ድሕነት

Posted on 2013-12-09 · 915 · 0 · 2

5 resources uploaded

ኣታ ምድሓን እትደሊ ዘለኻ ሰብ
ናብ የሱስ ምጻእ ኣይ ተንሰሓሕብ
ንምንታይ የሱስ መገድን ሓቕን ሂወት’ዩ
ብዘይ ብኣኡ ሂወት ኣይ ርከብን’ዩ

ኣነስ ወሲነ እየ እቲ ሓቁ ክነግረካ
ብዘይ የሱስ ተንቀሳቃሲ ሬሳ ኢካ
ህድእ ኢልካ ኣስተውዕል ነቲ ዝንገረካ
ሂወት ምስ ትርፉ ክህበካ ፈቲዩ ኣሎ ጎይታ
ሃየ ወስን ተቀበሎ ነቲ ዝጠቅመካ
ጓሂ ዘይወጽእ ጣዕሳ ከይኮነካ
ጎይታ የሱስ ዘይምቅባልካ
መጨረሽትኡ ናብ ሲኦል እዩ ዘውርደካ።

ስለዚ እቲ ሓቂ ስለዝሰማዕካ
ማንም የለን ዝሕተት ስለካ
ሸበድበድ በል ጸውዓዮ ንየሱስካ
ንሱስ ፈቲዩ ኣሎ ከጽድቀካ
ናይ ዘልኣለም ሂወት ክህበካ
ስድራቤት ኣምላኽ ክገብረካ
ንምንታይ? ዕረፍትኻ ስለ ዝደሊ ሰላምካ !
ንምንታይ? ዕረፍትኻ ስለ ዝደሊ ሰላምካ !

2 comments

· 2014-02-12
ኣሜን ገኒ ስኮር ጎይታ እሙን እዩ!

· 2014-02-11
Bሃኪ ባሪኪና ጎይታ ኣብዚሁ ይባሪኪ ቀቲሊዮ ኢለ ከታባባኣኪ ይፋቱ ኽንጥበ ኢና!!!!!!