ኣየመስግንን’የ

Posted on 2012-06-09 · 1203 · 0 · 1

107 resources uploaded

ኣየመስግንን’የ ጐይታ
ናይ ዕለት እንጌራ ብምምላኡ ኣብ ቤት
ካልኦት እናተወቕዑ ብሓለጊ ጥሜት፡
ኣየመስግንን’የ ጐይታ
እቶት እንተኻዕበተ ስራሕ ብምርካበይ
ካልኦት ክማህለሉ 'ናርኣያ ‘ዒንተይ፡
ኣየመስግንን’የ ጐይታ
ስለ ዘሎኒ ጥዕና ምስቲ ምሉእ ጉልበት
ካልኦት እንከለዉ ዓቕሚ ዝሰኣኑ ኣብ ዓራት ድኑሳት።
ፍጹም...ኣየመስግንን ስለ’ዞም ነገራት!

ግናኸ ጐይታ ከመስግነካ’የ
እታ ዘላትኒ ዝርካብ እንጌራይ
ስለ ዘካፍላ ንኻልኦት ብጾተይ፡
ከመስግነካ’የ
ስለ’ተን ህርኩታት ኣእዳወይ ዘይዓርፋ
ንድሌት ካልኦት ክመልኣ ዝነጥፋ፡
ከመስግነካ’የ
ስለ’ተን ጉልበተይ ዓስቢ ከይሓተታ
ዝጽዕራ ንኻልእ ክልግሳ ሩፍታ፡
እወ ስለዚ'የ ዘመስግን ዎ ጐይታ።

በታ ዘይትቕህም ፍቕርኻ ኣብ ውሽጠይ ዝነደደት
ለገስካኒ ልቢ ተማቓሊት
ሃብካኒ ናይ ምጻር ድሌት
መላእካኒ ብናይ ምንባር ዕግበት
ተመስገን ኣምላኸይ ስለቲ ቓላት ዘይገልጾ ውህበት!

1 comments

ከመይ ዝበለ ግሩም ግጥሚ! አምላኽ ይባርኽካ ኢርሚ
Other Poem