ደም እቲ ገንሸል

Posted on 2017-04-25 · 1420 · 0 · 0

1 resources uploaded

KJC
pg. 1
ደም ናይቲ ገንሸል
ኣብዚ እዋን እዚ ክርስትያናት ካብ ብዘሎ ሰማያት ናብ ብዘሎ ምድሪ ንዘጠቃልል ኣድማስ ኣብ ኣዝዩ ዓብዪን ሓያልን ዝኾነ መንፈሳዊ ውግእን ተጸሚዶም ይርከቡ። እቲ ውግእ ድማ ኣብ መንጎ ሓይልታት ሰላም ናይ ኣምላኽ በዚ ሓደ ወገንን፡ ሓይልታት እከይ ናይ ድያብሎስ በቲ ሓደ ወገንን እዩ። ድያብሎስ ሊቀ መላእኽቲ ነበር ክነሱ ብትዕቢት ርእሱ ተሓቢሉ ንገለ መላእኽቲ ምስኡ ናብ ዕልዋ ኣንጻር መንግስቲ ኣምላኽ ኣእትዩ ናይ ባዕሉ ተሃላላኺ መንግስቲ ኣቆመ። ቅዱስ ጽሑፋት ድማ ንድያብሎስ ከም ድራጎን፡ ቀታል ነፍሲ፡ ገበል፡ ሓሳውን፡ ሰራቕን ብዝብሉ ኣስማት የለልዮ። ድያብሎስ ን ኣምላኽን፡ ዕላማታት ኣምላኽን፡ ህዝቢ ኣምላኽን ብምጽራር፡ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ዕላማታት ኣንጻር ህዝቢ ኣምላኽ ተሰሊፉ ይርከብ። ንሳተን ድማ፡ ስርቂ፡ ቅትለት፡ ዕንወት እየን።
ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን እቲ ደስ ዘብል ዜና ወንጌል ክርስቶስ ብሞቱ ኣብ መስቀል፡ ኣብ ክንዲ ኩላትና ኮይኑ ንድያብሎስ ብክልተ ዓበይቲ መሰረታዊ መገድታት ስዒርዎ። ቀዳማይ ንዓና ካብ ምንጪ ኩሉ ሓጢኣት ሓራ ኣውጺኡ ሕሉፍ ሓጢኣትና ይቕረ ብምባሉን፡ ካልኣይ ድማ ብዘይ ግብሪ ሕጊ ነቲ ብእምነት ዝርከብ ጽድቂ ኣምላኽ ንዓና ብምሃብን እዩ። በዘን ክልተ እዚኣተን ድማ የሱስ ንድያብሎስ በታ ኣንጻርና ዘቕንዓ “ገበነኛ” እትብል ቀንዲ ኣጽዋሩ ገይሩ ከልከሎ።
መንፈሳዊ ኣጽዋር ውግእ (spiritual weapon)
ክርስቶስ እዚ ጥራይ ኣይኮነን ገይሩ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ድያብሎስ ዝፈጸሞ ዓወት ንኽንደግሞን ከነመሕእድሮን ነቶም ብእኡ እንኣምን ዘበልና ኩላትና ኣብ ኣእዳውና መንፈሳዊ ኣጽዋር ውግእ ኣዕጢቑና። “ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡ ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኲሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና” (2ቆሮ 10፡4-5)። ከም ዝብል እቶም ብኣምላኽ ዝተቐረቡልና መንፈሳዊ ኣጽዋር ውግእ መለኮታዊ ሓይሊ ዘለዎም ኮይኖም ብእኡ ማለት ብኣምላኽ ጥራይ ሓይሊ ዝህልዎም እዮም። እዞም ኣምላኽ ዝሃበና ኣጽዋር እዚኣቶም ብእምነትን ኣብ ኣምላኽ በይኑ ብምውካልን፡ ክንዓየሎምን ከንሰርሓሎምን ምስ እንጅምር እቲ ብሉጽን ብርቱዕን ዝኾነ ሓይሊ ኣምላኽ ኣባና እንኣምን ይፍጸም።
