ተመስገን ኣምላኸይ

Posted on 2013-11-25 · 786 · 0 · 0

5 resources uploaded

ካብ ሲኦል ምውራድ ዘድሓንካኒ ኣምላኸይ፣
እንተ ኣክበርኩካ ዶ፧ ዓብይካ፧
እንተ ወደስኩካ ዶ፧ ዓብይካ፧
እንተ ሰገድኩልካ ዶ፧ ዓብይካ፧
nከመስግነካ’የ ኣነስ ስለዝግብኣካ x(2)።

ዓቢ ኢካ ሰማይን ምድርን ፈጣሪ ፦
ንጉስ ነገስታት ኢካ ዘይተመርማሪ ፦
ኣልፋን ኦሜጋን ቀዳማይን ዳሕራይን ፦
ርሕሩሕ ደንጋጺ ዝነጥቅ ካብ ዘላለማዊ ዲንን ሓውን ፦

nእዚ ኣምላከይ ክንደይ ሰናይ’ዩ ፦
ፍቕሩ ዝገለጸለይ’ኮ ብመስዋእቲ እቲ ፍቑር ወዱ’ዩ ፦
ወንጌል ብስራት ብምቅባለይ፦
ሰላም : ሓጐስ : ዘልኣለማዊ ሂወት እኮ’ዩ ኮይኑለይ ፦
ኣቤት ሃሌሉያ ተመስገን ኣምላኸይ።
ኣቤት ሃሌሉያ ተመስገን ኣምላኸይ።

0 comments