1. ጳውሎስ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋሪያ የሱስ ክርስቶስ ኪኸውን እተጸውዔሶስቴኔስ ከኣ ሓውና

2. ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽብክርስቶስ የሱስ እተቐደሱቅዱሳን ንምዃን እተጸውዑ፡ ኣብ ኲሉ ስፍራኣብኦምን ኣባናን፡ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ዚጸውዑ ዘበሉ ዂላቶም፡

3. ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።

4-6. ኣነ፡ ከምቲ ምስክር ክርስቶስ ኣባኻትኩም ዝጸንዔ፡ ስለቲ ብክርስቶስ የሱስ እተዋህበኩም ጸጋ ኣምላኽ ብዂሉ ቓልን ብዂሉ ፍልጠትን ብዂሉ ብእኡ ስለ ዝሃብተምኩምኲሉ ሳዕ ብዛዕባኹም ንኣምላኸይ ኤመስግን አሎኹ።

7. ምግሃድ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹም፡ ብሓደ ውህበት ጸጋ እኳ ኸይጐደልኩም

8. ንሱ ድማ፡ ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይ እንታ ኽትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኼጽንዓኩም እዩ።

9. እቲ ናብ ሕብረት ወዱ የሱስ ክርስቶስ ጐይታና ዝጸውዓኩም ኣምላኽ እሙን እዩ።

10-12. ግናኸ፡ ኣሕዋተየኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ፡ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ አለዉ፡ እዚ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ፡ ከም እትብሉ፡ እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ። ኣሕዋተየኲላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩምእምዕደኩም አሎኹ።

13. ክርስቶስዶ ተመቒሉ እዩ፧ ወይስ ጳውሎስዶ ተሰቂሉልኩም እዩ፧ ወይስ ብስም ጳውሎስ ዲኹም እተጠመቕኩም

14-15. ሓደ እኳ ብስመይ ከም እተጠምቕኩም ከይብል፡ ብዘይ ክሪስጶስን ገይዮስን ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ስለ ዘየጥመቕኩ ንኣምላኽ ኤመስግኖ አሎኹ።

16. ስድራ ቤት እስጢፋኖስውን ኣጥሚቐ አሎኹ፡ ብዘይ እዚኣቶም ሓደ ኻልእ ከም ዘጥመቕኩኣይፈልጥን እየ።

17. እቲ መስቀል ክርስቶስ ከንቱ ምእንቲ ኸይከውንብጥበብ ዘረባ ኸይግበር፡ ክርስቶስ ወንጌል ክሰብኽ ደኣ እምበር፡ ከጥምቕሲ ኣይለኣኸንን

18-19. ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከፍርስ እየ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።

20. ጥበበኛ ኣበይ አሎ፧ ምሁር ጽሑፋትሲ ኣበይ አሎ፧ መርማሪ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ አሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧

21. ስለዚ ዓለም ብጥበባ ንኣምላኽ ብጥበብ ኣምላኽ ገይራ ኻብ ዘይፈለጠቶኣምላኽ ነቶም ዚአምኑ ብናይ ስብከት ዕሽነት ገይሩ ኼድሕኖም ፈቐደ

22. ኣይሁድ ምልክታት ይልምኑጽርኣውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ

23. ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ አሎና።

24. ንሱ ነቶም ጽዉዓትንኣይሁድ ኰነ፡ ንጽርኣውያን ኰነ፡ ክርስቶስ፡ እቲ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን እዩ።

25. ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ፡ ካብ ሰብ ከኣ ድኻም ኣምላኽ ይብርትዕ

26. ኣሕዋተየ፡ ኣብቲ ጽውዓኹም እማ ተመልከቱ ብዙሓት ብስጋ ለባማትብዙሓት ስልጡናትብዙሓት ጭዋታት ኣይተጸውዑን።

27. ኣምላኽ ግና፡ ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼሕፍርሲንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ፡ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ

28-29. ስጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕውንኣምላኽ ነቲ፡ ኣነ ገለ እየ፡ ዚብል ከንቱ ምእንቲ ኺገብር፡ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኰነን ሐረየ

30-31. ግናኸ እቲ ጽሑፍዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ፡ ዚብሎ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ንስኻትኩም ካብኡ ኣብቲ ኻብ ኣምላኽ ንጥበብን ጽድቅን ምቕዳስን ምድሓንን ዝዀነልና ክርስቶስ የሱስ ኢኹም