ኣብቲ ምስ ድያብሎስ እነካይዶ ውግእ ድማ፡ ድያብሎስ በየናይ ወገን የጥቕዓና ኾን ይኸውን እናበልናን እናሓሰብናን ድሕሪ ግንባር ውግእ ተቐሚጥና ተኸላኸልቲ (defencive) ክንከውን ዘይኮነስ፡ እቶም ብኣምላኽ እዝተዋህቡና ኣጽዋር ውግእ ሒዝና ኣብቲ ውግእ ንቅድሚት (ናብ ዓውደ ግንባር) እናወጻእና ንጽኑዕ ዕርድታት ድያብሎስ ከነፍርስ ይግብኣና። ልኡምነት ወይ ዘይንጡፍነት ከነወግድ ይግብኣና። “ከመይ ጌረ’ሞ ክቃለስ እየ?” ዝብል ሓሳብ ድያብሎስ ኣብ ኣእምሮና ዘቐምጦ ሓሳብ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ግዜና ብብዙሕ ወገንና ድኹማት እኳ እንተነበርና “ኣምላኽ ግና፡ ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ፡ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሓረየ። ስጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕውን፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣነ ገለ እየ፡ ዚብል ከንቱ ምእንቲ ኺገብር፡ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኰነን ሓረየ።” 1ቆሮ 1፡27-29 በቲ ማእለያ ዘይብሉ ጥበቡ ገይሩ ንኸማና ድኹማትን፡ ዘይብቁዓትን ህዝቢ ብምምራጽ ንመንግስቲ ድያብሎስ ካብ
KJC
pg. 2
ስልጣኑ ንምግልባጥ ኣቆመና። ትብዓትናን ርጉጽነት ዓወትናን ድማ ኣብቲ ኣምላኽ ዝሃበና ኣጽዋር እምበር፡ ካብ ርእስና ኣይኮነን። “መንፈሳዊ ኣጽዋር ውግእ ግና እንታይ እዮም?” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከቡ ጽሑፋት ዘረጋግጹልና ሓደ፡ ኣብ ራእ 12፡10-11 ዝርከብ ኮይኑ ከምዚ ይብለና፡ “አብ አብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድመጺ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ አምላኽናን ዝኸሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ኹይኑ ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡእ እዩ ክብል ከሎ ሰማዕኩ። ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ሰዓርዎም ፡ ንህይወቶም ውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን።” ኣብዚ ንድያብሎስ ከም ድራጎንን፡ ገበልን ይሰምዮ።
እቲ ወሳንን ወግዓውን መግለጺ ኣብዚ ዘንበብናዮ ሓሳባት ግና እቲ “ሰዓርዎ” ዝብል ሓሳብ’ዩ። ኣብዚ እቲ ግሉጽ ዝኾነ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ምስ ጸላኢ ዘካየድዎ ውግእ ንምልከት። ኣብዚ ከም እነንብቦ ኣብቲ ቃልሲ ኣጽዋር ውግኦም “ደም እቲ ገንሸልን”፡ “ቃል ምስክርነቶምን” እዩ ነይሩ። ብተወሳኺ ድማ ኣብቲ ውግእ ነፍሶም ክሳዕ ሞት ወፍዮምዋ። ነዛ ጽሕፍቲ ብቅልል ዝበለ ምስ እንትርጉማ፡ ንሰይጣን እነውድቐሉ ምስጢር ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ደም የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ንዝብሎ ነገር ምእዋጅ እዩ። እዘን ሰለስተ መሰረታውያን ኣጽዋር ማለት “ደም የሱስ”፡ “ቃል ኣምላኽ”፡ “ናይ ውልቂ ምስክርነት” ምስ እንጥቀም ነቶም ኣጽዋር ኣድማዕቲ ንገብሮም። ስለዚ ንደም የሱስ ኣጸቢቕና መታን ክንጥቀመሉ ኣቐዲምና ቃል ኣምላኽ ብዛዕባኡ እንታይ ይብል ክንፈልጥ ይግብኣና።
ገንሸል ፋስጋ (the Passover lamb)
“ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይስ ወርቂ፡ ከም ዘይደሓንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም” (1ጴጥ 1፡18-19)። እዚ ጽሑፍ እዚ ንክርስቶስ ምስ ገንሸል ፋስጋ ከወዳድሮ ንረኽቦ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ደም ናይቲ ገንሸል ፋስጋ ኣብ ልዳት ኣባይቲ እስራኤላውያን ክልከ ንረኽቦ። ኣቦ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ድማ ሓደ ገንሸል ሓሪዱ፡ ነቲ ደም እቲ ገንሸል ኣብ ሸሓኒ ብምእካብ ዕትርቲ ጨንፈር ስምዕዛ (hyssop) ኣብቲ ሸሓኒ ብምጥላቕ ነቲ ልዳውቲ እቲ ቤት ይለኽዮ ነበረ። በዚ ድማ እቲ ጨንፈር ስምዕዛ (hyssop) ኣዝዩ ጠቃሚ ነበረ፡ ምኽንያቱ ድሕሪ ምልካይ ኣብቲ ሸሓኒ ዝተርፍ ደም ጥቅሚ ስለዘይህልዎ። እቲ በቲ ጨንፈር ስምዕዛ ኣብቲ ልዳውቲ ዝተለኽየ ደም ግና ነቲ ስድራ ይከላኸለሉ ነበረ። “ዕትርቲ ስምዕዛ ውሰዱ፡ ኣብቲ ኣብ ጭሔሎ ዘሎ ደም ከኣ ጥምዕዎ፡ ነቲ ላዕላይ ልዳትን ንኽልቲኡ ቀዋሚ ልዳትን በቲ ኣብ ጭሔሎ ዘሎ ደም ልኸይዎ። ክሳብ ብጊሓት ድማ ካባኻትኩም ሓደ ሰብ እኳ ካብ ኣፍ ቤቱ ኣይውጻእ” (ዘጽ 12፡22)። ኣብዚ እዋን ድማ “ዕትርቲ ስምዕዛ” ናትና ምስክርነት እዩ። ሎሚ ድማ ኣብቲ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ደም የሱስ ዝብሎ ነገር ክንምስክርን ክንእውጅን ኣብ እንጅምረሉ እዋን ልክዕ ከምቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝገብርዎ ዝነበሩ፡ ንሕና ድማ ነቲ ደም ካብቲ ሸሓኒ ብምውሳድ ኣብ ህይወትና ክንነጽግ ንጅምር።
ምድሓንን (ምብጃውን) ሕድገት ሓጢኣትን (Redempion and forgiveness)
ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን 1፡7 “ብእኡ ብደሙ ምድሓን ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ ሕድገት ሓጢኣት ኣሎና” ኢሉ። ክቡራት ኣሕዋት ኣብዚ እቲ “ምድሓን” ኢልዎ ዘሎ ቃል፡ ብእንግሊዘኛ ሪደምፕሽን “Redemption” ይብሎ። “Redemption” ማለት ከኣ ቃል ብቓሉ ንሓደ ተሸይጡ ዝነበረ ነገር ከም ብሓድሽ ምዕዳግ ማለት እዩ። ጳውሎስ ኣብዛ ልዒላ ዝርኣናያ ጥቅሲ ብደም የሱስ ክርስቶስ ዝተቐረበልና ክልተ ኣገደስቲ ነገራት ተዛሪቡ ንረኽቦ። እቲ ቀዳማይ ምድሓን ማለት ካብቲ ሰብ ብገዛእ ፍቃዱ ተገዚእዋ ዝነበረ ኣርዑት ሓጢኣት ከም ብሓድሽ ምዕዳግ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ሕድገት ሓጢኣት ማለት፡ እቲ ሰብ ናይ ዝገበሮ ሓጢኣት ምሕረት እዩ።
KJC
pg. 3
