Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

getting rest


መዝሙር 127:2 | 21 Helpful votes

ኣንጊህኩም ምትንሳእኩምኣምሲኹም ምድቃስኩምእንጌራ ጻዕሪ ምብላዕኩም ከንቱ እዩ፣ እዝስ ንፍቁራቱ ደቂሶም ከለዉ ይህቦም እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 6:31 | 13 Helpful votes

ንምብላዕ እኳ ጊዜ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ ዚመጹን ዚኸዱን ብዙሓት ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም፡ ሓንሳእ ክትዓርፉ ንዑናይበሎም

Translation | Context
ምሳሌ 3:24 | 11 Helpful votes

እንተ ተገምሰስካ ኣይክትብህርርን ኢኻ፡ በጥ ክትብል ኢኻ፡ ድቃስካውን ኪጥዕም እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 4:9-11 | 10 Helpful votes

እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝአተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዓሪፉ አሎ እሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋቶም አላ። ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ክንኣቱ ንጋደል

Translation | Context
ዘጸአት 20:8-11 | 8 Helpful votes

መዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክርሹድሽተ መዓልቲ ዕየተግባርካ ዅሉ ግበርእታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየእግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳን

Translation | Context
ማቴዎስ 11:28-30 | 6 Helpful votes

ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑትኣርዑተይ ፈኵሽጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።

Translation | Context
ማቴዎስ 11:26-30 | 5 Helpful votes

እወ፡ ኣቦይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ስምረትካ ዀይኑ። ካብ ኣቦይ ኵሉ ተዋሂቡኒ አሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን ዚፈልጦ የልቦን። ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑትኣርዑተይ ፈኵሽጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።

Translation | Context
መዝሙር 4:8 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር፣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ፣ ብሰላም እግምሰስን እድቅስን አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 23:2 | 3 Helpful votes

ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ

Translation | Context
ማርቆስ 2:27 | 2 Helpful votes

ሰንበት ደኣ እያ ምእንቲ ሰብ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብሲ ምእንቲ ሰንበት ኣይኰነን

Translation | Context
ኢሳይያስ 30:12-15 | 2 Helpful votes

ስለዚ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ ነዚ ቓል እዚ ንዒቕኩም፡ ኣብ ዓመጽን ኣብ ጐመጽን ተወኪልኩም፡ ንእኡ ጸግዒ እትገብሩስ፡ ስለዚ እዚ ኣበሳ እዚ ኸም ሓደ ኺወድቕ ዝቐረበ ነቓዕ፡ ከምቲ ብድንገትን ብቕጽበትን ዚፈርስ እተዘዘወ ነዊሕ መንደቕ ኪዀነኩም እዩ፡ ዕትሮ ስራሕ መሬት ከም ዚሰባበርኪሰባበር እዩ፡ ካብቲ ገልዑ እኳ ሓዊ ኻብ እቶን ዚጽሐሮ፡ ወይስ ማይ ካብ ሓጽቢ ዚቕድሖ ኸም ዘይርከብ፡ ብዘይ ምሕረት ኪሰባበር እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ኢሉ አሎ እሞ፡ ብምምላስኩምን ብምህዳእኩምን ክትድሕኑ ኢኹም፡ ሓይልኹም ኣብ ህድኣትን ኣብ ምውካልን ኪኸውን እዩ፡ ግናኸ ኣቤኹም

Translation | Context
ምሳሌ 24:30-34 | 2 Helpful votes

ኣነ ብግራት ሃካይ፡ ብናይቲ ኣኣምሮ ዜብሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ሐለፍኩ፡ እንሆ ድማ፡ ተዀርባ በቝልዎቈጥቋጥ ውሒጥዎ፡ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱልበይ ኣውዲቐ ኣብኡ ተመልከትኩ፡ ንእኡ ርእየ ድማ ትምህርቲ ረኸብኩቅሩብ ድቃስ፡ ቅሩብ ትኽስታ፡ ምእንቲ ኽትዐርፍ ቅሩብ ኣእዳውካ ምምስቃል፡ ሽዑ ድኽነትካ ገስጊሱንዴትካ ኸኣ ከም እተሰለፈ ሰብኣይ ይመጸካ

Translation | Context
ምሳሌ 23:4-5 | 2 Helpful votes

ሃብታም ክኸውን ኢልካ ኣይትጽዐርንጥበብካ ኣብኡ ኣይተውዕሎ። ከምቲ ንሰማይ ኣቢሉ ዚነፍር ንስሪ፡ ብርግጽ ኣኽናፍ የውጽእ እዩ እሞ፡ ኣዒንትኻዶ ናብቲ ዘየሎ ኸተውድቕ ኢኻ፡

Translation | Context
መክብብ 5:12 | 2 Helpful votes

እቲ ዓያዩ ብዙሕ ወይስ ሒደት እንተ በልዔጥዑም ድቃስ ይድቅስንሃብታም ግና ጽጋቡ ኣየደቅሶን

Translation | Context