...ቀደም፡ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ከም ስቑል ኰይኑ ተስኢሉ ነበረ።... (ገላ.3:1)
ሓደ ሰብኣይ ንኸልቡ ይዕልሞ ነበረ። ካብቲ ክዕልሞ ዝደለዮ ነገራት ሓደ ድማ፡ እቲ ከልቡ ዝኾነ ዓይነት መግቢ ኣብ ቅድሚኡ ይሃሉ ንኽበልዕ ከይተፈቕደሉ ክበልዕ ከምዘይብሉ እዩ። ታዕሊሙ ምስ ወድኤ ክሳዕ ክንደይ ምእዙዝ ከምዝኾነ ንኽፍትኖ ዝብላዕ መግቢ ኣብ ቅድሚኡ ኣንበረሉ። እቲ ከልቢ ግና ነቲ ዝብላዕ መግቢ ምጥማት ሓዲጉ፡ ትእዛዝ ክሳዕ ዝቕበል ናብ ጐይታኡ ጥራይ ጠመተ። ናብቲ መግቢ እንተዝጥምት ኔሩ ካብ ምብላዕ ንኽቑጠብ መጸገሞ ኔሩ። የዒንቱ ናብ ጐይታኡ ጥራይ ብምግባሩ ግና ካብቲ ክመጽኦ ዝኽእል ናብ ውድቀት ዝመርሕ ፈተና ኣድሓኖ። ንሕናኸ ክንደይ ጊዜ ኾን ይኸውን ብሰንኪ ናብቶም ዘጋጥሙና ፈተናታትን ማዕበላትን ጥራይ ብምርኣይና ንርእስና ወዲቓ ዝረኸብናያ?
ሰብ ገላትያ ንክርስቶስ ኩሉ ጊዜ ከም ስቑል ኮይኑ ኣብ ቅድሚ የዒንቶም ስኢሎሞ እዮም ዝመላለሱ ኔሮም። ጸኒሖም ግና ካብ የዒንቶም ስለ ዘርሓቕዎ ንሓቂ ካብ ምእዛዝ ዘንቢሎም ሃይማኖታዊ ብዝኾነ ስርዓት ክመላለሱ ጀመሩ። ጳውሎስ ድማ በዚ ክነቕፎም ከሎ ንርኢ። ኣብ ዕለታዊ ናብራና ንክርስቶስ ከም ስቑል ኣብ ቅድሚ የዒንትና እንተ ጌርናዮ ንዘጋጥሙና ፍተናታን ብዓወት ከም እንወጽኦም ኣይንዘንግዕ። ስለዚ እዩ ድማ ዳዊት “ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ፡ ብየማነይ ስለ ዝኾነ፡ ኣይክናወጽን እየ።” ዝበለ። (መዝ.16:8)
ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ኩሉ ጊዜ ንዓካ ኣብ ቅድመይ ብምግባር ክመላለስ እዩ። የዒንተይ ድማ ካብቲ ፈተና ዝኻነንን ከም ማዕበል ኮይኑ ከጥሕለኒ ዝደሊ ነገራትን ኣልዒለ ናባኻ ክገብረን እየ። ንስኻ ምሳይ ስለ ዝኾንካ ድማ ንኹሉ ብዓወት ክሰግሮ እየ እሞ ኤመስግነካ ኣለኹ። ብስም የሱስ ኣሜን!