እዞም ብነጻ ዝተቀረቡልና ክልተ ኣገደስቲ ነገራት ግና ኣብ ህይወትና ኣድማዕቲ ዝኾኑሉ ምስጢር ናትና ብቁዕ ዝኾነ ተቀባልነት ዘለዎ ምስክርነትን ምእዋጅን እዩ። መዝሙር ዳዊት 107፡2-3 ምስ እንርኢ “እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም ካብ ኢድ ገፋዒ እተበጀዎም፡ ካብ ሃገራት፡ ካብ ምብራቅን ምዕራብን፡ ካብ ሰሜንን ደቡብን ዝኣከቦም ከምዚ ይበሉ’’ ዝብል ሓሳብ ንርኢ። እቲ “ይበሉ” ዝብል ጽሑፍ ንሕና ንእውጆን ንምስክሮን ነገር ምዃኑ የርእየና። ስለዚ ብድፍረት “ኣነ ካብ ኢድ ድያብሎስ ብደም እቲ ገንሸል ‘ክርስቶስ’ እተዓደግኩ እየ” ኢልና ክንእውጅ ይግብኣና።
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝርኤናዮ “to redeem” ማለት ምብጃው ወይ ከኣ ንሓደ ካብ ኢድካ ጠፊኡ ዝነበረ ነገር ከም ብሓድሽ ምዕዳግ ማለት ኮይኑ፡ ንሕና ሓደ እዋን ሓጥኣን ዝነበርና ኣብ ዕዳጋ ድያብሎስ ድማ ንመሸጣ ተሰሪዒና ዝነበርና ኴንና፡ ክርስቶስ ግና ናብቲ ዕዳጋ ብምውራድ በቲ ክቡር ደሙ ገይሩ ካብቲ ናይ ዲያብሎስ ዕዳጋ ዓዲጉና። እዚ ምሽያጥ እዚ ድማ ኣብ’ቲ ክርስቶስ ካብ ሓጢኣትና ይቅረ ዝበለልና ኩነት እዩ ዝምርኮስ።
እቲ ክርስቶስ ዝገበረልና ናይ ምሽያጥ (ምዕዳግ) ግብርን፡ ናይ ሓጢኣት ምሕረትን ነገር ኣብ ህይወትና ውጽኢታዊ ዝገብሮ እንኮ መገዲ ግና ናትና ውልቃዊ ምስክርነትን ኣዋጅን እዩ። ክቡራት ኣሕዋት ከምዚ ኢልና ድማ ክንእውጅ ይግብኣና፡ “ብደም የሱስ ክርስቶስ ሕድገት (ምሕረት) ሓጢኣት ረኺበ፡ ብደም የሱስ ክርስቶስ ድማ ካብ ኢድ ዲያብሎስ ተዓዲገ እየ”። እዚ ኣዋጅ ብኸናፍርና ምስ እንእውጆ ልክዕ ከምቲ “ዕትርቲ ስምዕዛ” ነቲ ደም የሱስ ክርስቶስ ካብቲ መለኮታዊ ዓለም ወሲድና ናብ ዕለታዊ ህይወትና እናነጸግናዮ ንመጽእ።
ምንጻህ (cleansing)
እዚ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ወሳንን ኣድላይን ዕዮ ደም የሱስ ካብ ሓጢኣትና ምንጻህ እዩ ነይሩ። እዚ ብደም የሱስ ዝረኸብናዩን ዝተቀበልናዮን ምንጻህ ካብ ሓጢኣትና ድማ 1ዮሃ 1፡7 ንረኽቦ “ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና፡ ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኲሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ።” ኣብዚ ጽሑፍ ምስ እንርእዮ ቀዳማይ ውጻኢት ናይ “ኣብ ብርሃን ምምለላስ” ንሓድሕድና ሕብረት ምህላው ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ውጻኢት ድማ ምንጻህ ካብ ሓጢኣትና እዩ።
ኩሎም እዞም “ምምልላስ”፡ “ሕብረት ምግባር”፡ “ምንጻህ” ዝብሉ ሰለስተ ቃላት (ግስታት) እዚኣቶም፡ ናይ ህልው ዘየቋርጽ ቀጻልነት (present continous) እዋን ወይ ከኣ ጊዜ የመልክቱ፡ ኣብ ሓደ እዋን ጥራይ ዘጋጥሙ ነገራት ዘይኮኑስ ቀጻሊ ክደጋገሙን ክሰዓቡን ዘለዎም ነገራት እዮም። ደም ክርስቶስ ብቀጻሊ ዘንጽሃና እንተደኣ ኾይኑ፡ ንሕና ብወገንና ብቀጻሊ ኣብ ብርሃን፡ ብምምልላስ፡ ንሓድሕድና ድማ ቀጻሊ ሕብረት ብምግባርን እዩ።
