ንርእስኻስ ኣይትምህርን’ዶ፧

Posted on 2013-02-16 · 1543 · 0 · 0

30 resources uploaded

“ግናኸ ንስኻ፡ ኣይሁዳዊ እንተ ተብሀልካ፡ ብሕጊ እንተ ተኣመንካ ብኣምላኽውን እንተ ተሐበንካ፡ ፍቓዱ እንተ ፈለጥካ፡ ካብ ሕጊ ተምሂርካውን እቲ ቕኑዕ መርሚርካ እንተ ፈሌኻ፡ መራሕ ዕዉራት፡ ኣብ ጸልማት ንዘለዉ ብርሃን ምዃንካውን ብርእስኻ እንተ ተኣመንካ፡ ንስኻ ንዓያሱ መለበሚ፡ ንቘልዑ መምህር፡ ኣብ ሕጊውን ምስሊ ፍልጠትን ሓቅን ዘሎካ ኢኻ። እምብኣርሲ ኣታ ንኻልእ እትምህር፡ ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧….” ሮሜ 2:17-21

ኣብዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ጥቕሲ፣ ሓደ ዘገርም ምስልያዊ ስእሊ ናይ ሓደ ሰብ ተገልጺ ነንብብ። እዚ ሰብ እዚ ንዓይ ይውክለኒዶ ይኸውን፧ ኣነኸ ካብ ናቱ ዝበልጽ ህይወት ብኸመይ ክመርሕ ይኽእል፧ ጉድለታቱ እንታይ እዩ፧ ኣብ ህይወት ክርስትናኸ ከምኡ ዓይነት ሰባት ኣለውዶ፧ ናይ ግድን ክህልዉ ኣለዎም እምበር፣ ምኽንያቱ ንኣመንቲ እንድያ ተጻሒፋ እታ መልእኽቲ፧ ስለዚ ካብ ጉድለታት ናይዚ ሓው ተማሂረ፣ ኣነ ከኣ ነቲ ጉድለታቱ ክደግሞ የብለየን።

እቲ ሰብኣይ ንጐይታ ዝተቐበለ ኣይሁዳዊ እዩ። እዚ ኣይሁዳዊ፣ ብሕጊ ኣምላኹ ዝሕበን፣ ፍቓድ ኣምላኽ ይፈልጥ’የ በሃሊ እዩ። ካብ ሕጊ ተማሂሩ እቲ ቕኑዕ ካብቲ ጌጋ ዝፈሊ እዩ። ብርሃን ዓለም፣ መራሕ ዕዉራት እየ በሃላይ እዩ። መምህር’ውን እዩ፣ ከመይሲ ፍልጠትን ሓቅን ዘለዎ ስለዝኾነ።

እዚ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ኣብዘን ጥቕስታት ከም ዝተዓዘብናዮ፣ ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም ጽቡቕ ምርዳእ ዘለዎ እዩ ዝመስል። ምኽንያቱ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ምፍላጥ፣ ብርሃን ዓለም ምዃን፣ መምህር ናይቶም ዝጠፍኡ ዘለዉ ምዃን፣ ንሓቂ ኣምላኽ ምፍላጥ ዝዓቢ ነገር የለን።

