Video

SERMON

ልደት መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ

ብ ፓ. ዮሃንስ አስገደ Download | Comment Share Share

እቲ ኣብ ጸልማት ዚመላለስ ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዚነብሩውን ብርሃን ኣብርሃሎም። ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ፡ ንሓጐሶም ከኣ ኣዕቤኻዮ፡ ከምቲ ሓጐስ ቀውዕን ከምቲ ምርኮ ኺማቐሉ ኸለው ዚሕጐሱን፡ ከምኡ ኣብ ቅድሜኻ ይሕጐሱ።
ነርዑት ጾሩን ንበትሪ መንኲቡን ንስላዕ ገፋዒኡን ከም ብመዓልቲ ሚድያን ጌርካ ሰበርካዮ። ሰብ ኣብ ውግእ እተዐጥቆ ዘበለ ኣጽዋርን፡ ብደም እተዐለሰ ኽዳንን ኪነድድ፡ ሓዊ ድማ ኪበልዖ እዩ። ሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተውሂብና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኲቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩም፡ መካር፡ ብርቱኦ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ። ብፍርድን ብጽድቅን ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ምእንቲ ኼጽንዓን ኬቚማንሲ፡ ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብር እዩ።

ትንቢት ኢሳይያስ 9፡2-7

Posted by:
P. Yohannes Asghede
Dec 26, 2012

0 Comments
984 Views

Othe videos

Comment
Be the first to post your comment!!