ወላኳ ደም የሱስ ከምዘንጽሃና እንተነገርና፡ እቶም መሰረታውያን ነገራት ማለት “ኣብ ብርሃን ምምልላስን ንሓድሕድና ሕብረት ምግባርን” እንተ ዘይስዒብናዮም ግና ኣይነጻህናን ኣሎና ማለት እዩ። ደም የሱስ ነቲ ኣብ ብርሃን ዘሎ ጥራይ እምበር ነቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ሰብ ኣየንጽሆን እዩ። ኣብ ብርሃን ኣለና’ዶ የሎናን እቲ ቀዳማይ መፈተኒ ድማ፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎናዶ የብልናን እዩ። እቲ ምስ ኣመንቲ ኣሕዋትን ምስ ጎይታን ዘሎና ሕብረት ኣጸቢቕና እንተደኣ ዘይንነብሮ ኴንና ግና ኣብ ብርሃን የሎናን፡ ኣብ ብርሃን እንተዘየሎና ድማ ደም የሱስ ንዓና ቀጻሊ ናይ ምንጻሕ ስርሑ ኣቋሪጹ ኣሎ ማለት እዩ።
እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ሕቶ ግና “ከመይ ኢልና ኢና ኣብ ብርሃን እንመላለስ፧” ዝብል ሕቶ እዩ። እቲ ቀዳማይ ኩነት ብምእዙዝነት ቃል ኣምላኽ ክንመላለስ ምስ እንጅምር እዩ። “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ
KJC
pg. 4
ብርሃን እዩ” (መዝ 119፡105)። እቲ ካልኣይ ድማ ንሓድሕድና ሕብረት ምስ ዝህልወና እዩ። እዚ ኣብ ኤፌ 4፡15 ተጠቒሱ ንረኽቦ “ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ንዕበ” ። ኣብዚ ጽሑፍ ምስ እንርኢ እቲ “ኣብ ብርሃን ምምልላስ” ዝብል ሓሳብ ንኣመንቲ ኣሕዋትና ብፍቅርን ብሓቅን ክንስዕቦምን ክንርእዮምን ብዝብል ሓሳብ ተተርጒሙ ንረኽቦ። ምስ ኣሕዋት ዘሎና ሕብረት ብሓቅን ብፍቅርን ከነዕብዮ ይግብኣና እዩ። ስለዚ ድማ “ኣብ ብርሃን ምምልላስ” ብኽልተ ዓበይቲ ነገራት ተጠሚራ ንረኽባ። እቲ ቀዳማይ ንቃል ኣምላኽ ብምእዛዝ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ምስ ኣመንቲ ኣሕዋት ብሓቕን ብፍቕርን ምምልላስ እዩ። እዚ ምስ እንስዕቦ ድማ ደም የሱስ ብርጒጽነት የንጽሃና ኣሎ ክንብል ንኽእል።
ሎሚ ደቂ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ገዚፍ ኣካላዊ (physical) ዓለም ዘሎ ብከላ ጥራይ ነቂሖም ንረኽቦም። ነገር ግን እቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ መንፈሳዊ ዓለም ብሓጢኣትን፡ ብልሽውናን፡ ርኹስ ነገርን ተበኪሉ ንረኽቦ። ካብ’ዚ ኹሉ እከይን ብልሽውናን ብቀጻሊ ከንጽሃና ዝኽእል እንኮ ሓይሊ ድማ ደም የሱስ ጥራይ እዩ።
እቲ ግቡእን ወሳንን ናይ ምንጻህ ረቛሒ ኣብ እንሕልወሉ እዋን ድማ ብርእሰ ተኣማንነት ከምዚ ኢልና ክንእውጅ ንኽእል፡ “ኣብ ብርሃን እመላለስ ስለዘሎኹ፡ ደም የሱስ ካብ ኩሉ ሓጢኣት የንጽሃኒ ኣሎን ከንጽሃኒውን እዩ!” እዚ ካብ ዝበልናሉ ህሞት ጀሚርና፡ ንኣምላኽ ከነመስግኖ ንጅምር። ምስጋና ኣብ ንጅምረሉ እዋን ድማ ጽሩይን ጽፉፍን ሓድሽ መገዲ ንጅምር።
