1. መሰውኢ ምሕራር ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረምንዋሑ ሓሙሽተ እመትምግፋሑ፡ ኸኣ ሓሙሽተ እመትኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ሰለስተ እመት

2. ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝኑ ኸኣ ኣቕርንቲ ገበረሉ፡ እቲ ኣቕርንቱ ምስኡ ሓደ ነበረ፡ በስራዚ ድማ ለበጦ

3. ኵሉ ኣቓሑ መሰውኢ ኸኣ ገበረመኣከብ ሓሙዅስትን መጽሓርያን ጭሔሎን መውግእ ስጋን ምድጃን፡ ንዅሉ ኣቓሑኡ ኻብ ኣስራዚ ገበሮ

4. ንመሰውኢ ዚኸውን ከም መንፊት ዝበለ መጋረዲ ኻብ ኣስራዚ ገይሩ ኣብ ትሕቲ ኣርከኑ፡ ብሸነኽ ታሕቲ ኽሳዕ ፍርቁ ዚበጽሕ ገበሮ

5. ነቲ ኣርባዕተ መኣዝን መጋረዲ ኣስራዚ ኸኣ መሰላታት ኪኣትዎኣርባዕተ ቐለቤት ኣፍሰሰሉ

6. መሰላታት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረበስራዚ ኸኣ ለበጦ

7. ነቲ መሰላታት ከኣ፡ ብእኡ ኺጽወር፡ ናብቲ ኣብ ጎቦታት መሰውኢ ዘሎ ቐላብቲ ኣእተዎ። ካብ ሉሕ ጓንጓ ገይሩ ሰርሖ

8. ገበራ ድማ ካብ ኣስራዚኣጋሮኡውን ካብ ኣስራዚ ገበረ፡ ካብ መስትያታት እተን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን መርኻብ ዜገልግላ ዝነበራ ኣንስቲ ገበሮ።

9. ኣጸድ ድማ ገበረ። ነቲ ኣጸድ ብሸነኽ ደቡብ፡ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ገበሮ

10. ኣዕኑዱ ዕስራኣእጋሩውን ዕስራ ኻብ ኣስራዚ ነበረ፡ ናብቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንግን ከኣ ካብ ብሩር ነበረ።

11. ብሸነኽ ሰሜን ድማ ሚእቲ እመትኣዕኑድ ዕስራኣእጋሩ ኸኣ ዕስራ ኻብ ኣስራዚ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንግን ከኣ ካብ ብሩር ነበረ።

12. ብሸነኽ ምዕራብ ድማ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታትኣዕኑድ ዓሰርተኣእጋሩውን ዓሰርተ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንግን ከኣ ካብ ብሩር ነበረ።

13. ብሸነኽ ምብራቕበቲ ጸሓይ እትወጸሉ ድማ ሓምሳ እመት ነበረ።

14. ነቲ ኣፍ ደገ ብሓደ ሸነኹ ዓሰርተው ሓሙሽተ እመት መጋረጃ ምስ ሰለስተ ዓንድን ሰለስተ እግርን ነበረ።

15. ከምኡ ድማ ብኻልኣይ ሸነኽ፡ እሞ እቲ ኣፍ ደገ ኣጸድ በዝን በትን ዐዓሰርተው ሓሙሽተ እመት መጋረጃታት ምስ ሰለስተ ዓንዱን ሰለስተ እግሩን ነበሮ።

16. ኵሉ መጋረጃታት ዙርያ እቲ ኣጸድ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ነበረ።

17. ኣእጋር እቲ ኣዕኑድ ድማ ካብ ኣስራዚ ነበረ። ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንግን ከኣ ካብ ብሩር ነበረ። ጕልላት እቲ ኣዕኑድ ድማ ብብሩር ተለቢጡ ነበረ፡ ኵሉ ኣዕኑድ እቲ ኣጸድውን ኣዛንግ ብሩር ነበሮ።

18. መጋረጃ ኣፍ ደገ ኣጸድ ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕስ ልሕጺ እንጣጢዕን ተጠልፈምንዋሑ ዕስራ እመትቍመቱ ኸኣ ብምግፋሑ ኸምቲ መጋረጃታት ኣጸድ ሓሙሽተ እመት ነበረ።

19. ኣዕኑዱ ኣርባዕተኣእጋሩውን ኣርባዕተ ኻብ ኣስራዚ ነበረ፡ መሰቓቐሊኡ ኸኣ ካብ ብሩር ነበረ፡ ጕልላቱን ኣዛንጉን ብብሩር ተለበጠ

20. ኵሉ ሽኻውልቲ ማሕደርን ናይቲ ኣጸድ ብዙርያኡን ካብ ኣስራዚ ነበረ።

21. ጸብጻብ ናይቲ ማሕደር፡ ናይ ምስክር ማሕደርብትእዛዝ ሙሴንኣልግሎት ሌዋውያን ብኢድ ኢታማርወዲ ኻህን ኣሮንእተጸብጸበ እዚ እዩ።

22. በሳልኤልወዲ ኡሪ ወዲ ሁር ካብ ነገድ ይሁዳ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ

23. ኦሆልያብወዲ ኣሒሳማኽ ካብ ነገድ ዳን ከኣ፡ ምስኡ ነበረ፡ ንሱ ቐራጽን ብሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ብልሓተኛ ኣላምን ጠላፍን ነበረ።

24. እቲ ንዅሉ ዕዮ ቤተ መቕደስ ንመስርሒ ዝዀነ ዅሉ ወርቂ፡ እቲ እተዋህበ ወርቂ፡ ብሲቃል መቕደስ ዕስራን ትሽዓተን ታለንትን ሾብዓተ ሚእትን ሰላሳን ሲቃልን ኰነ።

25. ካብቶም ናይ ኣኼባ እተቘጽሩ እተዋህበ ብሩር ድማ ብሲቃል መቕደስ ሚእቲ ታለንትን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ሲቃል ኰነ።

26. ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብቶም በቲ ቝጽሪ ዝሐለፉ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፡ እሞ ካብ ሹድሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ ሓደ ቤቃ፡ ንሱ ኸኣ ፈረቓ ሲቃል መቕደስ፡ በጽሔ።

27. እቲ ሚእቲ ታለንት ብሩር ድማ ንምፍሳስ ኣእጋር መቕደስን ኣእጋር መጋረጃንሚእቲ ታለንት ንሚእቲ እግሪ፡ ሓደ ታለንት ንሓደ እግሪ ዀነ።

28. በቲ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ሲቃል ድማ ነቲ ኣዕኑድ መሰቓቐሊ ገበረሉ፡ ንጕልላቱ ኸኣ ለበጦኣዛንግውን ገበረሉ።

29. እቲ እተዋህበ ኣስራዚ ድማ ሰብዓ ታለንትን ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሲቃል እዩ።

30. ብእኡ ኣእጋር ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብን መሰውኢ ኣስራዝን ናይ ኣስራዚ መጋረዲኡን ኵሉ ኣቓሑ መሰውእን

31. ኣእጋር ኣጸድ ብዙርያኡን ኣእጋር ኣፍ ደገ ኣጸድን ኵሉ ሽኻውልቲ ማሕደርን ኵሉ ሽኻውልቲ ኣጸድ ናይ ብዙርያኡን ገበረ።