ፍትወይ!

Posted on 2012-03-23 · 966 · 0 · 1

32 resources uploaded

ፍትወይ የሱሰይ
እተፍቅራ ንነፍሰይ፣
ብርሃን ናይ ልበይ
መራሒ ህይወተይ፣
ዕጋበት ነፍሰይ
ትርጉም ምንባረይ፣

ፍትወይ ጽድቂ ህይወተይ
መድሓኒ ነፍሰይ፣
ተስፋይ ርስተይ
ተበጃዊ ህይወተይ፣
ፍጡን ረዲኤተይ
ሓይለይ መዝሙረይ፣

ፍትወይ ምንጪ ሰላመይ
መጸናንዒ ልበይ፣
ሓጎስ ናይ ነፍሰይ
ቅሳነት ኣእምሮይ፣
ዕረፍቲ ልበይ
እሙን ዓርከይ፣
ኣምላኸይ ጎይታይ
ንስኻ በይንኻ ኽበረሉ ህይወተይ።
ኣ …ሜ …ን !!!

1 comments

"ንስኻ በይንኻ ኽበረሉ ህይወተይ።" ኣሜን!!! ግሩም ግጥሚ።