ጸዲቕና (Justificaton)
እቲ ካልእ ዕዮን ቀረብን ደም የሱስ ድማ ጽድቅና እዩ። እዚ ብንጹር ኣብ ሮሜ 5፡8-9 ንረኽቦ “ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ። እምብኣርሲ ሕጂ ብደሙ ምስ ጸደቕና ደኣ፡ ክንደይ ካብቲ ቚጥዓ ብእኡ ኣዚና ዘይንድሕን።” ኣብዚ እታ መፍትሕ ዝኾነት ኣውራ ነገር “ብደሙ ጸዲቅና” እትብል እያ። እዛ “Justification” እትብል ናይ እንግሊዝኛ ሓሳብ “ጽድቂ ምዃን” “ዕዳ ናይ ሓጢኣት ምኽፋል” “ካብ ገበን ሓራ ምዃን” ትትርጎም። እታ ቀንዲ መግለጺት ናይዚ ቃል ድማ “JUST-AS-IF-I’D NEVER SINNED” ማለት ብደሙ “ልክዕ ቅድሚ ሕጂ ሓጢኣት ገይረ ከም ዘይፈልጥ ተቖጺረ” ትቱርጎም። ብደሙ ስለ ዝጸደቅና ንሕና ናይ ገዛእ ርእስና ጽድቂ ዘይኮነስ፡ ጽድቂ የሱስ ክርስቶስ ኢና ተቐቢልና። ኣብ 2 ቆሮ 5፡21 “ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና” ይብል። ኣብዚ ጥቕሲ እቲ ዝዓበየ ናይ ምልውዋጥ (exchange) ዕዮ ንርኢ። ኣብዚ ክርስቶስ ሓጢኣት ዘይገበረ ክነሱ ኣብ ክንዳና ኣብ መስቀል “ሓጢኣት” ኮይኑ ነቲ ንዓና ዝግባእ ዝነበረ ፍርድን መቅጻዕቲ ናይ ሓጢኣትን፡ ብደሙ ምሉእ ዋግኡ ብምኽፋል ካብ ሓጢኣት ሓራ ኣውጺኡና። በዚ ድማ በቲ ናይ ገዛእ ርእስና ጽድቂ ዘይኮነስ ብደም የሱስ ክርስቶስ ጽድቂ ኣምላኽ ኴንና (በቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽድቂ)። ኣምላኽ ሓጢኣት ኣይፈልጥን ብሓጢኣትውን ረኺሱ ኣይፈልጥን እዩ። በዚ ኢና ድማ ንሕና በቲ ብእምነት ብደም የሱስ ዝርከብ ናብ ናይ ኣምላኽ ናይ ባዕሉ ጽድቂ ዝኣቶና። ስለዚ ብደም የሱስ ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ሓጢኣት ገይሩ ዘይፈልጥ ሰብ (ከም ክርስቶስ) ኴንና።
ስለዚ እዚ ነቲ ዝኸሰና ድያብሎስ ግቡእን ብቑዕን መልሲ ኮይኑ ንረኽቦ። ዲያብሎስ ንሕና ገበነኛታት ከምዝኾና ገይሩ ከርኢ ስለዝደሊ እዩ ዝኸሰና። እቲ እንኮ ንሕና ክንእውጆ ዝግብኣና ድማ “ኣነ ብደም የሱስ ክርስቶስ ልክዕ ቅድሚ ሕጂ ሓጢኣት ገይሩ ዘይፈልጥ ሰብ ኮይነ ጽድቂ ኣምላኽ ኮይነ እየ ምባል እዩ።” በዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብትብዓትን ብዘይሕፍረትን ደው ክንብልን፡ ንድያብሎስ ድማ ብቑዕ መልሲ ንምሃብን
KJC
pg. 5
ትብዓት ኣሎና። “ድያብሎስ በቲ ብገዛእ ርእሰይ ዝርከብ ጽድቂ ዘይኮነስ በቲ ዕጣርን መንቅብን ኣበርን ዘይተረኽቦ የሱስ ጽድቂ ኣምላኽ ስለዝኾንኩ፡ ምኽሳስካ ከተቋርጽ እነግረካ ኣሎኹ” ንበሎ።
ቅድስና (sanctification)
እቲ ቀጺሉ ብደም የሱስ ዝተቀረበልና ቅድስና እዩ። “ምቅዳስ” ማለት ቃል ንቃሉ ንሓደ ነገር ወይ ሰብ ናምላኽ ምፍላይ ወይ ምምዳብ እዩ። “ቁዱስ” ዝበሃል ሰብ ንኣምላኽ ጥራይ እተፈለየ ወይ ድማ እተመደበ እዩ። ዕብ 13፡12 “ስለዚ የሱስ ከኣ፡ ብደም ንህዝቢ ምእንቲ ኪቕድስ ኢሉ ኣብ ወጻኢ ኣፍ ከተማ መከራ ጸገበ።” ብኻልእ ኣዘራርባ ብናይ ገዛእ ርእሱ ደም ነቲ ህዝቢ መታን ክቅድስ ኢሉ ካብ ከተማ ወጻኢ መከራ ክጸግብ ተገብኦ። ዮሃ 17፡19 “ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኪቕደሱስ፡ ኣነ ርእሰይ ስሊኦም እቕድስ ኣሎኹ።”
ኣብቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ፋስጋ ምስ እንዕዘብ እቲ ደም ናይ’ቲ ገንሸል ነቶም ደቂ እስራኤል ካብቲ ቀዛፊ መንፈስ ሓልዩ ንኣምላኽ ክፈልዮም ከሎ ንርእዮ። ዘጽ 11፡4-7 “ሙሴ ድማ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎ፡ ኣነ ፍርቂ ለይቲ ኣቢለ ኣብ ማእከል ግብጺ ኽወጽእ እየ። ኲሉ በዂሪ ሃገር ግብጺ ኸኣ፡ ካብ ቦኽሪ እቲ ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ ዘሎ ፈርኦን ክሳዕ በዂሪ እታ ኣብ ድሕሪ መጥሓን ዘላ ግዝእቲ፡ ኲሉ በዂሪ እንስሳ ድማ ኪመውት እዩ። ኣብ ኲላ ሃገር ግብጺ ኸኣ ከምኡ ዝበለ ዘይከውን ዓብዩ ዋይዋይታ ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ግና ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ኣብ መንጎ ኣስራኤልን ከም ዚፈሊ፡ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ናብ ኲሎም ደቂ እስራኤል ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ከልቢ ልሳኑ ኣየወሳውስን።” ኣብ’ዚ ጽሑፍ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቶም ደቂ እስራኤል ካብ ግብጻውያን “ከም ዝፈለየ” ንርእዮ። እቲ “ከም ዝፈሊ” ዝብል ጽሑፍ ብእንግሊዘኛ “distinction” ማለት “ኣፈላላይ” ይብሎ። ኣብ’ዚ ጽሑፍ ቁጥዓን ፍርድን ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ’ቲ በቲ ደም ዘይተፈለየ ህዝቢ ማለት ህዝቢ ኣምላኽ ዘይኮነ ህዝቢ ክወርድ ከሎ ንዕዘብ። ኩሉ ህዝቢ ኣምላኽ ግና ምሉእ ብምሉእ በቲ ደም ክሕሎ ወይ ክዕቀብ ንርእዮ። እቲ መሰረት ናይቲ ምፍልላይ ድማ ደም እቲ ገንሸል ኮይኑ ንረኽቦ። እቲ ኣብታ ሃገር ዝመጽአ ቀዛፊ መንፈስ ነቲ ኣብ ልዳውቲ ኣባይቲ እስራኤል እተለኽየ ደም ናይቲ ገንሸል ርእዩ ካብቲ ቁጠዓን ፍርድን ይንሕፎም (ይሓልፎም) ነበረ።
ንሕና ድማ ኣብ’ዚ እዋን እቲ ኩቡር ደም የሱስ ኣብ ህይወትና እናነጸግና “ብደም የሱስ ክርስቶስ ንኣምላኽ ንበይኑ ጥራይ ተቀዲሰን ተፈልየን፣ ድያብሎስ ድማ ኣባይ ዝኾነ ይኹን ሓይልን ስልጣንን ኩነኔን የብሉን፡ ኩሉ ነገር ብደም የሱስ ዓሪፉ እዩ።” ዝብል ኣዋጅ ወይ ምስክርነት እናኣወጅና እቲ ብክርስቶስ እተቐረበልና ቅድስና ክንለብሶ ይግብኣና።
