መዓልትታትና ንቑጽር [Sunday 18th Apr 2021]

Posted on 2021-04-18 · 505 · 2 · 0

74 resources uploaded

ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና። መዝ.90:12

ቃል ኣምላኽ ከምዝነግረና ኩለን መዓልትታትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቁጽራትን ፍሉጣትን እየን። ብተወሳኺ ግና ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብ መዓልትታትና ክንቆጽር ኣሎና። ስለዚ እዩ ድማ እቲ ዘማሪ “ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና።” ዝበለ።

ብኸመይ ኢና መዓልትታትና እንቖጽር? መዓትታትና ንኽንቖጽር ሰለስተ ክንገብሮም ዝግብኣና ነገራት ኣለዉ ይብል። ቀዳማይ-ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣምላኽ ዝገበረልና ነገር ምዝካር፡ “ነፍሰይ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፡ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ” መዝ.103:2። ካልኣይ ድማ ነቲ ሕጂ ኣምላኽ ዝገብሮ ዘሎ ነገራት ምርዳእ እዩ። ህይወትና ኣብ ሕሉፍ ነገር ጥራይ ተሰሪታ ክትተርፍ የብላን። ኣብ ናይ ሕጂ ህይወት ክንነብር ኣሎና። ሳልሳይ ድማ ኣብ መጻኢ ካብ ኣምላኽ ሓድሽ ነገራት ምጽባይ እዩ። እቲ ዝሓለፍናዮ ነገራት ነቲ እግዚኣብሄር ዝገብሮ ሓድሽ ነገር ንኽንቕበል ከም መሳልል ጌርና ክንጥቀመሉ ይግብኣና። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣምላኽ ዝረድኣና እናዘከርና ንሕጂ ዝኸውን ረድኤትን ንጽባሕ ዝኸውን ተስፋን ዘለዎ ኣምላኽ ምዃኑ ፈሊጥና ብእኡ ንዕረፍ። ጥበበኛ ልቢ ክህበና ድማ ንለምኖ።

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ነቲ እተገብረለይ ሰናይ ነገራት ኣይክርስዖን እየ። ንስኻ ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ ነገራት እትገብር ኣምላኽ ኢኻ እሞ ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ክረክብሲ መዓልቲታተይ ክቖጽር መሃረኒ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments