ዝፈለጥኩላ መዓልቲ

ዝፈለጥኩላ መዓልቲ

ካብ ጽምኣተይ ዝረወኹላ
ኣእዳወይ ኣልዒለ ዝተቀበልኩላ
ንዓኻ ዝፈለጥኩላ
ዝረኸብኩላ ዓቢ ለዉጢ
ትባረኽ አታ መዓልቲ/2

ካብ ጥፍኣት ናብ ልምዓት
ካብ ዉርደት ናብ ክብረት
ካብ ምጉርምራም ናብ ምምስጋን
ካብ ምቑዛም ናብ ምዝማር
ዝኣተኹላ መዓልቲ ትኹነለይ ብርኽቲ/2

ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ
ካብ ጸድፊ ናብ በሪኽ
ካብ ዝምታ ናብ ወኻዕታ
ካብ ትዝታ ናብ ጭድርታ
ዝኣተኹላ መዓልቲ ትኹነለይ ብርኽቲ/2

ካብ ሞት ናብ ሂወት
ካብ ባርነት ናብ ሓርነት
ካብ ስእነት ናብ በረኸት
ካብ ጽምዋ ናብ ሕብረት
ዝኣተኹላ መዓልቲ ትኹነለይ ብርኽቲ/2

Posted by:
Helen BE
May 16, 2015

Share Share
0 Comments
451 Views

Comment
Be the first to post your comment!!

Othe videos