1. ኣቱም ደቂ እስራኤል፣ ነቲ ኣንጻርኩም፣ ኣንጻር እቲ ኣነ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎ ዅሉ ዓሌት፣ እዚ እግዚኣብሄር ዚዛረቦ ዘሎ ቓልስምዑ። ከምዚ ይብል ኣሎ፤

2. ኣነ ካብ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ንኣኻትኩም ንበይንኹም ፈለጥኩኹም፡ ስለዚ ብሰሪ ኣበሳኹም ክቐጽዓኩም እየ።

3. ክልተ ሰብ እንተ ዘይተሳማምዑስብሓደዶ ይመላለሱ እዮም፡

4. ኣንበሳኸ ግዳይ እንተ ዜብሊዶ ኣብ ዱር ይጓዝም እዩ፡ ሽደን ኣንበሳስ ገለ ኸይሐዘዶ ኻብ ጕድጓድ ይድሂ እዩ፡

5. ዑፍከ ዚፈንጥራ ኣብ ዜብሉስ ኣብ ዜብሉስ ኣብ ምድሪዶ ብመፈንጠራ ትተሐዝ እያ፡ መፈንጠራዶኸ ገለ ኸይሐዘ ኻብ ምድሪ ይለዐል እዩ፡

6. መለኸት ኣብ ከተማ ተነፊሑስህዝቢዶ ኣይፈርህን እዩ፡ እግዚኣብሄር ከይገብሮኸ ንኸተማዶ ኽፉእ ይወርዳ እዩ፡

7. እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢር ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎምገለ እኳ ኣይገብርን እዩ።

8. ኣንበሳ ጓዚሙስ መን እዩ ዘይፈርህእግዚኣብሄር ኣምላኽ ተዛሪቡኸ መን እዩ ዘይንበ

9. ኣብ ኣዳራሻት ኣሽዶድን ኣብ ኣዳራሻት ሃገር ግብጽን ከኣ፣ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ሰማርያ ተኣከቡ፣ ነቲ ኣብ ማእከላ ዘሎ ዓብዪ ዕግርግርን ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዓመጻን ጠምቱኢልኹም ኣውጁ

10. እቶም ኣብ ኣዳራሻቶም ዓመጻን ዘረፋን ዚድልቡ ቕኑዕ ምግባር ኣይፈልጡን እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር

11. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽጸላኢ ኣብ ዘርያ እታ ሃገር አሎ፣ ንሱ ንሓይልኺ ኻባኺ የውርድኣዳራሻትኪውን ይብዝብዝይብል አሎ።

12. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ጓሳ ካብ ኣፍ ኣንበሳ ኽልተ እግሪ ወይስ ሓንቲ ጭራም እዝኒ ኸም ዜድሕን፣ ከምኡ እቶም ኣብ ሰማርያ ኣብ ኵርናዕ ዓራትን ኣብ ምንጻፍ ደማስቆን ተቐሚጦም ዘለዉ ደቂ እስራኤል ኪድሕኑ እዮም።

13. ስምዑ፣ ኣንጻር ቤት ያእቆብ ከኣ መስክሩይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኣምላኽ ሰራዊት

14. በታ ኣነ ንእስራኤል ብሰሪ ምግሃሱ ክቐጽዓላ መዓልትስ ንመሰውኢታት ቤት-ኤልውን ክቐጽዖ እየ። እቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ኪቝረጽን ኣብ ምድሪ ኺወድቕን እዩ።

15. ንቤት ክረምትን ንቤት ሓጋይን ክወቕዔን እየ፣ እቲ ብስኒ ሓርማዝ እተሰርሔ ኣባይቲ ኺጠፍእ፣ እቲ ዓበይቲውን ኪድምሰስ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር