ዓርከይ ብምንታይ መጻኻ?

Posted on 2012-10-25 · 1799 · 0 · 2

37 resources uploaded

ምግራመይ ካብዚ እዩ ዝጅምር። ይሁዳ ንየሱስ ኣሕሊፉ ክህቦ ምስ መኸረ፣ ናብ ፈርሳውያንን ጸሓፍትን መጺኡ ተዛረቦም። ዓስቢ ዕይኡ ድማ ዋጋ ተመንሉ። ይሁዳ ድማ ብመጠን እቲ ዋጋ ምስ ተሰማምዐ፣ ንየሱስ ከትሕዞ ምቹእ ግዜ ይደለ ነበረ። ይሁዳ ምቹእ ግዜ ዘይረኸበ፣ የሱስ ዝተሓዘሉ ግዜ ስለ ዘይበጽሐ ጥራይ እዩ። ኩሉ ኣብ ግዜ ኣምላኽ ድኣ እምበር፣ ሰይጣን ኣብ ዝደለዮ ግዜ ስለ ዘይፍጸም እዩ። እንተዝኸውን ነይሩ፣ የሱስ ገና ካብ ማህጸን ከይወጸ ሰይጣን ክቀትሎ ፈቲኑ እዩ። እ/ሔር ብዓል ስልጣን ምኻኑ ነዚ ወለዶ መታን ክግለጽ፣ እ/ሔር ኣይፈቀደሉን። የሱስ ገዛእ ርእሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣኽሉፉ ዝህበሉ ግዜ ምስ መጸ ከኣ፣ ይሁዳ ንፈርሳውያንን ጸሓፍትን ከምዚ ክብል ምልክት ኣቦም፣ "እቲ ኣነ ዝስዕሞ ንሱ እዩ እሞ ንዕኡ ሓዝዎ"። የሱስ ገዛእ ርእሱ ብጸሎት ነቲ ኩሉ ዝኽእል ምስ ኣዕቆበ፣ ይሁዳ ምስቶም ጭፍራ ናብ ጌተሰማንየ መጸ። ናብ የሱስ ቀሪቡ ድማ፣ "መምህር ከመይ ኢኻ ኢሉ ሰዓሞ"። የሱስ ግና ኣይትቅረበኒ ኣይበሎን። የግዳስ ከምዚ ክብል ኣዝዩ ዕሙቅ ዝበለ ዘረባ ተዛረቦ፣ "ዓርከይ ብምንታይ ነገር መጻኻ" (ማቴ26፣50)። ድሕሪዚ ድማ ገዛ ርእሱ ንውርደትን ስቃይን ሞትን ኣሕሊፉ ሃበ።

ይሁዳ ንሰለስተ ዓመትን ፈረቃን ምስ የሱስ በሊዑን ሰትዩን፣ ምስ የሱስ ድማ ተመላሊሱ’ዩ። ካብ የሱስ ተማሂሩ እዩ። ካብታ የሱስ ዝጽውዖ ግዜ ኣትሒዙ ካብኡ ኣይተፈለየን። ስለዚ ኩሉ ምእታውን ምውጻእን የሱስ ይፈልጥ ነበረ። ሓደ ግዜ ግና ሰይጣን ብጉርሑ ነቲ ግሩህ ሓሳቡ ከበላሽዎ ስለ ዝጀመረ፣ ብሕማቅ ሓቀና ምስ የሱስ ክኣቱን ክወጽእን ጀሚሩ። ዝገብሮን ዝሓስቦን በቲ እኩይ ክዝወር ስለ ዝጀመረ፣ ካብ ገርህነት ርሒቁ። ስለዚ ንየሱስ ክዛረቦን ክሓቶን ከሎ ብጉርሒ እዩ ዝነበረ። ንየሱስ ክተናዀለሉ ካብ ዝጅምር ግዜ ኣቁጺሩ እዩ። ዝሓቶ ዘበለ ንኹጎድኦ እዩ ነይሩ። ዝፈለጦ ዘበለ ነቶም ገለ ጌጋ እንተረኸብሉ ዝጸናወትዎ ዝነበሩ ግቡዛት ፈርሳውያን መገዲ ንሙኻን እዩ። እቲ ዘገርም ግና የሱስ ከምኡ ምኻኑ እናፈለጠ ክነሱ፣ ኣብ ይሁዳ ዝነበሮ ኣቀራርባ ኣጠማምታን ፈጺሙ ኣይተቀየረን። ይሁዳ ብሓሳብ ሰይጣን የዒንቱ ተሰዊረን ስለ ዝነበራ፣ ዝሓስቦን ዝኸዶ ዝነብረ ኣካይዳ ካብ የሱስ ዝተሰወረ ይመስሎ ነበረ። ዝኸዶ ዝነበረ ጎደና፣ ጎደና ውርደትን ጥፍኣትን ምኻኑ ምስትውዓል ተሳኢንዎ። ንኽብሪ ኣምላኽ ገዛእ ርእሶም ዝሃቡ ምጽራር ስርሑ ኰይኑ ነበረ (ዮሃ12)። ንኸትሕዞ: ኣእሕሊፉ ንኽህቦ ንየሱስ ኣበይ ከም ዘምሲ ምስ ሓተቶ፣ የሱስ ግርሑን ተንኰሉን ይፈልጦ እኳ እንተነበረ ንምንጋሩ ሰገጥ ኣይበለን። ይሁዳ ንጉድኣት፣ ዓርኪ መሲሉ ቀሪቡ። ብልቡ እናተቃጸዎ ክነሱ፣ ፍሽሕ ይብል ነበረ። ዝበልዓሉ ጻሕሊ ክሰብር ምኻኑ እናፈለጠ፣ ኣብ ናይ ፍቅሪ መኣዲ ብድፍረት ተቀሚጡ። የሱስ ግና እናፈለጠ ከም ዘይፈለጠ፣ እናርኣየ ከም አይረኣየ ስቅ ኢሉ ይዕገስ ነበረ። ስለምታይ ግን?

