መዓልቲ ምስጋና (Thanksgiving Day) [Sunday 22nd Oct 2023]

Posted on 2023-10-22 · 594 · 0 · 0

107 resources uploaded

እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ። 1ተሰ.5:18

እዛ ሓሙስ እዚኣ (ራብዓይቲ ሓሙስ ናይ ወርሒ ሕዳር) ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ መዓልቲ ምስጋና (Thanksgiving Day) እያ። መበቆል ናይዚ በዓል ዋላኳ ካብቶ ቀዳሞት ኣብ ኣሜሪካ ዝሰፈሩ ኢንግሊዛውያን ዝጅምር እንተኾነ፣ ንመጀመርታ እዋን "ምስጋናን ክብርን ነቲ ኣብ ሰማያት ዝነብር ርሕሩሕ ኣቦና" ብምባል ሃገራዊ በዓል መዓልቲ ምስጋና ክትኸውን ዝኣወጀ ፕረሲደንት ኣብርሃም ሊንኮን ብ1863 እዩ። እንተኾነ ግና ኣብዚ እዋን እቲ ዝበዝሔ ህዝቢ ኣሜሪካ በዚ ርድኢት የብዕሎ ኢለ ኣይኣምንን። ተረዲኡካ በዛ ዕለት እዚኣ ንኣምላኽ ምምስጋን ሰናይ እዩ። ግን ስለምንታይ ኢና ንእግዚኣብሄር ከነመስግኖ ዘሎና? መዓስን ብኸመይን ኢናኸ ነመስግኖ?

ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብለና፡ "እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፣ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፣ ኣመስግንዎ።" (መዝ.118:1) "...ንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ አመስግንዎ...ብድምጺ መለኸት ኣመስግንዎ፣ ብበገናን መሰንቆን ኣመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ኣመስግንዎ...ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል ኣመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ።" (መዝ.150)

ስለዚ ነዚ ኣምላኽ እዚ ኣብ ዓመት ሓንቲ ናይ ምስጋና መዓልቲ ብምእዋጅ ጥራይ ኣይኮንናን ከነመስግኖ ዘሎና፡ ዕለት ዕለት እንበር። ጽቡቕ ነገር ስለ ዝረኸብና ጥራይ እውን ኣይኮነን፡ ኣብ ኩሉ ኩነታት እንበር። ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር ኩሉ ጊዜ የመስግኖ።

ጸሎት: ዎ ኣምላኽ ንስኻ ሰናይ ኢኻ፡ ምሕረትካ ድማ ንዘለኣለም እዩ ዝነብር። ኣታ ልዑል፡ ንግሆ ሳህልኻ፡ ለይቲውን እምነትካ ምውራይ፡ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገናን ብጭራን ብምውቃዕ መሰንቆን ምምስጋን፡ ንስምካ ድማ ምዝማር ሰናይ እዩ እሞ ኣብ ዘመን ህይወተይ ከመስግነካ እዩ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments