Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

refiners fire


ዘካርያስ 13:9 | 16 Helpful votes

ኣነ ኸኣ ነቶም ሲሶ ናብ ሓዊ ኸእትዎምብሩር ከም ዚዅላዕ ክዅልዖምወርቂ ኸም ዚፍተን ክፍትኖም እየ። ስመይ ክጽውዑ እዮም፣ ኣንውን ክሰምዖም እየ። ህዝበይ እዩ፣ ክብል እየ። ንሱውን፣ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ እዩ፣ ኪብል እዩ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 1:7 | 11 Helpful votes

እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ንሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ፡ እንተ ኣድለየስሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹምብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 48:10 | 11 Helpful votes

እንሆ፡ ኣምከኽኩኻ፡ ግናኸ ከም ብሩር ኣይኰነን፡ ኣብ እቶን ጸበባ ተዐዘብኩኻ።

Translation | Context
ሚልክያስ 3:1-18 | 11 Helpful votes

እንሆ፣ ኣነ ልኡኸይ እልእኽ አሎኹ፣ ንሱ ቐቅድመይ መገዲ ኺጸርግ እዩ። ብኡብኡ ኸኣ እቲ እትደልይዎ ጐይታ ናብ መቕደሱ ኺመጽእ እዩ፣ እቲ እትናፍቕዎ መልኣኽ ቃል ኪዳን እንሆ፣ ይመጽእ አሎ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ግናኸ ንሱ ከም ናይ ኰላዒ ሓውን ከም ናይ ሓጻቢ ሳሙናን እዩ እሞ፡ ነታ መዓልቲ ምምጻኡ መን ይጽመማ፧ ንሱ ኺግለጽ ከሎስ፡ መን ይቐውም፧ ንሱ ኸኣ ነቲ ብሩር ኪዅልዕን ኬጽርን ኪቕመጥ እዩ። ንደቂ ሌዊ ኼጽርዮም፣ ከም ወርቅን ብሩርን ከኣ ኪዅልዖም እዩ፣ ንሳቶምውን ንእግዚኣብሄር መሳዋእቲ ብጽድቂ ኺስውእሉ እዮም። ሽዑ መስዋኣቲ ይሁዳን የሩሳሌምን፣ ከምቲ በተን መዓልትታት ጥንትን በተን ናይ ቀደም ዓመታትን ዝዀነ፣ ንእግዚኣብሄር ባህ ኬብሎ እዩ። ኣነ ንፍርዲ ክቐርበኩም እየ፣ ኣንጻር ኣስማተኛታትን ዘመውትን ኣንጻር እቶም ብሓሶት ዚምሕሉን ነቲ በዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምጽዎን ንመበለትን ዘኽታምን ዚገፍዕዎምን ንስደተኛ መሰሉ ዚጠውዩሉን ንኣይ ከኣ ዘይፈርሁን ቅልጡፍ ምስክር ክዀኖም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ እሞ፣ ኣቱም ደቂ ያእቆብል ስለዚ ኣይጠፋእኩምን። ካብ ዘመን ኣቦታትኩም ጀሚርኩም ካብ ስርዓተይ ኣግለስኩም ኣይሐለኹምዎን ከኣ። ናባይ ተመለሱ፡ ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ንስኻትኩም ግና፡ ብምንታይ እሞ ኢና፧ በልኩምሰብዶ ንኣምላኽ ኪሰርቆ ይዀነሉ እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ሰሪቕኩምኒ። ብምንታይ እሞ ኢና ዝሰረቕናካ፧ ከኣ ትብሉብዕሽርን ብመባእን ኢኹም። ንስኻትኩም፣ ህዝቢ ብምሏትኩም ሰሪቕኩምኒ ኢኹም እሞ፣ ብመርገም ተረገምኩም። ኣብ ቤተት ምግቢ ኪኸውንሲ፣ ዕሽር ዘበለ ዅሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ፣ ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩምበረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፣ በዚ ተዐዘቡኒይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ስሌኹም ኢለ ነቲ ወሓጢ ኽገንሖ እየ፣ ንሱ ኸኣ ንፍረ ምድርኹም ኣይኬጥፍኦን እዩ እቲ ተኽሊ ወይንኹም ኣብ ግራት ኣይኪቘልዕን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትምድሪ ሓጐስ ክትኰኑ ኢኹም እሞ፣ ኵሎም ኣህዛብ ብጹኣን ኪብሉኹም እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትቃላትኩም በርትዓኒይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ኣንጻርካ እሞ እንታይ ተዛሪብናትብሉ አሎኹም። ንስኻትኩምውን፡ ንኣምላኽ ምግልጋል ከንቱ እዩ፡ ስርዓቱ ዝሐሎና ኣብ ቅድሚ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ድማ ክሊ ተኸዲንና እተመላለስናስ እንታይ ረባሕናበልኩም። እምብኣርሲ ነቶም ዕቡያት ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና፣ እወ፣ እቶም ገበርቲ ረሲእነት ይህነጹ፣ እወ፣ ንኣምላኽ ፈተንዎ ኣምለጡ ኸኣ። ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡእግዚኣቢሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዔውን። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፍርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሐስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ። በታ ኣነ ዚገብረላ መዓልቲ ንሳቶም ገንዘበይ ኪዀኑኒ እዮም። ኣነ ኸኣ፣ ከምቲ ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎክንሕፎም እየ። ንስኻትኩም ድማ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ፍልልልይ ክትርእዩ ኢኹም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:10 | 9 Helpful votes

እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኺፍጽመኩም፡ ኬጽንዓኩም፡ ኬበርትዓኩምኪስርተኩምውን እዩ።

Translation | Context
እዮብ 23:10 | 7 Helpful votes

ንሱ ግና በየነይቲ መገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ፡ ይፈትነኒ፡ ከም ወርቂ ዀይነ ኸኣ ክወጽእ እየ።

Translation | Context
ምሳሌ 17:3 | 5 Helpful votes

መምከኺ ንብሩርእቶን ከኣ ንወርቂ እዩ፡ ንልቢ ዚፍትኖ ግና እግዚኣብሄር እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 66:10-12 | 4 Helpful votes

ኣምላኽተዐዚብካና ኢኻ እሞ፣ ከም ዚዅላዕ ብሩር ኰላዕካና። ናብ መርበብ ኣእቶኻና፣ ኣብ ሕቜና ኸቢድ ጾር ኣጾርካና። ብልዕሊ ርእስና ሰባት ኣሳገርካብሓውን ብማይን ሐለፍና፣ ንስኻ ግና ናብ ራህዋ ኣውጻእካና

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 1:6 | 3 Helpful votes

እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ንሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ፡ እንተ ኣድለየስሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹምብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም።

Translation | Context
ማቴዎስ 3:10-11 | 2 Helpful votes

ካብ ብሕጂ እኳ ማሕጸ ናብቲ ጕንዲ ኦም ተነቢሩ አሎ፡ እምበኣርሲ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቝረጽናብ ሓዊ ድማ ይድርበኣነስ ንንስሓ ብማይ ኤጥምቐኩም አሎኹ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ግና ካባይ ይሕይል እዩ፡ ኣነስ ኣሳእኑ ኽጸውር እኳ ኣይበቅዕን። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 2 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎምንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:1-27 | 2 Helpful votes

ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግናኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪየጽርዮንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃልድሮ ንጹሃት ኢኹምኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩምጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩምከምኡ ኢኹም። እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድኣባይ እንተ ጸናዕኩምቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩምብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹምኣቦይ በዚ ይኸብርደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም። ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ፡ ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም አሎኹ፡ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሓሎኹኣብ ፍቕሩውን ጸኒዔ ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሎኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም። ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕሓጐስኩምውን ኪፍጸምሲእዚ ነገርኩኹምከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹምነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩትእዛዘይ እዚ እዩሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦንንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩምኣዕሩኸይ ኢኹምእቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹምባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ። ኣነ ሐሬኹኹም እምበርንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹምንሓድሕድኩም ክትፋቐሩእዚ እእዝዘኩም አሎኹ። ዓለም እንተ ጸልኣትኩምንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምንስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ። ነቲባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎንኣይ ሰጕጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮምቃለይ ሓልዮም እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ቃልኩምውን ኪሕልዉ እዮምግናኸ ነቲ ዝለአኸኒ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ስለ ስመይ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም። ኣነ መጺኤ እንተ ዘይነግሮምሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፡ ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምክንያት የብሎምን። እቲ ንኣይ ዚጸልኣኒ ነቦይውን ይጸልኦ እዩ። ካልእ ዘይገብሮ ግብሪ እንተ ዘይገብረሎምሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ። ሕጂ ግና ርእዮምሲ ንኣይን ነቦይን ጸልኡና። እዚ ግና እቲ ኣብ ሕጎምብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒጽሑፍ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ ዝዀነእቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግናንሱ ኺምስክረለይ እዩ። ንስኻትኩምውን ካብ መጀመርያ ምሳይ ኔርኩም ኢኹም እሞትምስክሩለይ ኢኹም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 3:12-15 | 2 Helpful votes

ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ ወርቂብሩርክቡር እምኒዕጨይቲሳዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሰርሔ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪግሃድ እዩ፡ ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ። ሰብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሃንጸ ዕዮ እንተ ጸንዓሉዓስቢ ኪቕበል እዩ። እቲ ዕዮኡ እንተ ነደደ ግና፡ ዓስቡ ኺስእን እዩ። ንርእሱ ግና ኪድሕን፡ ግናኸ ከምቲ ሓዊ ሐሊፉ ዝደሐነ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 66:10 | 2 Helpful votes

ኣምላኽተዐዚብካና ኢኻ እሞ፣ ከም ዚዅላዕ ብሩር ኰላዕካና

Translation | Context
እብራውያን 12:29 | 2 Helpful votes

ኣምላኽና ዚባላዕ ሓዊ እዩ፡ ስለዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን።

Translation | Context
ዘዳግም 4:20-24 | 2 Helpful votes

ንኣኻትኩም ግና ከምዚ ሎሚ ዘሎኹምዎ፡ ምእንቲ ህዝቢ ርስቲ ኽትኰንዎ ኢሉ፡ እግዚኣብሄር ካብ እቶን ሓጺንካብ ግብጺ ኣውጺኡኩም እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ብሰርኹም ተቘጥዓኒ እሞ፡ ኣነ ንዮርዳኖስ ከይሳገር፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ጽብቕቲ ምድሪ ኸኣ ከይአቱ መሐለ። ኣነ ንዮርዳኖስ ከይተሳገርኩ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኽመውት እየ እሞ፡ ንስኻትኩም ግና ክትሳገሩ ነታ ጽብቕቲ ምድሪ ድማ ክትወርስዋ ኢኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚባላዕ ሓዊቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ዝአተዎ ኺዳን ከይትርስዑ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኸልከለካ ዘበለ ገለ መልክዕ ዘለዎ እተወቕረ ምስሊ ኸይትገብሩ ተጠንቀቑ

Translation | Context
ማርቆስ 9:49-50 | 2 Helpful votes

ነፍሲ ወከፍ ብሓዊ ይምቅር እዩ እሞ፡ ኵሉ መስዋእቲ ድማ ብጨው እዩ ዚምቕርጨው ጽቡቕ እዩ። እቲ ጨው መቐሬቱ እንተ ኸደኸብምንታይ ተምቕርዎ፧ ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃሉኹም፡ ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ።

Translation | Context