ይሁዳ ንየሱስ የሕሉፉ ንኽህቦ ስሙ እናጸውዐ “ሰዓሞ”። የሱስ ዝኸውን ዝነበረ ይፈልጥ ነበረ። እናፈለጠ ድማ ንይሁዳ “ዓርክይ” በሎ። ከም ሰብ የሱስ ዝሕጭጭ ወይውን ኣሽሙር ዝዛረብ ኣይመስለንን። “ዓርከይ” ክብሎ ከሎ ይሁዳ ዓርኩ ስለ ዝዀነ እዩ። የሱስ ቀረባይ መማኽርተይ ዝብሎ፣ ልቡ ዘውድቀሉ ዓርኩ ጌሩ ይቆጽሮ ስለ ዝነብረ “ዓርከይ” በሎ። ንስቃይን ንውርደትን ኣሕሊፉ እናሃቦ ክነሱ፣ “ዓርከይ” ምባሉ ኣዝዩ ዘደናግር እዩ። ብፍላይ እኳ ንጴጥሮስ ዝበሎ ምልስ ኢልና ክንዝክር ምስ እንፍትን፣ ብሓቂ ንሓሳብካ ዘቃውስ እዩ። የሱስ ክሳቀን ክመውትን ምኻኑ ንደቀ መዛምርቱ ምስ ነገሮም፣ ጴጥሮስ ካብ ሓልዩት ዝተላዕለ፣ “ጎይታይ ይባልህካ፣ እዝስ ኣይውረድካ” በሎ (ማቴ16፣21-23)። የሱስ ናብኡ ግልጽ ኢሉ “ሰይጣን” ካብይ ረሓቅ። ነቲ ካብ ፍቅርን ሓልዮትን ተበጊሱ ይባልህካ ዝበሎ፣ “ሰይጣን”፣ ነቲ ብጉርሒ ብተንኰል ተበጊሱ ኸትሕዞ ዝመጸ ግና “ዓርከይ” ምባሉ ኣዝዩ ዘሕስብ እዩ። ብሓቂ ስጊንጢር ይመስል። ንኣእምሮ ሰብ ዘደናግር እዩ። እምበርከ የሱስ ምስ ኣእምርኡ ምንባሩ ክትሓትት ይገብረካ። የሱስ ዝዓሸወ ይመስል። ዕሽነት ምዕጋሱ ግና ጸጋ ኣምላኽ እዩ። ግን ስለምታይ?

