1. እግዚኣብሄር ኣብ መሰውኢ ደው ኢሉ ርኤኽዎበለውን፣ ነቲ ጕልላት ውቕዓዮ፣ እቲ ልዳውቲ ኸኣ ይናቓ ነቕ፣ ኣብ ርእሲ ዅላቶም ሰባብሮ፣ ነቶም ካብኦም ዝተረፉ ኸኣ ብሰይፊ ክቐትሎም እየ። ካብኦም ሓደ እኳ ኣይኪሀድምን እዩ፣ ካብኦምሲ ሓደ እኳ ኣይኬምልጥን ኣዩ።

2. ኵዒቶም እኳ ናብ ሲኦል ኣንተ ኣተዉ፣ ካብኡ ኢደይ ከተውጽኦም እያ። ናብ ሰማይ እንተ ደየቡውን፣ ካብኡ ኣነ ኸውርዶም እየ።

3. ኣብ ርእሲ ቀርሜሎስ እኳ እንተ ተሐብኡ፣ ኣነ ደልየ ኻብኡ ኸውጽኦም እየ፣ ካብ ኣዒንተይ ናብ መዓሙቝ ባሕሪ እንተ ተሐብኡ፣ ኣብኡ ንተመን ክእዝዞ እየ፣ ኪነኽሶም ከኣ እዩ።

4. ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ተማሪኾም እንተ ኸዱ እኳ፣ ናብኡ ንሰይፊ ኽእዝዞ እየ፣ ኪቐትሎም ድማ እዩ ንሰናይ ዘኰነስ ንሕሰም ኣዒንተይ ናብኦም ከጠምተን ኣየ።

5. ንምድሪ ዚትንክያ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት እዩ፣ ንሳ ኸኣ ትመክኽ፣ እቶ ኣባኣ ዚነብሩ ዅላቶም ድማ ኪሐዝኑ እዮም። ንሳ ብዘላ ኸምቲ ወሓዚ ኽትለዐል፣ ከምቲ ርባ ግብጺ ድማ ለጠቕ ክትብል እያ።

6. እቲ ኣደራሻቱ ኣብ ሰማይ ዝሰርሔጠፈሩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝሰረተንማያት ባሕሪ ዝጽውዕ፣ ናብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ድማ ዚኽዕዎስሙ እግዚኣብሄር እዩ።

7. ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ንስኻትኩም ንኣይ ከም ደቂ ኢትዮጵያውያንዶ ኣይኰንኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄርንእስራኤል ካብ ሃገር ግብጺንፍልስጥኤማውያን ድማ ካብ ካፍቶርንሶርያውያን ከኣ ካብ ደቂ ቂር ኣነዶ ኣይኰንክን ዘውጻእዎም

8. እንሆ፣ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እታ ሓጥእ መንግስቲ እየን፣ ካብ ገጽ ምድሪ ኸኣ ከጥፍኣ እየ፣ ግናኸ ንቤት ያእቆብ ብጥራስ ኣይከጥፍኣን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።

9. እንሆ፣ ኣነ ኽእዝዝንቤት እስራኤል ከኣ ከምቲ ብሚሔ ዚሕሔ ስርናይ ኣብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት ክንዝንዛ እየ፣ ሓንቲ ስርናውን ኣብ ምድሪ ኣይክትወድቕን እያ።

10. እቶም ሕሰም ኣይከርክበናን ኣይኪበጽሓናን ከኣ እዩ፣ ዚብሉ ዅሎም ሓጥኣን ህዝበይ ብሰይፊ ኺሞቱ እዮም።

11-12. በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ዝወደቐት ድንኳን ዳዊት ከልዕላነቓዓታ ኸኣ ከጣጥእ እየ፡ ነቶም ካብ ኤዶም ዝተረፉን ነቶም ብስመይ እተሰምዩ ዅሎም ህዝብታትን ኪወርሱስንዑናኣ ኸልዕሎ፡ ከምቲ ብዘመን ጥንቲ ዝነበረቶ ገይረ ኸኣ ክሀንጻ እየ፡ ይብል እቲ ነዚ ዚገብር እግዚኣብሄር

13. እግዚኣብሄር ይብል አሎ፣ እንሆ፣ እቲ ሓረስታይ ንዓጻዳይ፣ እቲ ጸማቝ ወይኒ ድማ ነቲ ዘራኢ ዘክበሉ መዓልታት ኪመጻ እየን። ኣኽራን ከኣ ኵልዒ ወይኒ ኼንጠብጥብ፣ ዅሉ ዅድዅዶታት ድማ ኪመክኽ እዩ።

14. ኣነ ኸኣ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ምርኮ ኽመልሶ እየ፣ ንሳቶም ድማ ነተን ዝባደማ ኸተማታት ኪሀንጽወንን ኪነብርወንን እዮም። ኣታኽልቲ ወይኒ ኪተኽሉወይኒ ኸኣ ኪሰትዩኣታኽልቲ ኺገብሩፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም።

15. ኣነ ኣብ ምድሮም ክተኽሎም እየ፣ ድሕርዚ ኸኣ ካብታ ዝሀብክዎም ምድሮም ከቶ ኣይኪምንቈሱን እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ

Chap 8