እንተኾነ ግና እዚ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኮነን። እስከ ገለ ባህርያት ናይዚ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ንርአ። እዚ ሰብኣይ ብኣምላኹ ስለዝሕበን፣ ንኻልኦት ሰባት ብቐሊሉ እዩ ዝፈርድ፣ ከምኡ ዘሎ ኰይኑ ኣይስምዖን (ምልክት ትዕቢት)፣ “ስለዚ፡ ኣታ እትፈርድ ሰብ፡ ዝዀንካ እንተ ዀንካ፡ ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዂንን ኣሎኻ እሞ፡ ምኽንያት የብልካን። ንሕናስ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እቲ ፍርዲ ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኣታ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እትፈርድ ባዕልኻውን እትገብሮ ሰብ፡ ካብቲ ፍርዲ ኣምላኽ እትመልቚዶ ይመስለካ ኣሎ፧ ” ሮሜ 1:1-3። እቲ ናብ ፍልጠቱ ዘምጽኦ ኣምላኽ ሕይዋይን ጸዋርን ዓቃልን ምዃኑ ዝዘንግዔ እዩ ዝመስል፣ “ወይ ከኣ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዚስሕበካ ሰኣን ምፍላጥካ ሃብቲ ሕያውነትን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሊንዶ ትንዕቕ ኣሎኻ፧ ግናኸ ብትርኻን ብዘይ ምንሳሕ ልብኻን ነቲ ብመዓልቲ ቚጥዓን ምግላጽ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽን ዚወርድ ቊጥዓ ኣብ ርእስኻ ትእክብ ኣሎኻ” (ሮሜ 2:4-5)። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ በቲ ዝበጽሖ ፍልጠት ተነፊሑ ናብ ውድቀት እዩ ዘምርሕ ዘሎ፣ እምበር ንርእሱስ ክምህራ ኣይከኣለን። እዚ ከኣ ካብ ኣምላኽ ከም ዘይተማህረ የረድእ። ኣምላኽ ነቶም ካልኦትውን ናብ ንስሓ ከም ዝስሕቦምን ምድሓን ክህቦም ከም ዝኽእልን ዘይተረድአ ይመስል። እግዚኣብሄር ብጳውሎስ ገይሩ ክዛረብ ከሎ ግና ከምዚ ይብል “ኣታ ንኻልእ እትምህር ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧” ሮሜ 2:20

እዚ ኣብ ሮሜ 2 ዘሎ ሰብኣይ ንርእሱ ክምህራ ዘይከኣለስ፣ ንኻልኦት ክምህር ምፍታኑስ ኣይገርምንዶ! ትምህርቱ ግና፣ ትምህርቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን እዩ እምበር ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ከኣ ጐይታ ኽብሪ፣ ነዚ ሰብኣይ እዚ፣ እቲ ዘሎካ ፍልጠት ነፊሑ ክቐትለካ እዩ ይብሎ “…ፍልጠት ይነፍሕ፡ ፍቕሪ ግና ይሀንጽ” 1ቈረ8፣1። ስለዚ ንሕና ብጐይታ ኣሚንና ዝደሓንና’ውን ብምፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ናብ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን፣ ናብ ንኻልኦት ምፍራድን ትዕቢትን ከይንኣቱ ክንጥንቐቕ ኣገዳሲ እዩ።

