1. ኣቱም ቤት እስራኤል፣ እዚ ኣብ ልዕልኹም ዝቝዝሞ ዘሎኹ ቓል ስምዑ

2. እታ ድንግል እስራኤል ወዲቓደጊም ኣይትትንስእን፣ ኣብ ምድሪ ጻሕ ኢላ አላ፣ ዜተንስኣ ድማ የልቦን።

3. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ እታ ሽሕ ዚወጽዋ ኸተማ ሚእቲ ይተርፍዋ፣ እታ ሚእቲ ዚወጽዋ ኸኣ ንቤት እስራኤል ዓሰርተ ይተርፍዋ ይብል አሎ።

4. ስለዚ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፣ ድለዪኒ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።

5. ጊልጋል ብርግጽ ክትማከኽቤት-ኤል ድማ መክቱ ኽትከውን እያ እሞ፣ ንቤት-ኤል ኣይትድለዩ፣ ናብ ጊልጋል ከኣ ኣይትእተዉ፣ ናብ ብኤር-ሸባዕውን ኣይትሕለፉ

6. ከም ሓዊ ዀይኑ ናብ ቤት ዩሴፍ ሕሩጕ ከይብል፣ ኣብ ቤት-ኤል ዜጥፍኦ ተሳኢኑ ኸኣ ሞዅ ከየብሎስ፣ ንእግዚኣብሄር ድለዩ፣ ብህይወት ድማ ክትነብሩ ኢኹም፣

7. ኣቱም ንፍርዲ ናብ ዕረ እትልውጥዎንጽድቂ ኸኣ ናብ ምድሪ እትድርብይዎ

8-9. እቲ ንሾብዓተ ኸዋኽብትን ንኦርዮንን ዝገበረ፡ ንድነ ሞት ናብ ወጋሕታ ዚልውጦ ንመዓልቲ ኸኣ ግብ ዝበለ ለይቲ ዚገብሮ፡ ንማያት ባሕሪ ዚጽውዖ፡ ናብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ድማ ዚኸዕዎ፡ ኣብ ልዕሊ ዕርዲ ጥፍኣት ኪመጽእስ፡ ነቲ ሓያል ብድምገት ጥፍኣት ዜውርደሉ፡ ስሙ እግዝኣብሄር እዩ እሞ ድለይዎ።

10. ነቲ ኣብ ደገ ዚገንሕ ይጸልእዎ፣ ነቲ ብቕንዕና ዚዛረብ ከኣ ይፍንፍንዎ

11. ንድኻ ስለ ዝረገጽኩምዎ፣ ነቲ ተሰኪምዎ ዝነበረ ሰርናይ ከኣ ስለ ዘግደፍኩምዎ፣ ብጽሩብ ኣእማን ኣባይቲ ሰራሕኩምኣይከትነብርዎን ከኣ ኢኹም፣ ዜብህግ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸልኩምወይኑ ድማ ኣይክትሰትዩን ኢኹም።

12. ኣነስ ግህሰትኩም ብዙሕሓጢኣትኩም ከኣ ብርቱዕ ከም ዝዀነ እፈልጥ እየ። ነቲ ጻድቕ ተጻብቡሉደርሆ ትቕበሉ፣ ነቲ መስኪን ኣብ ደገ ትገፍዕዎ አሎኹም።

13. ኽፉእ ዘመን እዩ ኣሞ፣ ስለዚ እቲ ለባም በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዘመን ስቕ ይበል።

14. ብህይወት ክትነብሩስሰናይ ድለዩእከይ ኣይኰነን። ከምኡ ኸኣ፡ ከምቲ ዝበላኩምዎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ምሳኻትኩም ኺኸውን እዩ።

15. እከይ ጽልኡሰናይ ከኣ ኣፍቕሩ፣ ኣብ ደገውን ፍርዲ ኣጽንዑ፣ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ነቲ ኻብ ዩሴፍ ዝተረፈ ኺርሕርሓሉ እዩ።

16. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፣ እቲ ጐይታ፣ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኣብ ኵሉ ኣደባባያት ኪቝዘም፣ ኣብ ኵሉ መገድታት ከኣ ዋይዋይ ኪበሀል እዩ። ንሓረስታይ ናብ ሓዘን ነቶም መልቀስ ዚኽእሉ ኸኣ ናብ ብኽያት ኪጽውዕዎም እዮም።

17. ንማእከልካ ኽሓልፍ እየ እሞ፣ ኣብ ኵሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ብኽያት ኪኸውን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር

18. ኣቱም ንመዓልቲ እግዚኣብሄር እትደልዩወይለኹምመዓልቲ እግዚኣብሄር እንታይ ትጠቕመኩም፣ ንሳስ ጸልማት እያ፣ ብርሃን ኣይኰነን።

19. ከምቲ ኻብ ቅድሚ ኣንበሳ ዚህድም እሞ ድቢ ዚጓንፎ፣ ከምቲ ናብ ቤት አትዩ ኢዱ ኣብ መንደቕ ዜጽግዕ እሞ ተመን ዚነኽሶ

20. መዓልቲ እግዚኣብሄር ጸልማትን ብርሃን ዜብላንዶ ኣይኰነትን፣ ድቕድቕ ጸልማትን ምንጽብራቕ ዜብላንዶኸ ኣይኰነትን፣

21. ንበዓላትኩም ጸላእኩን ነዐቕኩንንኣኼባ በዓላትኩም ድማ ኣይሸትቶን

22. መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ብልዕኹምን እንተ ኣቕረብኩምለይ እኳ፣ ኣይክቕበሎን እየ፣ ነቲ ናይ ስቡሕ ከብቲኹም መስዋእቲ ምስጋናውን ቍሊሕ ኣይክብሎን እየ።

23. ደሃይ ቅኔታትካ ኻባይ ኣርሕቕቃና መሰንቆታትካ ኸኣ ዝይሰምዕን እየ፣

24. ግናኸ ፍርዲ ኸም ማያትጽድቂ ድማ ከም ዘይነጽፍ ርባ ይውሕዝ

25. ኣቱም ቤት እስራኤልአርብዓ ዓመት ኣብ በረኻስ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕንዶ ኣቕረብኩምለይ ኢኹም፣

26. ነቲ ድንኳን ሞሎኽኩምን ንምስልታት ጣኦታትኩምን ነቲ ንርእስኹም ዝገበርኩምዎ ኰዀብ ኣምላኽኩምን ተሰከምኩም።

27. ስለዚ ንኽንየው ደማስቆ ኸማርኽኩም እየ፣ ይብል ኣምላኽ ሰራዊት ዝስሙ እግዚኣብሄር