“ ካብ ነገራት ነገረይ ኣልዒለ እጥምቶ ነቲ እተሰቕለ ”

Posted on 2012-10-18 · 1264 · 0 · 0

32 resources uploaded

ሸምቦታታን ማዕበላትን ክኸቦ ዙርያይ
ክህንደድ ኪቃጾ ከጥፍእ እምነተይ
ብኣኽራናት ባሳን ክድሃል ልበይ
የሱስ ስቕ ኣይብልን ክትጠፍእ ነብሰይ
ይትንስእ ክድግፍ ዝጀጀው ሓይለይ

ኣዝ:-
ካብ ነገራት ነገረይ ኣልዒለ እጥምቶ ነቲ እተሰቕለ
ከይሕለል ሓይሊ ዝረኽበሉ
ደገፍ ህይወተይ ምድሓን ዝርእየሉ
ኢየሱስ ከይሕለል ሓይሊ ዝረኽበሉ
ኢየሱስ ደገፍ ህይወተይ ምድሓን ዝርእየሉ

ተስፋታት ክስእኖ ካብ መዝገብ ልበይ
ምሕላል ቦታ ረኺቡ ከደንዝዝ ኣእምሮይ
ሕማም ናይ ሞት ይጓዝም ከውሕጥ ነብሰይ
ጎይታ ግና . . . ይተግሃለይ
ብልሒ ሞት ረጊጹ . . . ትንሳኤ ይእውጀለይ

ኣዝ:- ካብ ነገራት ነገረይ ኣልዒለ . . .

ንጉዓት ሰባት ርእየ ፍርሃተይ ክዓዝዝ
ኣዒንተይ ካብ ጎይታ ኣንፈተን ክዝብል
ካብ ምስዓብ እግዚኣብሄር ከድሕርሕር ክጅምር
ኣምላኽ ግን ይትንስእ ቅልጽሙ ይዝርግሕ
ሰጎግተይ የርሕቕ ኣጽዋሮም የምክን

ኣዝ:- ካብ ነገራት ነገረይ ኣልዒለ . . .

ኣዒንተይ ብሓዘን መከራ ክጽልምታ
ኣእዳወይ ናብ ላዕሊ ምዝርሕ ክርብርባ
ብርፍራፍ ንኽዕንገል ኣእጋረይ ክኹብልላ
ረዳእየይ ግን . . . ኣይገደፈንን
ህይወተይ ክሕሉ ይመልሕ ሰይፉ

ኣዝ:- ካብ ነገራት ነገረይ ኣልዒለ . . .
(መዘምራን መካነ ህይወት)

0 comments
Other Poem