እሞኸ ካብዚ ሰብኣይ እዚ ንሕና እንታይ ንመሃር፧ ንመሃሮ እምበኣር ብዙሕ እዩ።

1. ኩሉ እቲ ሰብኣይ ኣብ ጥቕስታት 17-20 ዝብሎ፣ ንሕና’ውን (ኣመንቲ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ዝኾንና) ንብሎ ኢና። ማለት ፍቓድ ኣምላኽ ንፈልጥ፣ ብርሃን ዓለም፣ ንዕዉራት (ዘይድሓኑ) ናብ ምድሓን ምጹ ንብል፣ ብኣምላኽ ንሕበን፣ መምህራን ፍልጠትን ሓቅን ምዃንና’ውን ንእመን ኢና። እንተኾነ ግና ብሓቂ ከምቲ ንብሎ ከምኡ ዲና ንነብር፧ ማለት እቲ ንብሎን ንነብሮን ሓደዶ ይኸውን፧ ምኽንያቱ እዚ ሰብኣይ ዝብሎ በይኑ ዝነብሮ ከኣ በይኑ እዩ። ጐይታ ከኣ መጀመርታ ንርእስኻ ምሃራ፣ ኢሉ ምዒድዎ። ንሕና ከኣ ኩሉ ግዜ እቲ ንብሎን/ንኣምኖን ንነብሮን ሓደ ክኸውን እዩ ጐይታ ዝደልየና። መጀመርታ ንሕና ባዕልና ካብ እግዚኣብሄር ዝተመሃርና ክንከውን ኣሎና፣ ምኽንያቱ “ኲላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም፡ ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ” ኢሳ54፣13 ስለዝብል። ብድሕሪኡ ከምቲ ዝተመሃርናዮ ክንነብር ምስ ጀመርና ኢና ንኻልኦት ክንምህር ንኽእል ኢና። ጐይታ ከምዚ ይብል “ እምበኣርሲ ኻብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዝሰዐረ፡ ከምኡውን ንሰብ ዝመሀረ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽቶ ኺበሀል እዩ። እናገበረ ዚምህር ግና፡ ንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ኺበሀል እዩ” ማቴ5፣19። ስለዚ’ዩ ያእቆብ ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ፣ ገበርቲ ቃል’ውን ኩኑ እናበለ ዝምደና (ያእ1፣22)። እምበኣርስከ፣ ኣነ’ኮ ፍቓድ ኣምላኽ ዝፈልጥ እየ፣ ነቶም ኣብ ጸልማት ዘለዉ ድማ ብርሃኖም እየ፣ ከምዝን ከምትን እናበልካ ንርእስኻ ክትጥብራ ዝከኣል እዩ። እቲ ብሓቂ ከምቲ ጐይታኡ ዝመሃሮ ኰይኑ ዝመላለስ፣ እናገበረ ከኣ ዝምህርን ግና፣ ንሱ እቲ ሓቀኛ መምህር፣ ካብ ኣምላኽ ዝተማህረን፣ ብኣምላኽ’ውን ንእዶኡ ዝቕበልን እዩ። ምኽንያቱ ኣብታ ምዕራፍ፣ ነቲ ሰብኣይ ሕጊ ኣምላኽ ከም ዘፍርስን ከም ዘይሕልዎን ኣብቲ ዝስዕብ ጥቕስታት ገሊጽዎ ኣሎ፣ “ንስኻ፡ ኣይትዘምዉ፡ እትብል፡ ባዕልኻዶ ትዝሙ፧ ንስኻ ጣኦት እትንፍን፡ ባዕልኻዶ ቤተ መቕደስ ትሰርቕ፧ ከምቲ፡ ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ እዩ፡ ዚብል ተጽሒፉ ዘሎ፡ ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፡ ሕጊ ብምፍራስካዶ ንኣምላኽ ተሕስሮ ኣሎኻ፧ ግዝረትሲ። ሕጊ እንተ ሐሎኻ፡ ትጠቅም እያ እሞ፡ ሕጊ እንተ ኣፍረስካ ግና፡ እታ ግዝረትካ ዘይግዝረት እያ እትኸውን። እምብኣርሲ እቲ ዘይግዙር ነቲ ሕጊ ዚደልዮ ስርዓት እንተ ሐለዎ፡ እቲ ዘይምግዛሩዶ ኸም ግዝረት ኰይኑ ኣይቊጸረሉን እዩ፧ እቲ ኻብ ባህርዩ ዘይግዙር ክነሱ ሕጊ ዚሕሉ፡ ንኣኻ፡ ብፊዴልን ብግዝረትን ሕጊ ንተፍርስ፡ ኪፈርደካ እዩ። ብዚርኤ ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይኰነን እሞ፡ እታ ብዚርኤ ኣብ ስጋ እትግበር ግዝረትውን ግዝረት ኣይኰነትን። እቲ ብውሽጢ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ግና፡ ንሱ ኣይሁዳዊ እዩ። እታ ግዝረት ከኣ ግዝረት ልቢ ብመንፈስ እያ እምበር፡ ብፊዴል ኣይኰነትን። እቲ ንእዶኡውን ካብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይኰነን።” ሮሜ 2፣22-29። ስለዚ ቀዳማይ ነጥቢ፣ ምግባርን ምምሃርን ኣገዳሲ እዩ።

