1. ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እቲ ናባኻትኩም ምእታውና ኸንቱ ኸም ዘይኰነ፡ ባዕላትኩም ትፈልጡ አሎኹም።

2. ከምቲ እትፈልጥዎ ግና፡ ቅድም ኣብ ፈልጲ መከራ ምስ ጸገብናን ምስ ተዋረድናንብሓይለ ገደል ንኣኻትኩም ወንጌል ኣምላኽ ንምንጋር ብኣምላኽ ተባዕና

3-4. እቲ ምዕዶና ኸኣ ነቲ ልብና ዚምርምር ኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እነብል ኣይኰንናን፡ ከምቲ ንወንጌል እሙናት ክንከውን ብኣምላኽ እተመርመርና፡ ከምኡ ንዛረብ አሎና እምበር፡ ካብ ስሕተት፡ ወይስ ካብ ርኽሰት፡ ወይስ ብተንኰል ኣይኰንናን እሞ፡

5. ከምቲ እትፈልጥዎብቓል ቅብጥር ወይስ እናማሳመስና ብስስዕቲ ከቶ ኣይመጻእናኩምንኣምላኽ ምስክርና እዩ።

6. ሃዋርያት ክርስቶስ ብምዃንና ኸነኽብድ ዚክኣለና እኳ ኽነሱ፡ ካባኻትኩም ኰነ ወይስ ካብ ካልኦት፡ ካብ ሰብሲ ኽብሪ ኣይደሌናን

7. ኣብ ማእከልኩምሲከምታ ዉሉዳ እትሐቍፍ መጥበዊት ኴንና እኳ ደኣ፡ ርሕሩሓት ነበርና

8. ከምዚ፡ ኣዚኹም ፍቁራትና ስለ ዝዀንኩምገዛእ ነፍስና ድማ እምበር፡ ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናንከነካፍለኩም እንፈቱን እንምነን ዝነበርና

9. ኣሕዋተየ፡ ነቲ ዕዮናን ጻዕርናን ትዝክርዎ ኢኹም እሞ፡ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ከይነኽብድ ኢልናለይትን መዓልትን እናዓየና ወንጌል ኣምላኽ ሰበኽናልኩም

10. ኣባኻትኩም እትኣምኑ ዘሎኹምብቕድስናን ጽድቅን ብዘይ መንቅብን ምንባርና፡ ንስኻትኩምን ኣምላኽን ምስክር ኢኹም።

11-12. ከምቲ እትፈልጥዎ፡ ነቲ ንመንግስቱን ክብሩን ዚጽውዓኩም ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱን፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንዉሉዱ ኸመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነፋጥነኩምን ንምስክረልኩምን ነበርና።

13. ምእንትዚውን ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ እሞ ንሱ ኣባኻትኩም እትአምኑ ዘሎኹም፡ ዚዓዪ ዘሎከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፡ ንሕና ኸየብኰርና ንኣምላኽ ነመስግኖ አሎና።

14. ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩምሲ ነተን ብክርስቶስ የሱስ ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ማሕበራት ኣምላኽ ሰዓብተን ኴንኩም ኢኹም እሞ፡ ከምቲ ንሳቶም ብኣይሁድ ሓሰረ መከራ ዝጸገቡ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም መከራ ጸገብኩም።

15-16. ንጐይታና የሱስን ንነብያትን ዝቐተልዎም ንኣናውን ዚሰጉና ዘለዉ ንሳቶም እዮም፡ ኣህዛብ ምእንቲ ኺድሕኑ ኸይንነግሮም፡ ንኣና ብምኽልካሎም ንሳቶም ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን ንዅሉ ሰብውን ይጻረርዎ አለዉ። ከምዚ ዅሉ ሳዕ ሓጢኣቶም ይምልኡ አለዉ፡ ግናኸ መዓት ክሳዕ መወዳእታ ወሪድዎም አሎ።

17. ኣሕዋተየንሕና ግና ብልቢ ዘይኰነስ ብገጽ ንቕሩብ ጊዜ ኻባኻትኩም እተፈሌናገጽኩም ክንርኢ ብብዙሕ ናፍቖት ኣዚና ተሀዊኽና አሎና።

18. ስለዚ ናባኻትኩም ክንመጽእ ደሌና፡ ኣነ ጳውሎስ እኳ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ደልየ ነይረ፡ ግናኸ ሰይጣን ዓገተና

19-20. ክብርናን ሓጐስናን ንስካትኩም ኢኹም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታና የሱስ ብምጻኣቱኸ ተስፋና ወይ ሓጐስና፡ ወይስ ኣኽሊል ትምክሕትና መን እዩ፧ ንስኻትኩም ደይኰንኩምን