1. እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኪድ እሞ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ቅናት ገዚእካ፡ ኣብ ሕቜኻ ተዐጠቃ፡ ኣብ ማይ ግና ኣይትእለካበለኒ

2. ኣነ ኸኣ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝበሎ፡ ቅናት ተወይጠ ሕቘይ ተዐጠቕኩላ

3-4. ካልኣይ ሳዕ ድማ፡ ነታ ዝዐደግካያ እሞ ኣብ ሕቜኻ ዘላ ቕናት ሒዝካ ተንስእ፡ ናብ ኤፍራጥስ ኬድካ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ምንቃዕ ከውሒ ሕብኣያዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ።

5. ኣነውን ከይደ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ኣብ ኤፍራጥስ ሐባእክዋ

6. ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ከኣ እግዚኣብሄርተንስእ እሞ ኣብ ኤፍራጥስ ኬድካ ነታ ኣብኡ ኽትሐብኣ ዝኣዘዝኩኻ ቕናት ካብኡ ኣምጽኣያበለኒ

7. ኣነውን ናብ ኤፍራጥስ ከይደ ኻብታ መሕቢኢኣ ዂዒተ ነታ ቕናት ኣምጻእክዋ። እንሆውን፡ እታ ቕናት ተበላሽያ። ንሓደ ግዛዕ እኳ ዘይትጠቅም ኰይና ጸንሔት።

8. ሽዑ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡

9. ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር፡ ከምኡ ገይረ ኸኣ ንትዕቢት ይሁዳን ነቲ ዓብዪ ትዕቢት የሩሳሌምን ከጥፍኦ እየ፡

10. እዚ ብትሪ ልቡ ዚመላለስንኻልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼገልግሎምን ኪሰግደሎምን ዚስዕቦምንቓላተይ ዘይሰምዕ ሕሱም ህዝቢ ኸምዛ ንሓደ ግዛዕ እኳ ዘይትጠቅም ቅናት ዝዀነት ኪኸውን እዩ።

11. ኣነስ ንዂሎም ቤት እስራኤልን ንዂሎም ቤት ይሁዳንሲ ህዝብን ስምን ሓበንን ክብርን ኪዀኑኒ ኢለ፡ ከምቲ ቕናት ሰብኣይ ቀጥ ኢሉ ኣብ ሕቚኡ ዚጠብቕ፡ ከምኡ ኸኣ ቀጥ ኣቢለ ኣባይ ኣጥበቕክዎም፡ ግናኸ ኣይሰምዑንይብል እግዚኣብሄር

12. እምበኣርሲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤልኣሕርብቲ ዘበለ ወይኒ ኺምላእ እዩ፡ ይብል አሎ ኢልካ፡ እዚ ቓል እዚ ንገሮም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣሕርብቲዶ ወይኒ ኸም ዚምላእ ኣይንፈልጥን ኢና፧ ይብሉኻ

13. ሽዑ ንስኻእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢልካ ምለሰሎም፡ እንሆ፡ ንዂሎም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዚነብሩ፡ ነቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ዚቕመጡ ዘለዉ ነገስታትን ንኻህናትን ንነብያት ንዂላቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ብስኽራን ክመልኦም እየ።

14. ነቦታትን ንውሉድን ኣሕቢረ ነቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ኸራጽሞም እየ። ከጥፍኦም እየ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይክድንግጽንኣይክንሕፍንኣይክምሕርን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

15. እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ስምዑጽን በሉኣይትተዐበዩ

16. እግዚኣብሄር ከየጸልመተ፡ ኣብቲ ዝጸልመተ ኣኽራን ከኣ ኣእጋርኩም ከይተሰናኸለ፡ ነታ እትጽበይዋ ብርሃን ድማ ድነ ሞት ከይገበራ፡ ናብ ድቕድቕ ጸልማውን ከይለወጣ ኸሎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኹም ክብሪ ሀቡ

17. እንተ ዘይሰማዕኩም ግና፡ ብሰሪ ትዕቢትኩም ነፍሰይ ብሕቡእ ክትበኪ እየ፡ እቲ መጓሰ እግዚኣብሄር ተማሪኹ እዩ እሞ፡ ኣዒንተይ መሪር ብኽያት ይበኽያንብዓት ድማ ዘርባሕባሕ ይብላ ኣለዋ።

18. ንንጉስን ነደ ንጉስን፡ እቲ ዘውዲ ኽብርኹም ካብ ርእስኹም ወዲቑ እዩ እሞ፡ ለጠቕ ኢልኩም ተቐመጡ፡ ኢልካ ንገሮም

19. ከተማታት ድቡብ ተዐጽዋዚኽፍተን ድማ የልቦን። ኲላ ይሁዳ ተማረኸትብዘላ ብጥራስ ተማረኸት።

20. ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ነዞም ካብ ሰሜን ዚመጹ ዘለዉ ርኣዩ። እቲ እተዋህበካ መጓሰ፡ እቲ ጽቡቕ መጓሰ፡ ኣበይ አሎ፧

21. ነቶም ባዕልኺ ዘስተምሀርክዮም ፈተውትኺ ኣብ ልዕሌኺ ምስ ኣግዝኦም፡ እንታይ ክትብሊ ኢኺ፧ ከምታ ቕልውላው እተታሕዘት ሰበይቲዶ ኣይክትስቀይን ኢኺ፧

22. ብልብኺ ድማ፡ ስለምንታይ እዚ ወረደኒ፧ እንተ በልኪ፡ ብሰሪ ብዝሒ ኣበሳኺ ዘፈር ክዳንኪ ተኸበከበዳንጋኺውን ንሕስራን ተቐልዔ

23. ኢትዮጵያዊዶ ቘርበቱ ወይስ ነብሪ ዕሮርባይ ምዃኑ ኺልውጥ ይከኣሎ እዩ፧ እምበኣርከ ንስኻትኩም ድማ እከይ ንምግባር ዝለመድኩምሲ ጽቡቕ ያኢ ኽትገብሩ ኢኹም።

24. ስለዚ ድማ ኣነ ኸምቲ ንፋስ በረኻ ዝበቈጾ ብቚቡቚ ክዘርዎም እየ።

25. ንኣይ ረሲዕክኒ፡ ኣብ ሓሶት ከኣ ተወኪልኪ ኢኺ እሞ፡ ግዴኺ፡ እቲ ኣነ ዝኸፈልኩልኪ ኽፍሊ፡ እዚ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

26. ስለዚ ሓፍረትኪ ኺርኤ፡ ዘፈር ክዳንኪ ኽሳዕ ገጽኪ ክኽብክብ እየ።

27. ዝሙትክን ምሕምሓምክን ኣብ ኲድዂዶታትን ኣብ መሮርን ዝገበርክዮ ርኽሰት ምንዝርናኽን፡ እቲ ጽያፍኪ ርኤኹ። ኣቲ የሩሳሌምወይለኺመኣዝ ኰን ክትጸርዪ ኢኺ፧