1-4. ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕክትገንሕክትቀጽዕክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ።

5. ንስኻ ግና ብኵሉ ተጠንቀቕመክራ ጽገብግብሪ ወንጌላዊ ግበርኣገልግሎትካ መልእ

6. ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ አሎኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓ እያ እሞ

7. ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ

8. ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲበታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን

9. ቀልጢፍካ ናባይ ክትመጽእ ፍጠን

10. ዴማስ፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ፈትይዋ እዩ እሞ፡ ሐደገኒ ናብ ተሰሎንቄውን ከደክሬስኬስ ናብ ገላትያቲቶስ ናብ ደልማይታ ኸዱ።

11. ሉቃስ ጥራይ ምሳይ አሎ፡ ማርቆስ ንዕዮ ይጠቕመኒ እዩ እሞ፡ ተማልኣዮ፡ ምሳኻ ይምጻእ

12. ንጥኪቆስ ግና ናብ ኤፌሶን ሰዲደዮ አሎኹ።

13. ክትመጽእ ከሎኻ፡ እቲ ኣብ ጥሮኣስ ምስ ቃርጶስ ዝሐደግክዎ ባርኖስን እቲ መጻሕፍትንምናዳ እቲ ብራናታትተማልኣለይ

14. እስክንድሮስ፡ እቲ ኣንጠረኛብዙሕ ክፉእ ገይሩኒእግዚኣብሄር ከምታ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ።

15. ንሱ፡ ነቲ ቓልና ብዙሕ ይጻረሮ እዩ እሞ፡ ንስኻ ድማ ካብኡ ተሐሎ

16. ኣብቲ ቐዳማይ ምጕተይ፡ ኣይሐዘሎም፡ ኵላቶም ጠለሙኒ እምበር፡ ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን

17. እቲ ስብከት ብኣይ ምእንቲ ኺምላእኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኺሰምዑ ግናጐይታ ቘመለይኣበርትዓኒካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ

18. እግዚኣብሄር ካብ እኩይ ግብሪ ዘበለ ኼናግፈኒናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኽኣቱውን ኬድሕነኒ እዩ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን

19. ንጵርስኪላን ንኣኪላስን ንቤት ኦኔሲፎሮስን ሰላም በለለይ።

20. ኤራስጦስ ኣብ ቈረንቶስ ተሪፉንጥሮፊሞስ ግና ሐሚሙ ኣብ መሊጦስ ሐዲገዮ አሎኹ።

21. ቅድሚ ኽረምቲ ንምምጻእ ፍጠንኤውቡሎስን ጱደንስን ሊኖስን ቅላውድያን ኵላቶም ኣሕዋትን ሰላም ይብሉኻ አለዉ።

22. ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስካ ይኹንጸጋ ምሳካትኩም ይኹን። ኣሜን

Chap 3