም እሞ፡ ካብ ናይ ዓያሱ መስዋእቲ ሕሩድሲ ኽትሰምዕ ምቕራብ ደኣ ይሐይሽ።
2-3. ሕልሚ ብምዛሕ ጉዳይ እዩ ዝመጽእ፡ ድምጺ ዓሻ ኸኣ ብምብዛሕ ቃላት እዩ ዚስማዕ እሞ፡ ብኣፍካ ኣይትተሃወኽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍ። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዩ፡ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቓላትካ ሒደት ይኹን።
4. ንኣምላኽ እንተ ተመባጻዕካሉ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጉ። ብዓያሱ ባህ ኣይብልን እዩ እሞ፡ ነቲ እተመባጽዕካዮ ፈጽሞ።
5. ተመባጺዕካ ኻብ ዘይትፍጽሞስ፡ ዘይምምብጻዕ ይሐይሽ።
6-7. ብዙሕ ሕልሚ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ብዙሕ ከንቱነትን ብዙሕ ቃላትን አሎ እሞ፡ ስጋኻ ሓጢኣት ከየገብርስ፡ ንኣፍካ ፍቓድ ኣይትሀቦ፡ ኣብ ቅድሚ ልኡኽውን፡ ጌጋ እዩ፡ ኣይትበል። ስለምንታይከ ኣምላኽ ብደሃይካ ዚዅርን ንግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ዜጥፍኦን፡ ንስኻስ ንኣምላኽ ፍርሃዮ ደኣ።
8. ካብቲ ልዑልሲ ልዕል ዝበለ ዝጥምት አሎ፡ ካብኣቶም ልዕል ዝበሉ ኸኣ አለው እሞ፡ ድኻ ኺጥቃዕ ኣብ ሀገር ከአ ፍርድን ጽድቅን ኪዕመጽ እንተ ርኤኻ፡ ኣይትገረም።
9. ግናኸ ጥቕሚ መሬት ንዅሉ እዩ፡ ንጉስ እኳ ብሕርሻ ይጥቀም።
10. ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን፡ እዚውን ከንቱነት እዩ።
11. ጥሪት እንተ በዝሔ፡ በላዕቱ ይበዝሑ፡ ንመጥረይኡ ደኣ፡ በዒንቱ ምርኣይ እንተ ዘይኮኑስ፡ እንታይ ይጠቕሞ፡
12. እቲ ዓያዩ ብዙሕ ወይስ ሒደት እንተ በልዔ፡ ጥዑም ድቃስ ይድቅስ፡ ንሃብታም ግና ጽጋቡ ኣየደቅሶን።
13. ዜሕዝን መግደራ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝርኤኽዎስ፡ እቲ ንጉድኣት መጥረይኡ እተደለበ ሃብቲ እዩ።
14. እዚ ሃብቲ እዚ ብድንገት ይጠፍእ፡ ወዲ እንተ ወለደ ኸኣ፡ እቲ ወዱ ጥራይ ኢዱ ይተርፍ።
15. ከምቲ ኻብ ማሕጸን ወላዲቱ ዝወጸ፡ ጥራዩ ኸም ዚመጽእ፡ ከምኡ መሊሱ ይኸይድ፡ ካብቲ ዝጸዐረሉ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሓንቲ እኳ ኣይማላእን።
16. ከምቲ ዝመጾ እዩ ዚኸይድ እሞ፡ እዚውን ዜሕዝን መግደራ እዩ፡ ንንፋስ ዝጸዐሮ ደኣ እንታይ ኪረብሖ እዩ፡
17. ኩለን መዓልትታቱ ኣብ ጸልማት ይበልዕ፡ ብዙሕ መከራን ሕማምን ኩራን ከአ አለዎ።
18. እንሆ፡ ንሰብሲ እዚ ግዲኡ እዩ እሞ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ቝጽሪ መዓልትታት ህይወቱ ኺበልዕን ኪሰትን፡ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ዘበለ ጻዕሪ ጽቡቕ ኪርእን እዩ፡ እዚ ኸኣ ሰናይን ጽቡቕን ኰይኑ ርኤኽዎ።
19-20. ኣምላኽ ነቲ ሃብትን ጥሪትን ዝሀቦ ሰብ ካብኡ ኺበልዕን ግዲኡ ኺወስድን ብጻዕሩ ኺሕጎስን እንተ ኣሰልጠኖ፡ ኣምላኽ ናይ ልቡ ሓጐስ ስለ ዝሀቦ፡ ነተን መዓልትታት ህይወቱ ኣዝዩ ኣይኪዝክረንን እዩ እሞ፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...