Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

3 bible verses about

he who is without sin


ዮሃንስ 8:1-59 | 9 Helpful votes

የሱስ ግና ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ። ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ኣንጊሁ ኸም ብሓድሽ ናብ ቤተ መቕደስ መጸብዘሎ እቲ ህዝቢውን ናብኡ መጸ፡ ተቐሚጡ ኸኣ ይምህሮም ነበረ። ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ ኣብ ዝሙት እተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦምኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም፥ መምህርእዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ ኸላ ተትሒዛከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ኽትመውት፡ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና አሎ፡ ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል፡ በልዎ። መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉእዚ ኢሎም ፈተንዎየሱስ ከኣ ደኒኑ በጻብዑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላበሎምከም ብሓድሽ ከኣ ደኒኑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈንሳቶም ግና እዚ ምስ ሰምዑብሕሊናኦም ተረትዑ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕሮት፡ ኵሎም በብሓደ ወጹየሱስ ምስታ ኣብ ማእከል ደው ኢላ ዘላ ሰበይቲ በይኑ ተረፈየሱስ ከኣ ቅንዕ ኢሉ ብዘይ እታ ሰበይቲ ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ምስ ረአየ፡ ኣቲ ሰበይቲእቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ አለዉዝፈርደኪዶ የልቦንበላ። ንሳ ኸኣ፡ ሓደ እኳጐይታይበለቶየሱስ ድማኣነውን ኣይፈርደክን እየ፡ ኪዲ እሞ ደጊም ኣይትበድሊ፡ በላሽዑ የሱስኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦምፈሪሳውያን ከኣንስኻ ንርእስኻ ትምስክር አሎኻ፡ ምስክርካ ሓቂ ኣይኰነንበልዎየሱስ መሊሱ በሎምኣነ ንርእሰይ እኳ እንተ መስከርኩካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድእፈልጥ እየ እሞምስክረይ ሓቂ እዩንስኻትኩም ግና ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ንስኻትኩም ፍርዲ ስጋ ኢኹም እትፈርዱ ዘሎኹም፡ ኣነስ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እየ። ኣነን እቲ ዝለአኸኒ ኣቦን ኢና እምበር፡ በይነይ ኣይኰንኩን እሞኣነ እንተ ፈረድኩ ኸኣፍርደይ ሓቂ እዩምስክር ክልተ ሰብሲ ሓቂ ምዃኑ ኣብቲ ሕግኹም ጽሑፍ አሎኣነ እየ ብናይ ርእሰይ ዝምስክር ዘሎኹ፡ እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይውን ይምስክረለይ አሎ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣቦኻኸ ኣበይ አሎበልዎየሱስ ድማ፡ ንኣይ ወይስ ነቦይ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ንኣይ እንተ ትፈልጡኒ ግና፡ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም፡ ኢሉ መለሰየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ጥቓ ሳጹን ምጽዋት ኰይኑ ኺምህር ከሎእዚ ቓልዚ ተዛረበ። ግናኸ ጊዜኡ ገና ስለ ዘይበጽሔዝሐዞ የልቦንስለዚ የሱስ ከም ብሓድሽኣነ እኸይድ አሎኹ፡ ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ብሓጢኣትኩም ከኣ ክትሞቱ ኢኹም። ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ በሎምሽዑ ኣይሁድናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ ምባሉስ፡ ንነፍሱ ደዀን ኪቐትላ ኢሉበሉ። ንሱ ኸኣንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹምኣነ ኻብ ላዕሊ እየ። ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹምኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንኩንኣነ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩምብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም እሞስለዚ እየ፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም። ሽዑ ንሳቶም፡ ንስኻ መን ኢኻበልዎየሱስ ከኣ፡ ኣነ እቲ ኻብ ቀደም እነግረኩም ዝነበርኩ እየ። ብዛዕባኹም ዝዛረቦን ዝፈርዶን ብዙሕ አሎኒ። እቲ ዝለአኸኒ ግና ብዓል ሓቂ እዩካብኡ ዝሰማዕክዎ ንዓለም እነግር አሎኹ፡ በሎም። ንሳቶም፡ ብዛዕባ ኣቦ ኸም እተዛረቦምኣይፈለጡንስለዚ የሱስንወዲ ሰብ ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር፡ ኣነ ምዃነይን ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብርን፡ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም። እቲ ዝለአኸኒ ኸኣ ምሳይ አሎኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ እሞበይነይ ኣይሐድገንን እዩ፡ በሎም። ንሱ እዚ ምስ ተዛረበብዙሓት ብእኡ አመኑስለዚ የሱስ ነቶም ብእኡ ዝአመኑ ኣይሁድንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩምብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም። ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፡ ባሮት ኰይንና ተገዛእናዮ ከቶ የብልናንከመይ ኢልካ ኢኻ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እትብለና ዘሎኻ፧ ኢሎም መለሰሉየሱስ መለሰሎም፥ ብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹሓጢኣት ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሓጢኣት እዩባርያ ኸኣ ኣብ ቤት ንዅሉ ጊዜ ኣይነብርንውሉድ ግና ንዅሉ ጊዜ ይነብር እዩ። ስለዚ ወዲ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩምብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም። ንስኻትኩም ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምሲ እፈልጥ አሎኹ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይኣተወ ግናክትቀትሉኒ ትደልዩ አሎኹም፡ ኣነ ኣብ ኣቦይ ዝርኤኽዎ እዛረብ አሎኹ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ኣቦኹም ዝርኤኹምዎ ትገብሩ አሎኹም። ንሳቶም፥ ኣቦናስ ኣብርሃም እዩ፡ ኢሎም መለሱሉየሱስ ከኣውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም። ሕጂ ግና ንኣይ፡ ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነገርኩኹም ሰብኣይክትቀትሉኒ ትደልዩ አሎኹም፡ ኣብርሃም ከምዚ ኣይገበረንንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ አሎኹም፡ በሎም። ንሳቶም፥ ንሕናስ ካብ ምንዝርና ኣይተወለድናን ሓደ ኣቦ አሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ እዩ፡ በልዎየሱስ በሎምኣነ ኻብ ኣምላኽ እየ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩን እሞ፡ ንሱ ደኣ ልኢኹኒ እዩ እምበርባዕለይ ኣይመጻእኩን ስለዚ ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዚኸውንሲ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩምስለምንታይከ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይኰነልኩም እዩ። ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹምእታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ። ንኣይ ግናሓቂ ስለ ዝነገርኩኣይትኣምኑንንካባኻትኩም ብሓጢኣት ዚረትዓኒኸ መን አሎ፧ ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኰንኩኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ዘይትኣምኑኒ፧ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ኣይኰንኩምን እሞ፡ ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑኣይሁድ ከኣሳምራዊ ምዃንካ ጋኔንውን ከም ዘሎካስጽቡቕዶ ንብል ኣየሎናንኢሎም መለሱሉ። ሽዑ የሱስኣነስ ነቦይ ደኣ ኤኽብሮ አሎኹ እምበር፡ ጋኔንሲ የብለይንንስኻትኩም ከኣ ተሕስሩኒ አሎኹም። ኣነ ንርእሰይ ክብረት ኣይደልን እየ፡ እቲ ዚደልን ዚፈርድን ግና አሎቃለይ ዚሕሉ እንተሎ፡ ንዘለኣለም ሞት ከም ዘይርኢብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። ኣይሁድ ድማጋኔን ከም ዘሎካሕጂ ፈለጥናኣብርሃም እኳ ሞይቱ ነብያትውንንስኻ ግና፥ ቃለይ ዚሕሉ ንዘለኣለም ሞት ኣይጥዕምን እዩ ትብል አሎኻ። ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ ንስኻ ትዓቢነብያትውን ሞይቶምንርእስኻ መን ትገብራ አሎኻ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፥ ኣነ ርእሰይ እንተ ኣኽበርኩክብረተይ ፍረ የብሉንዜኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹምኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ ዝብል ከኣከማኻትኩም ሓሳዊ ምዀንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦቃሉውን እሕሉ እየ። ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተሕጐሰረኣያ እሞ ባህ በሎ፡ ኢሉ መለሰሎም። ኣይሁድ ከኣ ገና ሓምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ፡ ንኣብርሃምዶ ርኢኻዮ ኢኻ፧ በልዎየሱስ ከኣ፥ ኣነኣብርሃም ከይተወልደ፡ ከም ዘሎኹ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹበሎምስለዚ ኺድርብዩሉ እምኒ ኣልዐሉየሱስ ግና ተሐብኤ ኻብ ቤተ መቕደስውን ብማእከሎም ሐሊፉ ወጸ

Translation | Context
ዮሃንስ 8:7 | 7 Helpful votes

ደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላበሎም

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:8 | 7 Helpful votes

ሓጢኣት የብልናንእንተ በልናንርእስና ንጥብራ አሎናእታ ሓቂውን ኣባና የላን

Translation | Context