1. ክፉእ መዓልታት ከይመጸ፡ ባህ ኣይበለንን እትበለሉ ዓመታት ከአ ኸይቀረበ ኸሎ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ

2. ጸሓይን ብርሃንን ወርሕን ከዋኽብትን ከይጸልመቱደበንታት ከአ ድሕሪ ዝናም ከይተመልሰ

3. በታ ሓለውቲ ቤት ዜንቀጥቅጡላብርቱዓት ሰብኡት ዚጒብጡላጠሓንቲ ስለ ዝወሓዳ ዜብኩኵራላጠማቶውን ኣብ መሳዅቲ ዚጽልምቱላ

4. ኣብ ኣደባባይ ዜእቱ ደጌታት ከአ ዚዕጸወላ መዓልቲ፡ ደሀይ መጥሓን ምስ ላሸወድምጺ ኣዕዋፍ ሰሚዑ ምስ ዚትንስእ፡ ኩለን ደረፍቲ ኣዋልድ ድማ ምስ ላሕተታ

5. ሽዑ ንበረኸቲ ይፈርሁ፡ ኣብ መገዲውን ይስምብዱለውዚ ትዕምብብኣንበጣ እኳ ይኸብድ፡ ቀመም ከአ ዊንታ ኣየለዐዕልንሰብ ናብ ናይ ዘለአለም ማሕደሩ ይኸይድ እሞ፡ መልቀስቲ ኣብ ኣደባባያት ይዞሩ

6. ድሪ ብሩር ከየተበትከፍዮ ወርቂ ኸይተጨፍለቐዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ ከይተሰብረመዘወር ኣብ ዔላ ኸይተጨፍለቐ

7. መሬት ድማ፡ ከምቲ ዝነበሮ፡ ናብ ምድሪ ኸይተመልሰመንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ፈጣሪኻ ዘክሮ።

8. ናይ ከንቱነታት ከንቱነት፡ ኵሉ ከንቱነት እዩ፡ ይብል እቲ ሰባኺ

9. ምስናይዚ ግና እቲ ሰባኺ ጥበበኛ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ህዝቢ ፍልጠት መሀሮኣስተንተነመርመረብዙሕ ምስላታት ከአ ሰርዔ

10. እቲ ሰባኺ ባህ ዜብል ቃላት ኪረክብ ደለየ፡ እቲ ጽሑፍ ከአ ቅኑዕን ቃላት ሓቅን እዩ።

11. ቃላት ጠቢባን ከም ሸኻል እዩ፡ ንሱ ኸኣ ንእኩባት መምህራን ኣጸቢቑ እተሸንከረ ሽንካራት እዩ፡ ብሓደ ጓሳ እተወህበ ኸኣ እዩ።

12. ብዝተረፈወደየመጻሕፍቲ ምጽሓፍ መወዳእታ የብሉን፡ ብዙሕ ምምሃር ድማ ንስጋ የድክሞ እዩ እሞ፡ ተጠንቀቕ

13. መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፡ እዚ ናይ ሰብ ኩለንትና እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርሃዮንትእዛዛቱውን ሐልዎ

14. ኣምላኽሲ ንዅሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን፡ ሰናይ ኮነ ወይስ እኩይ፡ ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ።

Chap 11