1. ስለዚ ካብኡ ንነጀው ክንዕገስ ስለ ዘይተኻእለናኣብ ኣቴና በይንና ኽንተርፍ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእየና

2-3. በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ሰንከልከል ከይብልነዚ ኸም እተመደብና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም እሞ፡ ንጢሞቴዎስ ሓውናን ብወንጌል ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ኣገልጋልን፡ ንሱ ኼጽንዓኩም ብዛዕባ እምነትኩምውን ኬህድኣኩም ለኣኽናዮ

4. እምበኣርከ ምሳኻትኩም ከሎናጸበባ ኸም ዚመጻናስቅድም ነጊርናኩምከምቲ እትፈልጥዎውንከምኡ ዀነ

5. ስለዚ ኣነ ድማ ካብኡ ንነጀው ክዕገስ ምኽኣል ምስ ሰኣንኩ፡ ምናልባሽ እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም ከይህሉ እሞ እቲ ጻዕርና ኸንቱ ኸይኸውን ኢለ፡ እምነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ እየ ዝለኣኽክዎ

6. ሕጂ ግና ጢሞቴዎስ ካባኻትኩም ናባና መጺኡከምቲ ንሕና እንናፍቐኩም ዘሎና፡ ክትርእዩና እናናፈቕኩም ኵሉ ሳዕ ብጽቡቕ ከም እትዝክሩናብናይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን ምስ ኣበሰረና

7. ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ሳላ እምነትኩም ኣብ ኵሉ ጸበባናን መከራናን ብዛዕባኹም ተጸናናዕና

8. ብጐይታ እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ንሕና ደጊም ብህይወት ንነብር አሎና።

9-10. ገጽኩም ክንርእን ካብ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእንለይትን መዓልትን መጠን ዜብሉ እናጸሌና፡ በቲ ብኣኻትኩም ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና እንሕጐሰሉ ዅሉ ሓጐስ ብኸመይ ዝበለ ምስጋና ዀን ኢና ብዛዕባኻትኩም ንኣምላኽና እነመስግኖ

11. ግናኸ እግዚኣብሄር ኣቦና ባዕሉን ጐይታና የሱስን መገድና ናባኻትኩም የቕንዕ

12-13. በቲ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ምስ ኵሎም ቅዱሳኑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ብዘይ ኣበር ብቕድስና ኸም እትርከቡ፡ ልብኹም ምእንቲ ኼጽንዕከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም ዘሎና፡ እግዚኣብሄር ንሓድሕድኩምን ንዅሉ ሰብን ፍቕሪ ይወስኽኩምን የብዝሓልኩምን