1. እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሕልቅነት እተሸመ ጳሽሑርወዲ እቲ ኻህን ኢሜርኤርምያስ እዚ ነገር እዚ ኺንበ ኸሎ ሰምዖ

2. ጳሽሑር ከኣ ንነብዪ ኤርምያስ ወቕዖ፡ ኣብታ ኣብ ጥቓ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረት ላዕለይቲ ደገ ብንያምውን ኣብ ጒንዲ ኣሰሮ

3. ንጽብሒሩ ጳሽሑር ንኤርምያስ ካብ ማእሰርቲ ኣውጽኦ። ኤርምያስ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ማጉር-ሚሳቢብ እምበር፡ ጳሽሑር ኢሉ ኣይሰመየካንበሎ

4. እምበኣርሲ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ንርእስኻን ንዂሎም ፈተውትኻን መሰምበዲ ኽገብረካ እየ፡ ብሰይፊ ጸላእቶም ኪወድቁ እዮም፡ ኣዒንትኻ ድማ ኪጥምታኦ እየን። ንዂላ ይሁዳ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክውፍያ እየ፡ ንሱ ድማ ናብ ባቢሎን ኪማርኾም ብሰይፊውን ኪቐትሎም እየ።

5. ኲሉ ጥሪት እዛ ኸተማ እዚኣን ኲሉ ጻማኣን ኲሉ ኽቡር ኣቓሑኣን ኲሉ እቲ መዛግብ ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢድ ጸላእቶም ክህቦ እየ። ንሳቶም ድማ ኪዘምትዎኪወስድዎ፡ ናብ ባቢሎንውን ኪማርኽዎ እዮም።

6. ኣታ ጳሽሑር፡ ንስኻን ኣብ ቤትካ ዚነብሩ ዂሎምን ክትማረኹ ኢኹም፡ ናብ ባቢሎን ክትከይድ ኢኻ እሞ፡ ምስቶም ሓሶት እተነቤኻሎም ኲሎም ፈተውትኻ ኣብኡ ኽትመውት፡ ኣብኡውን ክትቅበር ኢኻ።

7-8. ብተዛረብኩሉ መጠን እጭርሕዓመጽን ዘመተን ኢለ እጭርሕ አሎኹ። ቃል እግዚኣብሄር መዓልቲ ብመልኣ ንጸርፍን መላገጽን ኰይኑኒ እዩ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄርጠበርካኒ ተጠበርኩ ኸኣ፡ ሐየልካኒ ኣሕመቕካኒ ድማ። ኣብ ጸጽባሕ መላገጺ ዀንኩ፡ ኲሎምውን የባጭውለይ ኣለው።

9. ኣይክዝክሮን፡ ደጊምስ ብስሙ ኣይክዛረብን እየ፡ እኳ እንተ በልኩ፡ ኣብ ዓጻጽምተይ ተዐጽዩ፡ ኣብ ልበይ ከም ዚነድድ ሓዊ ዀነኒ። ክጽመሞ ተጋደልኩ፡ ግናኸ ኣይኰነለይን።

10. ብዙሓት ኪሐምዩኒ እሰምዕ አሎኹ እሞ፡ ብዂሉ ሸነኸይ ስምባድ ይኸበኒ አሎ። ክሰስዎ፡ ንሕና ኸኣ ክንከሶ፡ ኢሎም ኲላቶም ፈተውተይ ውድቀተይ ይቃጸዉ፡ ምእንቲ ኸነሕምቖም ሕነ ኽንፈድዮንሲ ይጥበረልና ይኸውን፡ ይብሉ ኣለው።

11. ግናኸ እግዚኣብሄር ከም ሓያል ጅግና ምሳይ እዩ። ስለዚ እቶም ሰጐጒተይ ተዐንቂፎም ይወድቁ፡ ዚከኣሎምውን የልቦን። ብጥበብ ስለ ዘይገበርዎ ኣዝዮም ኪሐንኩ እዮም፡ ነውሮም ድማ ንሓዋሩ ኣይኪርሳዕን እዩ።

12. ኣታ ንጻድቕ እትምርምርልብን ኰላሊትን እትርኢ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትነገረይ ንኣኻ ኣማዕቊበ እየ እሞ፡ ነቲ እትፍደዮም ሕነ ኣርእየኒ

13. ንነፍሲ ድኻ ኻብ ኢድ ገበርቲ እከይ ኣድሒንዋ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ ንእግዚኣብሄር ወድሱ

14. እተወለድኩላ መዓልቲ ርግምቲ ትኹን፡ እታ ኣደይ ንኣይ ዝወለደትላ መዓልቲ ኣይትባረኽ

15. እቲ ነቦይወዲ ተወሊዱልካኢሉ ዘበሰሮ እሞ ዘሐጐሶ ሰብኣይ ርጉም ይኹን።

16. እቲ ሰብኣይ እቲ ኸምተን እግዚኣብሄር ከይተጣዕሰ ዝገልበጠን ከተማታት ይኹን። ንግሆ ኣውያትቀትሪ ድማ ጭድርታ ውግእ ይስማዕ

17. ኣደይ መቓብረይ ክትከውን፡ ንሓዋሩ ኸኣ ብጥንስታ ኽትነብርሲ፡ ስለምንታይ ኣብ ማሕጸን ወላዲተይ ከሎኹ ዘይቀተለኒ

18. ድኻምን ሓዘንን ክርኢዕለተይ ከኣ ብሓፍረት ክውድእከ ስለምንታይ ካብ ማሕጸን ወጽእኩ