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ የሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ብመንጽር እቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቀበሎ ፍቃድ እዩ። ናብ ፍቃድ ኣብኡ ዘቅርቦን ዘበለ፣ ንየሱስ ዓርኩ እዩ። ኣንተ ብፍላጥ ወይስ ብዘይፍላጥ፣ ኣብ ይሁዳን ጴጥሮስን ዝዀነ ድማ እዚ እዩ ነይሩ። የሱስ ናብዚ ምድሪ ዝመጸ፣ ምእንቲ ደቂ ሰባት ገዛእ ርእሱ ንመስዋእቲ ምምጣው እዩ። ንዝጠፍአ ውሉድ ኣዳም፣ ብሞቱ ንምምላስ እዩ። ናብዚ ዕላማ ኣቢሉ ዘቅርቦ፣ ንየሱስ ፈታዊኡ እዩ። ብዘየገድስ እንተ ብጽቡቅ ብግሩህ ሓሳብ፣ ወይስ ንሕማቅ ብዝተበላሸወ ሕልና፣ የሱስ ዓርከይ ኢሉ ክስዕሞ ኣይተሸገረን። ዋላ እዃ ካብ ሓልዮት ይኹን፣ ጴጥሮስ ዝተዛረቦን ዝመኸሮን ምኽሪ፣ ካብ ሓሳብ ኣምላኽ ዘውጽእን ዘርሕቅን ስለ ዝነብረ፣ ኣሜን ኣይበሎን። ደሓን ካብ ፍቅሪ ዝተላዕለ እዩ ኢሉ ጎስይዎ ክሓልፍ ኣይደለይን። ከም ቆፍኡ ዝተተንከየ ንህቢ ደኣ፣ “ሰይጣን” በሎ። ናይ ሰብ እምበር ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስን ኢኻ ብምባል ከም ዘይተቀበሎ ብግልጺ ተዛረቦ። ነቲ ጥቅሚ ርእሱ ደሪኽዎ ዝመጸ ይሁዳ ግና፣ “ዓርከይ” በሎ። ምኽንያቱ ፍቃድ ኣምላኽ ንኽፍጸም መገዲ ስለ ዝዀነ። ዋላ እኳ ብተንኰል ዝተበገሰ እንተነበረ፣ መፈጸምታኡ ግና ንየሱስ ናብ ፍቃድ ኣምላኽ ዘቅርብ ስለ ዝነበረ፣ ብውሽጡ ኣይተመረረን። “ዓርከይ” ብምባል ክስዕሞ ኣይተሸገረን። ምርዳእ ፍቃድ ኣምላኽ፣ ንየሱስ ሓራ ገይርዎ።

እዚ ድማ ንየሱስ ፍሉይ ይገብሮ። ንሕናውን ኣሰሩ ክንስዕብ ይድለየና። ሓው/ሓፍቲ ዝብሃል ገዛእ ርእሱ ቀቲሉ፣ ንፍቃድ ኣምላክ ፈጺሙ ዝተዋህበ እንተዘይኰይኑ፣ ልቡ ብኽፍኣትን ብጉርሕን ክምላእ ይኽእል እዩ። መጋብሮ ሰይጣን ብምዃን ድማ ምኽንያት መከራ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሰብ ንጥቅሙ መጋብሮ ክገብረካ፣ ብጉርሑ ውሽጥኻ ክፍትሽ ምፍታኑ ብሓቂ ስቅ ኢልካ ክትሓልፎ ይኸብድ እዩ። ኣብ ውግእ ዝወዓለ ይንገርካ እዩ ነገሩ። ዝኣመንካዮ ክጠልመካ፣ ዝተጎንጎንካዮ ሻምቡቆ ክዀነካ ጥዑም ተመኩሮ ኣይኰነን። ግና ብኣምላኽ በቲ ጸጋ ዝህበና ኩሉ ይከኣል እዩ። ደሓር ከኣ፣ ፍቃድን ዕላማ ኣምላኽ ንኽፍጸም እንተኰይኑ፣ “ኣሜን” ጥራይ ክተርፎ ኣለዎ።፣) ነዚ ኩነት ግና ክንቅይሮ ኣብ ኢድና ኣይኰነን። ሓደ ነገር ግና ኣሎ ክንገብሮ ንኽእል። ኣጠማምታና ከንቅይር። ኩሉ ብምንጽር ሓሳብ ኣምላኽ እንተሪናዮ ካብ ብዙሕ ሓዘንን መስበርትን፣ ጽልእን ቅርሕንትን ክንድሕን ንኽእል ኢና። እዚ ድማ እቲ ዮስየፍ ነሕዋቱ ዝበሎም ይሰማማዕ፣ “ንስኻትኩም ንኽፉይ ሓሳብኩም፣ ኣምላኽ ግና ከምዚ ኰይኑዎ ዘሎ ንብዙሓት መታን ከድሕን ንጽቡቀይ ሓሰበ” ብምባል ሕነ ክፈዲ ኣይድለየን ወይውን ብውሽጡ ኣይተመረረን። እዚ ድማ ናይ ሓቂ ጸጋ እዩ። ተቢዕና ድማ “ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ከም ምኽሩ ድማ ዝተጸውዑ ኩሉ ኩሉ ንሰናይ ይድግፎም እዩ” ክንብል ንኽእል ኢና።

2 comments

Amen Kidane hawey. may grace and favor be with you too!!

ተባረክ ሳምሶም ሓዉና.....መሃሪ ሓሳብ። ጻጋ ኣምላክ ይብዘሓልካ
Other Article