ዘየቋርጽ ጥርዓን (continual plea) ኣብዚ እዋን ክርስትያናት ክፈልጥዎን ክርድእዎን ዝግባእ ሓቂ እቲ ብሉጽ ህያብ ደም የሱስ ክርስቶስ ሕጂውን ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽ ምእንታና ይጠርዕ ምህላዉ እዩ። ዕብ 12፡22,24 “ንስኻትኩም ግና ናብ ከረን ጽዮንን ናብታ ኸተማ ህያው ኣምላኽ ሰማያዊት የሩሳሌምን ናብቶም ኣእላፋት መላእኽትን ኢኹም ዝበጻሕኩም፡……..ናብ የሱስ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳንን ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ዝሔሸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን በጺሕኩም ኣሎኹም።” ኣብ ከረን ጽዮን ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽ ኣብቲ ቅድስተ ቕዱሳን ዝበሃል ቦታ ደም የሱስ ኣብ ክንዳና ኮይኑ ተነጺጉ እዩ። የሱስ ንኹላትና መሪሑ ኣብ ቅድሚ እቲ ክቡር ገጽ ኣምላኽ ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን እቲ ንምድሓንን ንምብጃውንን እተመደበ ዕዳ ብናይ ገዛእ ርእሱ ደም ነጺጉ ብምልኣት ተኸፊሉ እዩ።
KJC
pg. 6
ኣብዚ ግና ሓደ ኣንጻራዊ ዝኾነ ኣገዳሲ ነገር ከነድህበሉ ይግብኣና። ኣብቲ ቃየል ንኣቤል ሓው ዝቐተለሉ እዋን ምስ እነንብብ፡ ቃየል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅትለት ሓዉ ዘይምልከቶ ኮይኑ ክቐርብ እዩ ፈቲኑ። ኣምላኽ ግና ሓደ ነገር ኢልዎ። “ድምጺ ደም ሓውኻ ካብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ” (ዘፍ 4፡10)። ብኣንጻር እዚ ግና እቲ ኣብ ሰማያት እተነጽገ ደም የሱስ ሎሚ ንሕነ ምፍዳይ ዘይኮነስ ንምሕረት ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽ ይጠርዕ ኣሎ። እቲ ደም የሱስ ኣብ ቅድሚ ህላወ ኣምላኽ ዘየቋርጽ ጥርዓን ንምሕረት እዩ።
ንሕና ድማ ብውልቅና ብዛዕባ እቲ ሓይሊ ደም የሱስ ኣብ እንምስክረሉ እዋን፡ እቲ ቃላት ካብ ደቒቕ ናብ ደቒቕ ክንደጋግሞ ኣየድልየናን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ደም ኩሉ ጊዜ ኣብ ክንዲ ኩላትና ኮይኑ ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽ ስለ ዝዛረብ። ኩሉ ግዜ ኣብ ንፍተነሉ፡ ንሽገረሉ፡ ንፈርሃሉ፡ ንጽገመሉ እዋን ግና ንነፍስና “ደም የሱስ ሕጂ ኣብ ክንዳይ ኮይኑ ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽ ይዛረብ ኣሎ” ኢልና ከነዘኻኽራ ይግብኣና።
ክርስቶስ ብደሙ ምሉእ ኣድዋር ውግእ ስለዘልበሰና፡ ኣብቲ ምስ ድያብሎስ እነካይዶ ውግእ ኣቐዲምና ብእምነት ንኸነጥቕዕ ንቕድሚት ክንወጽእ ይግብኣና። እቲ ናይ ቃልን ምስክርነትን፡ ምእዋጅን ግና እቲ ቀንዲ መፍትሕ ኣድማዕነት ናይቲ ኣጽዋር እዩ። በዚ ድማ ኣብቲ ብክርስቶስ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት እተዋህበና ዓወት (victory) ኣብ ልዕሊ ድያብሎስ እናገዛእና ንነብር።
ምንጪ ካብ The blood of the lamb
By Derek Prince

0 comments
Other Article