2. ከምዚ’ውን ኣሎ። ንርእስኻ ካብ እግዚኣብሄር ተማሂርካ፣ ነቲ ሕጊ’ውን እናገበርካ/እናሓሎኻ ክትምህር ይከኣል እዩ። እዚ ጥራይ ግና በይኑ ኣኻሊ ኣይኮነን። ከመይሲ እዚውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተናኢድካ ክትቀውም ኣይገብረካን እዩ። ምኽንያቱ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ግብዝና’ውን ዝብሎ ኣለዎ። ግብዝና ግና እንታይ እዩ፧ ብደገ መልኣኽ መሲልካ ትርአ፣ ውሽጥኻ ግና ክትርን ዓጻጽምትን እኩይ ነገራትን ምሉእ ክኸውን ከሎ.. ግብዝና ይብሃል። እዚ ኣብ ማቴ 23 ብተደጋጋሚ ተጻሒፉ ንረኽቦ። በሃሊኡ ከኣ የሱስ እቲ ጐይታ ኽብሪ እዩ። እሞ ንሕና ኣመንቲ ዳግም ዝተወለድና ንግበዝ ዲና ዝብል ሕቶ ይለዓል ይኸውን፧ እቲ መልሲ እወ ዝብል እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ገላትያ ክግበዝ ከሎ ነንብብ ኢና (ገላ2፣11-13)። ስለዚ ኣነን ንስኻን/ንስኽን’ውን ካብዚ ሕማም ግብዝና ክንጥንቐቕ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ክንገብሮ ዘለና ሓደ ነገር እዩ። ከምቲ ቃል እግዚኣብሄር ኣብ እብ11፣3 “እቲ ዝርአ ካብቲ ዘይርአ ከም ዝኾነ..” ዝብሎ፣ መጀመርታ ምስ ኣምላኽ ግሉጻት ክንክወን ኣሎና። እቲ ዘሎናዮ ንኣምላኽ ብግልጺ ከነፍልጦ ይግብኣና፣ ድሓር ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ንውሽጥና የዐርዩ ምስ ሰርሖ …. ማለት በቲ ናይ ውሽጢ ሰብና ብመንፈስ ቅዱስ ምስ በርታዕና… ከምቲ ኣብቲ ዘይርአ መንፈስና (መንፈሳዊ ዓለም) ዘለናዮ፣ ኣብዚ ዝርአ ናብራና (መዓልታዊ ህይወትና) ከኣ ከምኡ ኢና ንኸውን። እዚ ማለት መንፈስካ እንተ ጥዒኻ ኣብቲ ዝርአ መዓልታዊ ህይወትካን ናብራኻን ከኣ ጥዑይ ዝኾነ ምምልላስ ይህልወካ። ብሕጽር ዝበለ ጸባቐ ናይቲ ዝረአ ህይወትካ ውጺኢት ናይቲ ዘይረአ ጽባቐ መንፈስካ እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ “ብዚርኤ ኣይሁዳዊ ምዃን (ምምሳል) ኣይሁዳዊ ኣይኰነን እሞ፡ እታ ብዚርኤ ኣብ ስጋ እትግበር ግዝረትውን ግዝረት ኣይኰነትን። እቲ ብውሽጢ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ግና፡ ንሱ ኣይሁዳዊ እዩ” ሮሜ2፣29 ዝብለና። ነዛ ጥቕሲ ከምዚ ኢልና ክንገልጻ (para-phrase)ዝከኣል እዩ “እቲ ብዉሽጡ መንፈሳዊ ዝዀነ ግና፣ ንሱ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ እዩ። እቲ መንፈሳውነት ከኣ መንፈሳውነት ልቢ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር፣ ንቓል ኣምላኽ ብፊደልን በእምሮን ምፍላጥ ጥራይ ኣይኮነን”። ካልኣይ ነጥቢ ከኣ፣ ብውሽጥኻ መንፈስዊ ብምዃን፣ ብፍቕሪ ተደሪኽካን፣ ብምሉእ ልብኻን፣ ብዘይፍርድን እዩ ክኸውን ዘለዎ ኣገልግሎትና።

