ገበኑ ዚኽውል ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ። (ምሳ.28:13)
ሓያሎ ጊዜ ንገበንና ወይ ሓጢኣትና እንኽውለሉ መገዲ ነቲ ዝገበርናዮ ሓጢኣት ካልእ ስም ክንህቦ ስለ እንፍትን እዩ። ከምዚ ዚብል ዛንታ ኣሎ: ሓደ እዋን ናይ ቻይና ገዛኢ ዝነበረ ንድሙኡ ስም ከውጽኣላ ደለየ። እቶም ኣማኸርቱ ድማ “ንስኻ ዓቢ ንጉስ ስለ ዝኾንካ እዛ ድሙኻ ድማ ዓቢ ስም ክወሃባ ኣለዎ” በልዎ። ስለዚ ድማ ጸሓይ ትበሃል በሉ። “ጽቡቕ ኔሩ እንተኾነ ግና ንጸሓይ ደመና ይጋርዳ እዩ’ሞ ካብ ጽሓይሲ ደመና ይሕይል” በሎም። ደመና ከይብልዋ ድማ ንደመና ንፋስ ይብትኖ እዩ ተባህለ። ንንፋስ መንደቕ ይጋርዶ እዩ እሞ መንደቕ ይኹን ስማ በሉ። ንሱ ድማ ትቕብል ኣቢሉ “ንመንደቕ ድማ ኣንጭዋ ትፍሕሮ እያ በሎም።” ኣብ መወዳእታ እሞኸደኣ ነዛ ዱሙ ኣንጭዋዶ ክንብላ ኮይኑ? ቅኑዕ ስማ ደኣ ንሃባ ኢሉ “ዱሙ” በላ ይበሃል።
ስለዚ ድማ ንሕና ንሓጢኣት ሓጢኣት ኢልና ክንጽውዖ እንተ ዘይኪኢልና ክንናዘዝ ኣይኮነልናን እዩ። ንሓጢኣትና እንተ ዘይተናዚዝና ድማ ምሕረት ኣይንረክብን ኢና: ነገርና ድማ ኣይሰልጥን።
ሓጢኣት-
ንኣምላኽ የሕዝን:
ንምሕረት ይዕምጽ:
ንጸጋ ይንዕቕ:
ብይቕሬታ የላገጽ:
ንኣምልኾ የርስሕ:
ንኣገልግሎት የድክም:
ንሕብረት ድማ ይዕንቅጽ።
ስለዚ ንሓጢኣትሲ ሓጢኣት ደኣ ንበሎ እሞ ንነስሓሉ።
ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ንዓኻ ዘሕዝን ነገር ኩሉ ሓጢኣት እዩ። ብዘይ ኣሸላሻል ሓጢኣት ኢለ ክሰምዮ ድማ ርዳኒ። ንኹሉ ገበነይን ኣበሳይን ካብ ቅድሜኻ ኣይክሓብኦን እየ'ሞ ምሕረትካ ኣብዝሓለይ። ብስም የሱስ ኣሜን!