1. ካብቲ ሽማግለ ናብታ ሕርይቲ እምቤተይን ናብቶም ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮም ደቃንኣነ በይነይ ዘይኰንኩስ፡ እቶም ነታ ሓቂ ዚፈልጥዋ ዘበሉ ዅላቶም ድማ ዜፍቅርዎም፡

2. ስለ እታ ኣባና ዘላ ንዘለኣለም ከኣ ምሳና እትነብር ሓቂ ኢልና እነፍቅሮም ዘሎና።

3. ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ የሱስ ክርስቶስ ወዱ ነቦን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ብሓቅን ብፍቕርን ምሳና ኪኸውን እዩ።

4. ሓያሎ ኻብ ደቅኺ ኸምቲ ኻብ ኣቦ እተቐበልናዮ ትእዛዝ ኰይኖም፡ ብሓቂ ዚመላለሱ ስለ ዝረኸብኩብዙሕ እሕጐስ አሎኹ።

5. ሕጂ ድማ፡ እምቤተይ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረና እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ከም ዝጸሐፍኩልኪ ዘይኰነስ፡ ንሓድሕድና ኽንፋቐር እልምነኪ አሎኹ።

6. ከምቲ ትእዛዛቱ ጌርና ኽንመላለስ፡ እታ ፍቕሪ እዚኣ እያ። ብእኣ ኽትመላለሱከምቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ፡ እቲ ትእዛዝ እቲ እዚ እዩ።

7. የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙሓት መስሓትቲ ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ። እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ እዩ።

8. ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር፡ ነቲ ዝጸዐርናሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፡ ርእስኹም ሐልዉ

9. እቲ ጐቦ ዚዘብልብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብቲ ምህሮ ዚጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን አለውዎ።

10. ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎሰላምውን ኣይትበልዎ።

11. እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሐቢርዎ እዩ።

12. ናባኻትኩም ዝጽሕፎ ብዙሕ ነገር ነይሩኒ ኽነሱ፡ ብወረቐት ብቐለምን ክጽሕፎ ኣይፈቶኹን። ግናኸ ሐጐስና ምእንቲ ኺምላእሲ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩምተስፋ እገብር አሎኹ።

13. ደቂ እታ ሕርይቲ ሓብትኺ ሰላም ይብሉኺ አለዉ።