1. ኣሕዋተየብዛዕባቲ መንፈሳዊ ውህበት ግና ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ።

2. ኣረማውያን ከሎኹም፡ ናብቶም ዓባሳት ጣኦታት እናተመራሕኩም ከም እተሰሐብኩምትፈልጡ ኢኹም።

3. ስለዚ ሓደ እኳ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚዛረብየሱስ ርጉም እዩ ኸም ዘይብልመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኰነ ኸኣ፡ የሱስ ጐይታ እዩ ኺብል ንሓደ እኳ ኸም ዘይኰነሉ፡ ኤፍልጠኩም አሎኹ።

4. እምብኣርከ ውህበት በበይኑ እዩ፡ መንፈስ ግና ሓደ ንሱ እዩ።

5. ኣገልግሎት በበይኑ እዩ፡ ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ።

6. ግብሪ ሓይሊ ድማ በበይኑ እዩ፡ እቲ ኣብ ኲላቶም ኲሉ ዚገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ።

7. ግናኸ ንነፍሲ ወከፍ ምግላጽ መንፈስ ንጥቕሚ ይውሃቦ እዩ።

8. ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሃቦ እዩ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፡

9. ንሓደ ግና እምነት በቲ ሓደ መንፈስንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይውሃቦ፡

10. ንሓደ ኸኣ ግብሪ ሓይሊ ንምግባር፡ ንሓደ ትንቢትንሓደ ምልላይ መናፍስቲንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሃቦ።

11. እዚ ዂሉ ኸኣ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ከም ዚደልዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ገግዲኡ እናመቐለ እዩ ዚገብሮ

12. ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ።

13. ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያንባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና

14. እቲ ስጋ ኸኣ ብዙሕ እምበር፡ ሓደ ኣካል ኣይኰነን እሞ፡

15. እግሪኢድ ካብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለበዚዶ ናይ ስጋ ምዃኑ ይተርፎ እዩ፧

16. እዝኒ ድማ፡ ዓይኒ ኻብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለት፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃና ይተርፍ እዩ፧

17. ብዘሎ እቲ ስጋ ዂሉ ዓይኒ እንተ ዚኸውን ደኣ፡ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ፧ እቲ ስጋ ዂለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዚኸውንከ፡ ምሽታት ኣበይ ምተረኸበ፧

18. ሕጂ ግና ኣምላኽ፡ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፡ ነቲ ኣካላት ንነፍሲ ወከፉ ኣብቲ ስጋ ሰርዖ

19. ኲሉ ኣካላት ሓደ ኣካል ጥራይ እንተ ዚኸውንከ፡ እቲ ስጋ ኣበይ ምሀለወ

20. ሕጂ ግና ኣካላት ብዙሕ፡ እቲ ስጋ ግና ሓደ እዩ።

21. ዓይኒ ንኢድኣይደልየክንክትብላ ኣይከኣላን እዩ፡ ወይስ ርእሲ ድማ ነእጋር፡ ኣይደልየኩምን፡ ክትብሎም ኣይከኣላን እዩ።

22. እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ስጋ እባ ግዳ እዮም ኣዝዮም ዚድለዩ

23. ነቲ ኣብ ስጋ ዘሎ ሕሱር ዚመስለና ኸኣብዚበዝሕ ክብሪ ንኸድኖ፡ ንሓፍረትናውን ኣዚና ብኽብሪ ንኽውሎ

24-25. እቲ ኽቡር ኣካላትና ግና እዚ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ እምበር፡ ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዚበዝሕ ክብሪ እናሃበ፡ ነቲ ስጋ ኣጋጠሞ

26. ሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየኲሉ ኣካላት ይስቀሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣኲሉ ኣካላት ሐቢሩ እዩ ዚሕጐስ

27. እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም።

28. ኣምላኽ ድማ ኣብ ማሕበር ቅድም ሃዋርያካልኣይ ነብያትሳልሳይ መምህራንደሓር ገበርቲ ሓይልታት፡ ደሓር ውህበት ምፍዋስምርዳእ ድኹማት፡ ምምራሕበበይኑ ቛንቋታት ሰርዔ

29. ኲላቶምዶ ሃዋርያት እዮም፧ ኲላቶምዶ ነብያት እዮም፧ ኲላቶምዶ መምህራን እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ገበርቲ ተኣምራት እዮም፧

30. ኲላቶምዶ ውህበት ምፍዋስ አለዎም፧ ኲላቶምዶ ቛንቋታት ይዛረቡ እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ይትርጒሙ እዮም፧

31. ነተን ዚዓበያ ውህበታት ደኣ ጽዓቱ። ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ መገዲ ኽሕብረኩም እየ።