ይኣኽለኒ 'ዩ ኢለ !

Posted on 2012-07-13 · 1277 · 0 · 1

32 resources uploaded

ካብ ኣዳም እንድየ ተወሊደ
ርስቲ ሓጢኣት ወሪሰ
ሓጥእ-ባህሪ ሒዘ
ብመገዲ ሰብ ተጓዒዘ
ናብ ሞት ገስጊሰ
እንታይ’ከ ፈሊጠ !

ግናኸ ብምሕረትካ ተረኺበ
መድሓኒየይ ፈሊጠ
ጽድቂ ተቐቢለ
ናብ ህይወት ተሳጊረ
ንኣኻ ኣምላኸይ ረኺበ
ካልእ ዘድልየኒ የለን ኢለ።

ንኣኻ ብምርካበይ ዓጊበ
ብጸጋኻ ኹሉ ኽኢለ
መንፈስ ቅዱስካ ተቐቢለ
ካብቲ ባህሪኻ ተማቒለ
ብዙሕ ፍረ ካባኻ ፈርየ
ይኣኽለኒ ምባል ተማሂረ።

ብበረኸት ሰማይ ተባሪኸ
ተመስገን ኩሉ ካባኻ ረኺበ
ብወድኻ የሱስ ተመሊአ
ብእኡ ኹሉ ሰናይ ዝኾነ
እዚ ብሉጽ ህያብካ ተቐቢለ
ንሱ(የሱስ)በይኑ ይኣኽለኒ’ዩ ኢለ!

(መዝሙር ዳዊት 73: 25)

1 comments

ኣሜን!
Other Poem