3. ስለዚ መጀመርታ ሓደ ኣማኒ ሕብረቱ ምስ እግዝኣብሄር ኣቦን ጐይታ የሱስን ብመንፈስ ቅዱስ ቅኑዕን ጥዑይን ምስ ዝኸውን፣ እቲ ሰብ ኣብ ውሽጡ መንፈሳዊ ጥዕና ኣለዎ። “…ሕብረትናውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ” 1ዮሃ1፣3። እዚ ከም ዝኾነ ከኣ መንፈስ እግዚኣብሄር ምስ መንፈስና ኰይኑ ውሉድ ኣምላኽ ምዃና ይምስክር እዩ። “ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉስ ኣምላኽ እዮም። ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር” ሮሜ 8፣14-16። ብኸምዚ መንገዲ ከኣ ኣብ ናብራና ጥዕና ይህልወናን፣ ምስቶም ንምህሮምን ዝምህሩናን ከኣ ጽቡቕ ህይወትን ዝምድናን ይህልወና። ሳልሳይ ነጥቢ ከኣ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ኣምላኽ ቅኑዕ ዝምድና ምህላው እዩ። ቅኑዕ ሕብረት ምስ ኣምላኽ። ኣብ ብርሃን ምምልላስ።

4. እዚ ንብሎ ዘሎና ህይወት ከኣ ልብና ምስናይ ኣእዳውና ናብ እግዚኣብሄር ብምልዓል፣ ምሉእ ትውክልቲ ኣብ ኣምላኽ ብምግባር፣ ቅኑዕ ሃቐናን ብመንፈስ ዝምራሕ ህይወት ብምሓዝን ጥራይ ኢና ክንበጽሖ ንኽእል። ከመይሲ ልቢ ካብ ኩሉ ጐራሕን ሕሱምን ስለዝኾነ፣ ኣምላኽ እምበር ሰብ ከስተዕሎ ኣይክእልን እዩ። ጽቡቕ ኣለኹ እናበልካ ግብዝና ዝመልአ ህይወት ክትመርሕ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ኣምላኽ ነቶም ዝውከልዎ ዘየሕፍር ስለዝኾነ፣ ንኣምላኽ ክሰርሓናን ንልብና ከጥዕን ክንልምኖ ይግባእ። ራብዓይ ነጥቢ ከኣ፣ ቅኑዕ ህይወት ክህለውካ ኣብ ኣምላኽ ምውካል።

5. ኩሉ ግዜ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ንኣምላኽ ከነሕጒስን ኢልና ክንነብር ይግባእ። ምኽንያቱ ንሰብ ከተሕጒስ ትነበር እንተ ደኣ ኰንካ፣ ንኣምላኽ ከተሕጒስ ኣይትኽእልን ኢኻ። እግዚኣብሄር ከኣ “ኣብ ቅድመይ ተመላለስ ፍጹም ከኣ ኩን” ዘፍ17፣1 እዩ ዘበለ እምበር፣ ኣብ ቅድሚ ሰባት ተመላለስ ኣይበለን። ሓምሻይ ነጥቢ ከኣ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምምልላስ እዩ።

ጸሎት፣ ዎ ኣምላኽ ከምቲ ትደልየኒ ኰይነ ክመላለስን ንኣኻ ከኣ ከኽብርን፣ ነቲ ዝብሎ ዝነብሮ ክኸውንን፣ ጸጋኻ ኣብዝሓለይን መንፈስካ ከኣ ደገፈይ ይኹን። ብሰም የሱስ ኣሜን።

0 comments
Other Article