ንኣምላኽ ነዕብዮ [Sunday 22nd Jan 2023]

Posted on 2023-01-22 · 825 · 8 · 1

107 resources uploaded

ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኣዕብይዎ፡... መዝ.34:3

እግዚኣብሄር ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ ክንሓስብ እንከሎና መግለጺ ቃላት ክንስእንሉ ንቡር ካይኑ ይስምዓኒ። ብዛዕባ ዕቤት ጠፈር ጥራይ ምሕሳብ ንባዕሉ ኣኻሊ እዩ። እሞኸ ደኣ ከመይ ኢልና ኢና ነዚ ዓቢ ኣምላኽ ንሕና እነዕብዮ? 'ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኣዕብይዎ' ማለትከ እንታይ ማለት እዩ?

ሳይንስ፡ ብፍላይ ድማ ባዮሎጂ ክትመሃር እንከለኹ ማይክሮስኮፕ (መጉልሒ-መነጽር) ብተደጋጋሚ ኢኻ ትጥቀመሉ። እዚ መጉልሒ መነጽር ድማ ነቲ ብዓይንኻ ዘይርኣይ ፍጥረት ምስ ኩሉ ደቀቕቲ ክፍልታቱ ኣጉሊሑ እዩ ዘርእየካ። ንሓደ ነገር እንተ ኣዕቢናዮ እቲ ብቐሊሉ ክርኤ ዘይክእል ነገራቱ ከም ዝርኤ ኢና እንገብሮ።

ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽን ንተግባራቱን ዝርኢ የዒንቲ የብሎምን። ንኣምላኽ ምዕባይ ማለት እንበኣር፡ ብሓደ ሸነኹ፡ ባህሪያት ኣምላኽ ብምንጽብራቕ ንቶም ንኣምላኽን ንባህርያቱን ምርእይ ዝሰኣኑ ሰባት ንኣምላኽ ከም ዝርእይዎ ምግባር ማለት እዩ። ፍቕሪ ኣምላኽ ምርኣይ ንዝሰኣኑ ሰባት ፍቕሪ ነርእዮም፡ ምሕረት ኣምላኽ ምርኣይ ንዝሰኣኑ ሰባት ምሕረት ነርእዮም፡...። ስለዚ እዩ ድማ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ዝብለና “ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።” ማቴ.5:6

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ኣብዛ ብሓጢኣት ዝጸልመተት ዓለም ናትካ ብርሃን ብምብራህን ባህሪኻ ብምንጽብራቕን ከዕብየካ ድሌተይን ሃረርታ ልበይን እዩ’ሞ ነንዕለቱ ዝኸውን ጸጋኻ ሃበኒ። ኣሜን!

1 comments

Bless you !