1. ኣቱም ቤት እስራኤል፣ እዚ ኣብ ልዕልኹም ዝቝዝሞ ዘሎኹ ቓል ስምዑ፣
2. እታ ድንግል እስራኤል ወዲቓ፣ ደጊም ኣይትትንስእን፣ ኣብ ምድሪ ጻሕ ኢላ አላ፣ ዜተንስኣ ድማ የልቦን።
3. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ እታ ሽሕ ዚወጽዋ ኸተማ ሚእቲ ይተርፍዋ፣ እታ ሚእቲ ዚወጽዋ ኸኣ ንቤት እስራኤል ዓሰርተ ይተርፍዋ ይብል አሎ።
4. ስለዚ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፣ ድለዪኒ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።
5. ጊልጋል ብርግጽ ክትማከኽ፣ ቤት-ኤል ድማ መክቱ ኽትከውን እያ እሞ፣ ንቤት-ኤል ኣይትድለዩ፣ ናብ ጊልጋል ከኣ ኣይትእተዉ፣ ናብ ብኤር-ሸባዕውን ኣይትሕለፉ።
6. ከም ሓዊ ዀይኑ ናብ ቤት ዩሴፍ ሕሩጕ ከይብል፣ ኣብ ቤት-ኤል ዜጥፍኦ ተሳኢኑ ኸኣ ሞዅ ከየብሎስ፣ ንእግዚኣብሄር ድለዩ፣ ብህይወት ድማ ክትነብሩ ኢኹም፣
7. ኣቱም ንፍርዲ ናብ ዕረ እትልውጥዎ፣ ንጽድቂ ኸኣ ናብ ምድሪ እትድርብይዎ፣
8-9. እቲ ንሾብዓተ ኸዋኽብትን ንኦርዮንን ዝገበረ፡ ንድነ ሞት ናብ ወጋሕታ ዚልውጦ ንመዓልቲ ኸኣ ግብ ዝበለ ለይቲ ዚገብሮ፡ ንማያት ባሕሪ ዚጽውዖ፡ ናብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ድማ ዚኸዕዎ፡ ኣብ ልዕሊ ዕርዲ ጥፍኣት ኪመጽእስ፡ ነቲ ሓያል ብድምገት ጥፍኣት ዜውርደሉ፡ ስሙ እግዝኣብሄር እዩ እሞ ድለይዎ።
10. ነቲ ኣብ ደገ ዚገንሕ ይጸልእዎ፣ ነቲ ብቕንዕና ዚዛረብ ከኣ ይፍንፍንዎ።
11. ንድኻ ስለ ዝረገጽኩምዎ፣ ነቲ ተሰኪምዎ ዝነበረ ሰርናይ ከኣ ስለ ዘግደፍኩምዎ፣ ብጽሩብ ኣእማን ኣባይቲ ሰራሕኩም፣ ኣይከትነብርዎን ከኣ ኢኹም፣ ዜብህግ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸልኩም፣ ወይኑ ድማ ኣይክትሰትዩን ኢኹም።
12. ኣነስ ግህሰትኩም ብዙሕ፣ ሓጢኣትኩም ከኣ ብርቱዕ ከም ዝዀነ እፈልጥ እየ። ነቲ ጻድቕ ተጻብቡሉ፣ ደርሆ ትቕበሉ፣ ነቲ መስኪን ኣብ ደገ ትገፍዕዎ አሎኹም።
13. ኽፉእ ዘመን እዩ ኣሞ፣ ስለዚ እቲ ለባም በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዘመን ስቕ ይበል።
14. ብህይወት ክትነብሩስ፣ ሰናይ ድለዩ፣ እከይ ኣይኰነን። ከምኡ ኸኣ፡ ከምቲ ዝበላኩምዎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ምሳኻትኩም ኺኸውን እዩ።
15. እከይ ጽልኡ፣ ሰናይ ከኣ ኣፍቕሩ፣ ኣብ ደገውን ፍርዲ ኣጽንዑ፣ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ነቲ ኻብ ዩሴፍ ዝተረፈ ኺርሕርሓሉ እዩ።
16. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፣ እቲ ጐይታ፣ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኣብ ኵሉ ኣደባባያት ኪቝዘም፣ ኣብ ኵሉ መገድታት ከኣ ዋይዋይ ኪበሀል እዩ። ንሓረስታይ ናብ ሓዘን ነቶም መልቀስ ዚኽእሉ ኸኣ ናብ ብኽያት ኪጽውዕዎም እዮም።
17. ንማእከልካ ኽሓልፍ እየ እሞ፣ ኣብ ኵሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ብኽያት ኪኸውን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
18. ኣቱም ንመዓልቲ እግዚኣብሄር እትደልዩ፣ ወይለኹም። መዓልቲ እግዚኣብሄር እንታይ ትጠቕመኩም፣ ንሳስ ጸልማት እያ፣ ብርሃን ኣይኰነን።
19. ከምቲ ኻብ ቅድሚ ኣንበሳ ዚህድም እሞ ድቢ ዚጓንፎ፣ ከምቲ ናብ ቤት አትዩ ኢዱ ኣብ መንደቕ ዜጽግዕ እሞ ተመን ዚነኽሶ፣
20. መዓልቲ እግዚኣብሄር ጸልማትን ብርሃን ዜብላንዶ ኣይኰነትን፣ ድቕድቕ ጸልማትን ምንጽብራቕ ዜብላንዶኸ ኣይኰነትን፣
21. ንበዓላትኩም ጸላእኩን ነዐቕኩን፣ ንኣኼባ በዓላትኩም ድማ ኣይሸትቶን።
22. መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ብልዕኹምን እንተ ኣቕረብኩምለይ እኳ፣ ኣይክቕበሎን እየ፣ ነቲ ናይ ስቡሕ ከብቲኹም መስዋእቲ ምስጋናውን ቍሊሕ ኣይክብሎን እየ።
23. ደሃይ ቅኔታትካ ኻባይ ኣርሕቕ፣ ቃና መሰንቆታትካ ኸኣ ዝይሰምዕን እየ፣
24. ግናኸ ፍርዲ ኸም ማያት፣ ጽድቂ ድማ ከም ዘይነጽፍ ርባ ይውሕዝ።
25. ኣቱም ቤት እስራኤል፣ አርብዓ ዓመት ኣብ በረኻስ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕንዶ ኣቕረብኩምለይ ኢኹም፣
26. ነቲ ድንኳን ሞሎኽኩምን ንምስልታት ጣኦታትኩምን ነቲ ንርእስኹም ዝገበርኩምዎ ኰዀብ ኣምላኽኩምን ተሰከምኩም።
27. ስለዚ ንኽንየው ደማስቆ ኸማርኽኩም እየ፣ ይብል ኣምላኽ ሰራዊት ዝስሙ እግዚኣብሄር።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...