1. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ነዕጽምቲ ንጉስ ኤዶም፣ ሓመዅስቲ ኽሳዕ ዚኸውን፣ ኣንዲድዎ እዩ እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ሞኣብ፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዕተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።

2. ኣነ ናብ ሞኣብ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ነቲ ኣደራሻት ቅርዮት ከኣ ሞዅ ኬብሎ እዩ። ሞኣብ ድማ ብዕግርግርን ብጭድርታን ብደሃይ መለኸትን ክትመውት እያ።

3. ንፈራዲ ኻብ ማእከላ ኸጽንቶ፣ ንዅሎም መሳፍንታ ኸኣ ምስኡ ክቐትሎም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር

4. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ንሕጊ እግዚኣብሄር ንዒቖምዎንስርዓቱ ኸኣ ኣይሐለዉዎን፣ እቲ ኣባታቶም ደድሕሪኡ ዝኸድዎ ሓሶቶም ኣስሒትዎም እዩ እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ይሁዳ፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።

5. ናብ ይሁዳ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ነቲ ኣደራሻት የሩሳሌም ከኣ ሞዅ ኬብሎ እዩ።

6. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ነቲ ጻድቕ ብብሩር፣ ነቲ ድኻ ኸኣ ብሓንቲ ጽምዲ ሳእኒ ሸይጦምዎ እዮም እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን እስራኤል፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።

7. ኣብ ርእሲ ድኻታት ተጐጓ ምድሪ ኺርእዩ ይትምነዩንመገዲ ትሑታት ይጠውይዎ፣ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኬርክስዎ ድማ፣ ሰብኣይን ኣቡኡን ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ይኸዱ

8. ኣብ ጥቓ ዅሉ መሰውኢታት ነቲ ብታሕዚ እተቕበልዎ ኽዳውንቲ ኣንጺፎም ይድቅሱ፣ ናይ ካሕሳ ወይኒ ድማ ኣብ ቤት ኣምላኾም ይሰትዩ

9. ግናኸ ኣነ ነቲ ቝመት ኸም ቍመት ኦም ሊባኖስ፣ ምጽናዕ ድማ ኸም ኣውሒ ዝነበረ ኣራዊት ኣብ ቅድሚኦም ኣጥፋእክዎ። ንፍሪኡ ኻብ ላዕሊንሰራውሩ ኸኣ ካብ ታሕቲ ኣጥፋእክዎ

10. ካብ ሃገር ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እየ፣ ሃገር ኣሞራዊ ኽትወርሱ ድማ፣ ኣብ በረኻ ኣርብዓ ዓመት መራሕኩኹም

11. ካብ ደቅኹም ነብያት፣ ካብ ኣጕባዝኩም ከኣ ናዝራውያን ኣተንሳእኩ። ኣቱም ደቂ እስራኤል፣ ከምኡዶ ኣይኰነን፧ ይብል እግዚኣብሄር

12. ንስኻትኩም ግና ነቶም ናዝራውያን ወይኒ ኣስቴኹምዎምንነብያት ከኣ፣ ኣይትነበዩ ኢልኩም ኣዘዝኩምዎም

13. ከምቲ እንዳእቲ ዝመልኤት ዓረብያ እትሰግድ፣ እንሆ፣ ኣነ ኸስግደኩም እየ።

14. ጐያዪ ምህዳም ይስእን፣ እቲ ብርቱዕ ድማ ምብርታዑ ኣየበርትዖን፣ እቲ ጅግና ኸኣ ነፍሱ ኣየድሕንን

15. ብዓል መንትግ ድማ ደው ኣይብልን፣ ብዓል ቅልጡፍ እግሪ ኸኣ ኣየምልጥንፈረሰኛውን ነፍሱ ኣየድሕንን

16. በታ መዓልቲ እቲኣስ ካብቶም ጀጋኑ እቲ ኣዝዩ ተባዕ እኳ ጥራዩ ይሃድምይብል እግዚኣብሄር