1. ምውት ጽንጽያ ነቲ ቕብኢ ናይ ብዓል ቅዱይ ሽቱ የጭንዎን የመሽምሾን፡ ንእሽቶ ዕሽነት ከአ ንጥበበን ክብርን ተበላሽዎ

2. ልቢ ጥበበኛ ኣብ የማኑ፡ ልቢ ዓሻ ግና ኣብ ጸጋሙ እዩ።

3. ዓሻ ድማ ብመገዲ እኳ እንተ ተመላለሰ፡ ኣእምሮስ የብሉን፡ ንዅሉውን ዓሻ ምዃኑ ይነግር

4. መንፈስ ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ተላዕለ ትዕግስቲ ንዓብዩ ኣበሳ ተህድእ እያ እሞ፡ ስፍራኻ ኣይትሕደግ

5. ከምቲ ኻብ ገዛኢ ዝወጸ ጌጋ ኣብ ትሕቲ ዝርኤኽዎ እከይ አሎ

6. ዕሽነት ኣብ ልዑል መዓርግ ተቐሚጣሃብታማትውን ኣብ እተዋረደ ስፍራ ኾፍ ኢሎም፡

7. ባሮት በፍራስመሳፍንቲ ኸኣ ከም ባሮት ምድሪ ምድሪ ኪኸዱ ኸለው ርኤኹ

8. ጉድጓድ ዚኹዕት አብኣ ይወድቕመካበብያ ዜፍርስ ተመን ይነኽሶ

9. ኣእማን ዚፈናቕል ብእኡ ይጉዳእዕጨይቲ ዚፍልጽ ከአ፡ ኣብ ድንገት እዩ።

10. ሓጺን እንተ ጎደመንብልሑ ኸኣ እንተ ዘይሰሓልካዮሓይልኻ ብዙሕ ይደክም። ጥበብ ግና ንምስላጥ ይጠቅም

11. ተመን ከይተዐዘመ ኸሎ እንተ ነኸሰዓዛሚ ጥቕሚ የብሉን።

12. ቃላት ኣፍ እቲ ጥበበኛ ሞገስ አለዎ፡ ዓሻ ግና ከናፍሩ ይውሕጦ

13. መጀመርታ ቓላት ኣፉ ዕሽነትመወዳእታ ዘረባኡ ድማ ሕሱም ዕብዳን እዩ።

14. ዓሻስ ቃላት የብዝሕ ሰብ ግና ነቲ ዚኸውን ኣይፈልጦን፡ ነቲ ብድሕሪኡ ዚኸውን ደኣ መን ይነግሮ

15. ዓሻ ናብ ከተማ ምኻድ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ጻዕሩ የድክሞ

16. ኣቲ ሃገርንጉስኪ ቘልዓ ዝዀነ፡ መሳፍንትኺ ድማ ኣንጊሆም ዚበልዑወይለኺ

17. ኣቲ ሃገርንጉስኪ ወዲ ኽቡራት ዝዀነ፡ መሳፍንትኺ ድማ ንምስካር ዘይኰነስ፡ ሓይሊ ኺረኽቡ ብግቡእ ጊዜ ዚበልዑብጽእቲ ኢኺ።

18. ብሰሪ ትህኪትሲ ናሕሲ ይንሀል፡ ብሰሪ ህኩያት ኣእዳው ከአ ቤት ይነጥብ

19. ድግስ ንሳሕቂ ይሳናዶወይኒ ኸኣ ንህይወት የሐጉሳ፡ ኩሉውን ብቕርሺ እዩ ዚዕደግ።

20. ኣዕዋፍ ሰማይ ንድምጽኻ ይዘርዋኦኣኽናፍ ዘለዎ ኸኣ ነቲ ቓል የውርዩ እዩ እሞ፡ ንንጉስ ብሓሳብ እኳ ኣይትርገሞንሃብታምውን ኣብታ እትድቅሰላ ቤት ኣይትርገሞ